
ናይ ዓለም 5ሽሕን 10ሽሕን ሪከርድ ወናኒት ዝኾነት ኣትሌት ለተሰንት ግደይ ሎሚ ድማ ብሓድሽ ሪከርድ መፂኣ ኣላ፡፡ ኣብ ቫሌንሻ ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ሓድሽ ሪክርድ ክትሰብር ክኢላ ‘ያ፡፡
ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ ዓሰርተ ሽሕ ኪሎሜትር ወናኒት ነሓስ ዝኾነት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ቅድሚ ኸዚ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትሮ ከምኡ ‘ውን ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ወናኒት ሪከርድ ከምዝኾነትን እዚ ድማ ንዕውትነታ በሪ ከምዝኸፈተላ ዝዝከር ‘ዩ፡፡
ተደራራቢ ዓወት እናመዝገበት ሽማ ብዓለም እናመስከረት ዘላ ጀግና ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ሎሚ ድማ ብሽማ ንሳልሳይ እዋን ሪከርድ ሰይራ ‘ያ። ለተሰንበት ድሕሪ እቲ ዓወት ብምስዓራን ሪከርድ ብምስባራን ሕጉስቲ ከምዝኾነት ገሊፃ ‘ያ፡፡
ኣብቲ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ቅድሚ ኸዚ ባዓልቲ ዋና ሪከርድ ዝነበረት ያለምዘርፍ የኋላው ካልአይቲ ኾይና እንትዛዝም ኬንያዊት ድማ ሳልሳይ ብርኪ ሒዛ ዛዚማ ‘ያ፡፡ ኣብቲ ርሕቀት ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን ካብ ሓምሻይ ክሳብ ሸብዓይ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን ‘የን፡፡ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኬንያዊ ቀዳማይ ኾይኑ እንትስዕር ኢትዮጵያዊ ሻድሻይ ብርኪ ብምሓዝ ዛዚሙ ‘ ዩ፡፡
ለተሰንብት ድሕሪ ኦሎምፒክ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ዝተወዳደረትሉ ፍርቂ ማራቶን ናይቲ ርሕቀት ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባራ ሓደ ዓመት ኣብዘይመልአ እዋን ናይ ሰለስተ ክብረወሰን ዓለም ንግስቲ ኾይና ‘ያ፡፡
ለተሰንበት በዚ ርሕቀት ገና ንመጀመርያ እዋን እንተተወዳደረት ‘ውን ዝነበረ ክብረ ወሰን ልዕሊ ሓደ ደቂቃ ብምምሕያሽ ዓለም ኣደሚማ ‘ያ፡፡ ኣትሌት ለተሰንበት እቲ ርሕቀት 1፡02፡52 ዝዛዘመት እንትትኸውን ዝነበረ ክብረ ወሰን ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ብኬንያዊት ኣትሌት 1፡04፡02 ዝተመዝገበ ‘ዩ ነይሩ፡፡
ጓል 23ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 5ሽሕ ሜትሮ ክብረወሰን ዘመዝገበትሉ ቫሌንሲያ ከተማ ፍርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን ብምስባራ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ገሊፃ ‘ያ፡፡ ኣብ መጀመርያ ዓለም ክብረ ወሰን መዘራራቢት ዓለም ዝገበራ ቫሌንሲያ ፍርቂ ማራቶን ትሕቲ 63 ደቂቓ ውድድራ ዝዛዘመት ብታሪኽ ናይ መጀመርያ ኣትሌት ክትኾን ኣኽኢላታ ‘ያ፡፡
ኣትሌት ያለምዘርፍ ኣብ ቀረባ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ዝገበረቶ ፍርቂ ማራቶን እቲ ርሕቀት 1፡03፡44 ክብረወሰን ዓለም እንተማሓየሸት ‘ውን ዝረኸበቶ ሰዓት ኣፍልጦ ከምዘይተውሃቦ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ 1፡03፡51 ብዝኾነ ሰዓት ድማ መበል ካልኣይ ኾይና ዛዚማ ‘ያ። ሳልሳይቲ ኾይና ዝዛዘመት ኬንያዊት ድማ 1፡04፡53 ካብ ዝነበረ ክብረ ወሰን ፈጣን ሰዓት ኾይኑ ተመዝጊቡ ‘ዩ፡፡
ኣብ ኣወዳት ክስዕር’ዩ ተባሂሉ ዓብይ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረ ኣትሌት ሙክታር ኢድሪስ እቲ ወድድር 58፡40 ብዝኾነ ሰዓት መበል ሻድሻይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ፡፡ ኬንያዊ 58፡03 ብዝኾነ ሰዓት ቀዳሚ ኾይኑ እንትዛዝም ዘመዝገቦ ሰዓት ኣብ ታሪኽ ሻድሻይ ፈጣን ኣትሌት ገይርዎ ‘ዩ፡፡ ካልእ ኬንያዊ ድማ ሮኔክስ ኪፕሩቶ 58፡09 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ ኾይኑ እንትዛዝም፣ዳ ንኤል ማቴኮ 58፡26 ብዝኾነ ሰዓት መበል ሳልሳይ ኾይኑ ‘ዩ፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም