ውድድር ቤት ኪንግ ፕሪመር ሊግ ኢትዮጵያ

 ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ናይ ለብዘበን ውድድር ኩዕሶ እግሪ ቤት ኪንግ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሃዋሳ ከተማ ተጀሚሩ ‘ዩ። እቲ ሊግ ብኽልተ ናይ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ስታድያም ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ እንትጅምር፤ ሃዋሳ ከተማ ምስ ጅማ ኣባጅፋር ከምኡ ‘ውን ድሬዳዋ ከተማ ምስ ወላይታ ድቻ ተፃዊቶም’ዮም። እቲ ሊግ ዳግማይ ናብ ፕሪመርሊግ ዝገበርዎ ኣርባ ምንጭ ከተማ፣ ምክልኻልን ኣዲስ ኣበባ ከተማን ክካተቱ ብምግባር 16 ክለባት ናብ ሓዱሽ ናይ ውድድር ዓመት ንሕንሕ ኣትየን ‘የን።

ድሕሪ ነዊሕ ኣፍቐርቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብዚ ናይ ውድድር ዓመት እዚ ናብ ስታድየም እንትምለሱ፤ ምስ ለበዳ ኮቪድ- 19 ብዝተተሓሓዘ ስታዴማት ካብ ናይ ዓቕሞም ርብዒ ዝኾን ተመልካቲ ጥራሕ ክሕዙ ተገይሩ ‘ዩ። ናብ እስታድየም መእተዊ ቲኬት ብቴክኖሎጂ ብዝተሓገዘ መልክዑ ዝቑረፅ ምዃኑ እቲ ኮሚቴ ሊግ ኣፍሊጡ ‘ውን ‘ዩ።

15 መዓልትታት ዝሽፍኖ ውድድር ቕድሚ ሕዚ ካብ ዝተለመደ ብዝተፈለየ መልክዑ፣ ፀወታታት ቐትሪ 9ሰዓት ከምኡ ‘ውን ምሸት 1ሰዓት ክካየድ ‘ዩ። እቲ ውድድር ብርክት ዝበለ ተመልከቲ ክህልዎ ብምሕሳብ እቲ ሰዓት ዝተመረፀ እንትኸውን፤ ዝካየደሎም ስታድየማት ኣብ ምሸት ዝካየዱ ፀወታታት ምችው ‘ዩ። እቶም ፀወታታት ንትሻዓተ ሰሙናት ኣብ ስታድየም ሃዋሳ ዩኒቨርስቲ ዝካየድ እንትኸውን ብተወሳኺ ኣብ መበል ዓስራይ ሰሙናት ጀሚሩ ድማ ኣብ ኣዳማ ዝካየድ ክኸውን ‘ዩ።

ኣብቲ ክረምቲ ኩሎም ክለባት ክባሃል ብዝኽእል ኩነታት ብጣዕሚ ልዑል ወፃኢ ብምውፃእ ሓደሽቲ ተፃወቲ ናብ ክለቦም ክሕወሱ ክኢሎም ‘ዮም። ናይ ኣሰልጣኒ ለውጢ ብምግባር ዝተሳተፉ እንትህልዉ፤ ብጣዕሚ ልዑል መጠን ዘለዎ ገንዘብ ኣብዚ ወቕቲ ምንቕስቓሱ ዝእመን ‘ዩ።

መብዛሕተኦም ክለባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሲቲ ካፕ  ከምኡ ‘ውን ብጎፈሬ ሲዳማ ካምፕ ተሳታፊ ብምዃን ምድላው ቕድመ ውድድር ካብ ምግባር ሓሊፉ ክለባቶም ድሕሪ ናይ ዕረፍቲ መልሲ ዘለዎ ኩነታት ንምምልካት ክኢሉ ‘ዩ። ዝቐረዩ ክለባት ድማ ብምኽንያት በጀት ቐልጢፉ ዘይምልቓቑ እኹል ናይ ሕውነት ፀወታ እንተይገበሩ ናብ ውድድር ኣትዮም ‘ዮም። ሓደ ሓደ ክለባት ብገንዘብ ዓርሶም ንምኽኣል ብምሕሳብ ናይ ስፖንሰር ፌርማ ምስ ኣጋር ኣካላት ምፍርራሞም ኣብናይ ቕድመ ውድድር ዓመት ዝተራእየ ጉዳይ ‘ዩ።

ፕሪምየርሊግ ማሕበር ኣክስዮን ኢትዮጵያ ምስ መልቲቾይዝ ኣፍሪካ ሱፐር ስፖርት ብምትሕብባር ነቶም ናይ ፕሪምየር ሊግ ኣሰልጠንቲ ኣቐዲሙ ናይ ዓቕመ ህንፀት ስልጠናታት ክረኽቡ ገይሩ ‘ዩ። ኣብ ናይ መጀመርያ ዙር ናይ 16 ናይቲ ሊግ ተሳተፍቲ ዋና ኣሰልጠንቲ ብንድፈ ሓሳብን ብተግባርን ዝተደገፈ ስልጠና እንትህብ፤ ብኻልኣይ ዙር ድማ 32 ምክትል ኣሰልጠንቲ ስልጠና ክረኽቡ ተገይሩ ‘ዩ። እቶም ክለባት ነቲ ናይቲ ዓመት ውድድር ዝተዘጋጀወ ደንብን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ምስ ሼር ካምፓኒ ዝርርብ ገይሩ ‘ዩ።

ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብደረጃ ልዒሉ ከምኡ ‘ውን ናይ ካልኦት ሃገራት ሊጋት ልክዕ ብዝበፅሕዎ ዝሓሸ ንሕንሕ ዝግበረሉ ወድድር ንምግባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ክስርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። ካብዞም ተግባራት እዚኦም እቲ ሓደ ንሰዓርቲ ዘበርክቶ ዋንጫ ደረጅኡ ዝሓለወ ክኸውን ምግባር ‘ዩ። እቲ ዲዛይን ብናይ ‹‹መሶብ ቕርፂ›› ሃገራዊ ትሕዝቶ ክህልዎ ንምግባር ዝተሞከረ ዋንጫ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝተሰርሐ ‘ዩ። እዚ ዋንጫ እዚ ኣፍቓሪ ኩዕሶ እግሪ ክምልከቶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕድል ዝተመቻቸወ እንትኸውን፤ ናይ 2013 ዓ.ም ናይ ቤት ኪንግ ፕሪምየር ሊግ ኣሸናፊ ዝኾነ ፋሲል ከተማ ንቐደም ከም ዝወስዶ ተፈሊጡ ‘ዩ። እቲ መርሃ ግብሪ ረቡዕ 10 ጥቕምቲ 2014 ዓ.ም ዝተዳለወ እንትኸውን፤ እቲ ክለብ ሰዓት 9 ምስ ሃድያ ሆሳእና ዝገበሮ ፀወታ ቕድሚ ምጅማሩ ኣቐዲሙ ከምዝርከብ ሶከር ኢትዮጵያ ኣብቲ ፀብፃብ አረጋጊፁ ‘ዩ።

 እቲ ዋና ዋንጫ ኣብ እስታድየም ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ምስ ተረከበ ወዲያውኑ ብምምላስ ተመሳሳሊ ዋንጫ ተዳልዩ ከም ዝተወደአ ብቐዋምነት ከምዝወሃቦ ተጠቚሙ ‘ዩ።

 11 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጋዜጣ  ወጋሕታ

Recommended For You