
ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ኮነ ቅድሚ እቲ ምጅማር ኲናት ብዝላዕለ ብርኪ ዝተጎድአ ህዝቢ’ዩ፡፡ ራዕዳዊ ህወሓት ብሽሙ እንተሸቀጠ’ውን ክንድቲ ክኾን ዝግብኦ ተረባሒ ኣይገበሮን፡፡ ብዝተጋገየ ፕሮፖጋንዳ ካብ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ንክፍለን ከም በዳሊ ንክቕፀርን ገይርዎ’ዩ፡፡
ብመዳይ ልምዓት’ውን እንትኾነ ኣብ ካሊእ ክፍልታት ኢትዮጵያ ዘሎ ምንቕስቓስ ልምዓት ካብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ልምዓት ምንቕስቓስ እንትነፃፀር ዝሐሸ ‘ዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ግና ወሑድ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡ ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተሰርሑ ስራሕቲ’ውን እንተኾነ ናብራ ህዝቢ ዝቐየሩ ኣይኮኑን፡፡ነቲ ጉጅለ ግና ተረባሒ ዝገበሩ’ዮም፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብሽሙ ተነጊድዎ ‘ምበር ካብ ማንም ካልኦት ክልላት ሃገርና ንላዕሊ ብልምዓት ይኹን ብፖለቲካ ብዝተፈለየ መልክዑ ኣይተጠቐመን፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትፅገም ሓቢሩ ዝተፀገመ ህዝቢ ‘ዩ፡፡
ሐዚ ድማ ካብ 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ብራዕዳዊ ህወሓት ብዝተወልዐ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከብ፡፡ ካብ ዝሓለፉ እዋናት ብዝበለፀ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ‘ዩ ወዲቑ ዘሎ፡፡ ንባዕሉ ብጥሜት ደቁ ድማ ብኲናት እናረገፉ’ዮም፡፡ ስለዚ እዚ ራዕዳዊ ሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ስለዝኾነ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንዚ ሓይሊ ንምጥፋእ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ተሓባባሪ ክኸውን ይግባእ፡፡ በዚ’ውን ሓራ ወፂኡ ናብ ዝነበረ መነባብሩኡ ክምለስን ኣብ ሰላምን ልምዓትን ከድህብን ኣለዎ፡፡
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ስራሕ እናሃለወ መንግስቲ ፌደራል ኣብ እዋን ኲናት ብራዕዳዊ ህወሓት ዝፈራረሱ መሰረተ ልምዓታት ከም እንደጋና ንምህናፅ፣ መንገዲታት ንምስራሕ፣ ኤሌክትሪክ ንምዝርጋሕ፣ ናይ ቴሌኮም ግልጋሎት ንምምችቻውን ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝን መንግስቲ ካብ ስሩዕ በጀት ወፃኢ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ቢልዮን ብር ወፃኢ ገይሩ ስራሕቲ ሰሪሑ’ዩ፡፡ እዚ ዝገበረ ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ንምግባርን ናብ ዝነበሮ ስሩዕ ናብራ ንክምለስን ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና እዚ ሰናይ ድሌትን ስራሕን ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ተኾሊፉ ሐዚ’ውን ህዝብ ትግራይ ኣብ ፀገም ንክወድቕ ተገይሩ ኣሎ፡፡ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፈርን ኣብ ዝገብሮም ኲናታት ድሑር ብዝኾነ ናይ ሰብ ማዕበል ቅዲ ኲናት እናተኸተለ ህፃናት ትግራይ እናወደአ ይርከብ፡፡
መንግስቲ ዘመሓላለፎ ውሳነ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ንደሓር ብምባል ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ዝፈፀመ እዚ ግብረ ራዕዲ፣ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከባቢታት ውጫሌን ጭፍራን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 30 ዝኾኑ ንፁሃን ምቕታሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡ ዘብፅሖ መጥቃዕቲ ንምሽፋን ድማ ንዓለም ኣውያት የስምዕ፡፡ እዚ ሓይሊ በቢዝበፅሖም ከባቢታት ንፁሃን እናቐተለ ህዝብ ትግራይ ክርባሕ ኣይኽእልን፡፡ ይፍፅሞ ብዘሎ ግፍዒ ህዝቢ ትግራይ ብካልኦት ኢትዮጵያውያን ከም ፀላኢ ንክርአይ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንህዝቢ ትግራይ ዋላ ሓደ ረብሓ የብሉን፡፡ ስለዚ ንዚ ሓይሊ ራዕዲ ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ህዝቢ ትግራይ ሓጋዚን ተሓ ባባሪን ክኸውን ኣለዎ፡፡
ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይን ምስ ራዕዳዊ ህወሓት ዝተሰለፉ ወገናት እዚ ሓይሊ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቅም ምዃኑ ፈሊጦም ክቃለስዎ ይግባእ፡፡ እኩይ ተግባር እዚ ጉጅለ ንምዕጋትን መሊኡ ንምድምሳስን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ሰሚሮም ክሰርሑ ኣለዎም፡፡
ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘለው ተጋሩ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ፀገም ንክወፅእ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮይኑም እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ራዕዳዊ ጉጅለ ሓራ ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብሓድነትን ብዝተወደበ መልክዑ ብምንቅስቓስ ፅዕንቶ ክፈጥሩ ይግባእ፡፡
ብሓፈሻ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይረክብ ዕንቅፋት ዝኾነ፣ ረድኤት ፅዒነት ዝኣተዋ መኻይን ተመሊሰን ፅዒነን ከይኸዳ ከይምለሳ ዝገበረን ህዝቢ ንጥሜት ዘሳጥሐ፣ መናእሰይን ህፃናትን ናብ ኩናት እናዳጎነ ወለዶ ንክበርስ እናገበረ ዘሎ ራዕዳዊ ህወሓ ት ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መላእ ህዝቢ ትግራይ ተሓ ባባሪ ክኸውን ይግባእ፡፡
11 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ