ንዕውት መረፃ ሰላም ወሳኒ እዩ

ኣብ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓመታት ዝነበሩ መንግስታዊ ስርዓታት ሕቶታት ህዝቢ ብግቡእ ዝመለሱን፣ፀገማት ብባህሊ ዴሞክራሲ ዝፈትሑን ኣይነበሩን።ካብ ዘበነ ሃፄይ ሃይለስላሴ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መረፃታት ዝተኻየዱ’ኳ እንተነበሩ ሕቶታት ህዝቢ ዝመለሱ ግና ኣይነበሩን።ንዚ መርኣያ ዝኸውን ስጋብ ሐዚ ብህዝቢ ቅቡልነት ዘለዎ ስርዓት መንግስቲ ምህናፅ ኣይተኻኣለን።የግዳስ ፀገማት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኹን እናተሓላለኹን ህዝብን ሃገር ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከቡ።ስለዚ ሎሚ ዘበን ዕውት መረፃ ንምክያድ ውሑስ ሰላም ወሳኒ ብምዃኑ ንሰላም ጠመተ ክውሃብ ኣለዎ።

ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ቀሪቡ እዩ።ኮይኑ ግና ኣብ ዝተፈላላዩ ክፋላት ሃገርና ሐዚ’ውን ስእነት ሰላምን ምርግጋዕን ይርአ ኣሎ።እዚ ህፁፅ መፍትሒ ይደሊ።ፌደራል መንግስቲ፣ክልላትን መላእ ህዝብን ሃገርና ሰላማ ዝተረጋገዐ ንክኸውን ክሰርሑ ይግባእ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ መረፃ ኣመልኪቶም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣ ናይዚ ዓመት መረፃ ንዘበናት ዝተቛፀሩ ማሕለኻታት ዝፍትሑሉን ሕቶታት ህዝቢ ካብ ጎደና ናብ ፓርላማ ዝወስድን ኢዩ ኢሎም እዮም።ፖለቲካዊ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ብዓመፅ ወይ እውን ብኲናት እናተኻየደ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፣ይኹን’ምበር ክልቲኦም መገዲታት ድሑራትን ኣዕነውቲን ከምዝነበሩ ክሳብ ዘኣኽለና ርኢና ኢና ኢሎም።ስለዚ መረፃ ጠንካራ ስርዓተ መንግስቲ ንምህናፅ ወሳኒ በምዃኑን ሐዚ ንምክያድ እንዳለወሉ ዘለና መረፃ ድማ ዕውት ኮይኑ ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅ ንክኾን ሰላም ወሳኒ ስለዝኾነ ኩላትና ንሰላም ክንሰርሕ ይግባእ።

መንግስቲ ፈዴሪኢ ኣብ መረፃ ፀጥታ ብዝምልከት በቢክልሉ ብሰለስተ ዓይነት ማለት’ውን ቀይሕ፣ቢጫ፣ቆፃል ኢሉ ብምኽፋል ሃይልታት ፀጥታ ብምውፋር መረፃ ዕውት ንክኾን እናሰርሐ ይርከብ።በዚ’ውን ብሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል፣ፖሊስ ፌደራልን ሓይልታት ፀጥታ ክልላትን ብምውፋር ሰላማዊ መረፃ ንኽካየድ እናሰርሐ እዩ።ስለዚ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፣ መረፅትን ተመረፅትን ከምኡ’ውን መላእ ህዝቢ ንዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንመንግስቲ ሓጋዛይ ክኸውን ይግብኦ።

ንሃገርና ዲሞክራሲን ሰላምን ኣድላይ እዩ፣እዚኣቶም ተዘየማሊእና ምዕባለ ኣይመፅእን። ብሕብረት ዓቢና ናይ ሓባር ሃገር ክንፈጥር ኢና እንተኢልና ሰላምን ዲሞክራስን ምርግጋፅ ግድን እዩ። ርግፅ ዴሞክራሲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝረጋገፅ ኣይኮነን።እቲ ማሕበረሰብን ተናሓናሕቲ ፓርትታትን ዴሞክራስያዊ ባህሊ ተዘይብሉ መንግስቲ ጥራሕ ከምፀኦ ኣይኽእልን ።ስለዚ ናይ ኹላትና ምትሕብባር ኣድላይ እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ክፈልጡ ዘለዎም ምንጪ ስልጣን መረፃ ጥራሕ እዩ። ዝኾነ ሓይሊ ሓሳብ እንተሃልይዎ ህዝቢ ኣእሚኑ ንክምረፅን ብመረፃ ጠንካራ ስርዓተ መንግስቲ ንክፍጠር ክሰርሕ ኣለዎ።ካብዚ ወፃኢ ዘሎ መገዲ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ዲሞክራሲ ንድሕሪት ዝመልስ ሰላምና ዝዘርግ ስለዝኾነ ተመራፂ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኢትዮጵያን ተናሓናሕቲ ፓርቲታትን ደጊሞም ምሕሳብ ዘለዎም ነገር ስልጣን ንምድሓዝ ዘሎ መገዲ ሓደ እዩ።ንሱ’ውን መረፃ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ዘለዉ ሕልምታት ስለዘይሳኽዑ እዚ ብሕታዊ መገዲ ንከይበላሸው ብምትሕብባርን በምድግጋፍን መንፈስ ምስራሕ ፅቡቕ እዩ ዝኸውን ።ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ’ውን ምስራሕ ይግባእ።

ሓደ ግዘ ሰላማዊ፣ዴሞክራሲያዊን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተኣማኒ ዝኾነን መረፃ እንድሕር ተኻይዱ ህዝቢታት ናብ ጎደና ኣይወፅኡን። ህዝብታት ብተወከልቶም ኣቢሎም ድምፆም ስለዝስመዐሎም ዜጋታቶም ሰፊሕ ግዜኦም ኣብ ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ብምውዓል ንባዕሎምን ሃገሮምን ንምዕባይ ንኽጥቀሙሉ ይሕግዞም። ናይዚ ዓመት መረፃ ‘ውን ንኢትዮጵያ እዚ ወርቃዊ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ።ንዚ ድማ ሰላም ወሳኒ እዩ።

መረፃ ሎሚ ዘበን ብዕዉት መልክዑ ክካየድ እንተኽኢሉ ድምፂ ህዝቢ ካብ ጎደና ናብ ፓርላማ፣ ካብ በረኻ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ክምለስ ኢዩ ።እዚ እንተኾይኑ ድማ ሃገርና ዝተረጋገዐ ስርዓተ መንግስቲ ንክህልዋ ይገብር።ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ይዕንብብ፣ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ይመፅእ፣ናብራ ህዝቢ ይመሓየሽ፣ራህዋን ቅሳነትን ይርከብ።ስለዚ ዕውት መረፃ ንምክያድ ሰላም ወሳኒ ስለዝኾነ ኩላትና ኣብ ሰላም ሃገርና ክንሰርሕ ይግባእ።

ወጋሕታ 21 ሚያዝያ 2013

Recommended For You