
ኣብ ቐፃሊ ዓመት ፈረንጂ መጀመርያ ኣብ ኣፍሪካ ዓብይ ኩዕሶ እግሪ ውድድር ዝኾነ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንመበል 33 ክካየድ ‘ዩ፡፡ እዚ ውድድር እተተኣናግድ ካሜሮን ምድላዋ ኣብ ምዝዛም ትርከብ፡፡
ንኽልተ ዓመታት ብምኽንያት ኮቪድ ዝተናወሐ ውድድር ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ 24 ሃገራት ብምስታፍ ክካየድ ‘ዩ፡፡ እዚ ስዒቡ ድማ ናይቲ ውድድር ኣዳላዊት ዝኾነት ኣፍሪካ ክዕሶ እግሪ ኮንፌዴሬሽን ምስ ስፖንሰሩ ብምዃን ቅድመ ውድድር ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ፡፡
ካብቲ ስራሕቲ እቲ ሓደ ዝኾነ ፅዋዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንክዘውር ብምግባር ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ብዓለም ለኸ ኣህጉር ብርኪ ዓብይ ዝኾነ ውድድር ንሰዓርቲ ዝዋሃብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ኢትጵያ እውን መፂኡ ተጎብኒዩ ‘ዩ፡፡ እዚ ታሪኻዊ ኢትዮጵያ ሓዊሱ 18 ሃገራት በቲ ውድድር ስንፖሰር ዝገበረ ቶታል ኢነርጂስ ንምርኣይ ዝበቕዕ ‘ዩ ዝኸውን። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ዝመስረተቶ ውድድር ዝተመለሰት ኢትዮጵያ ናይቲ ፅዋዕ መባፅሒ ዝኾኑ ሃገራት እታ ሓንቲ እንትትኾን እቲ ፅዋዕ ርእሰ መዲና ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ንሓሙሽተ መዓልቲ ፃንሒት ዝህልዎ ‘ዩ ዝኸውን።
እቲ ፅዋዕ ኣብ ኢትዮጵያ እንትበፅሕ ኢነርጂስ ማርኬቲንግ ኢትዮጵያ ማናጀርን ሶፊን ናይቲ ትካል ብራንድ ኣምባሳደር ሃይሌ ገብረስላሴ ከምኡ ‘ውን ፌዴሬሽን ክዑሶ እግሪ ኢትዮጵያ ተወካሊ ሰለሞን ገብረስላሴ ኣቀባባላ ከምዝገበሩ ሶከር ኢትዮጵያ ገሊፁ ‘ዩ። ኣንጋፋ ኣትሌትን ቶታል ኢነርጂስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሃይሌ ኣብቲ እዋን እዚ ፅዋዕ ብምምፅኡ ዝተሰመዖ ሓጎስ ምስገለፀ፣ ጋንታ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ሰናይ ውፅኢት ከምዘመዝግብ ትምኒቱ ገሊፁ ‘ዩ፡፡
እቲ ፅዋዕ ዝህልዎ ፃንሒት ሓሙሸተ መዓልትታት ኣብ ቦሌን ሜክሲኮን ዝርከብ ቶታል ኢነርጂስ ግልጋሎት መውሃቢ ዝቕመጥ እንትኾን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ብናፃ ፎቶ ንክላዓሉ ዕድል ተመቻችዩ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሓያት ሪጀንሲ ሆቴል ዝዳሎ መድረኽ ላዕለዎት ስራሕ ሓለፍቲ ንክሪእዎ ንምግባር ተተሊሙ ‘ዩ፡፡ ኣብ መርሃ ግብሪ ኣመራርሓ ፌደሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ብሄራዊ ጉጅለ ከምኡ ‘ውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ፃንሒት ክዛዘም ‘ዩ፡፡ ከም ኣውሮፓ ኣቖፃፅራ 1957 ዝተመስረተ ፅዋዕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ጥራሕ ‘ዩ ነይሩ ብኣባልነት ዝሓቖፈ፡፡ ኣብ ከይዲ ድማ ቁፅሪ እተን ሃገራት ብምዕባይ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ 24 ሃገራት ዘሳትፍ ‘ዩ ዝኸውን፡፡
ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅን ኣብ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ፃንሒት ዝገብር እቲ ፅዋዕ ንስዓርቲ ምውሃብ ዝተጀመረ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 1978 እንትኾን ጋና ድማ ናይዚ ታሪኻዊ ፅዋዕ ባዓል ዋና ብምዃን ቀዳመይቲ ‘ያ፡፡ ኣብቲ እዋን ፅዋዕ ሓድነት ኣፍሪካ ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ እዚ ፅዋዕ፣ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ 2002 መፀውዒኡ ብምቕያር ፅዋዕ ኣፍሪካ ብምባል ክፅዋዕ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ እቲ ዋና ፅዋዕ ኣፍሪካ ክወስዱ ዝኻኣሉ ካሜሮን ናይ መጀመያ ናይ ውልቀኣ ዝገበርት ‘ያ፡፡
ኸዚ ንሰዓርቲ ዝወሃብ ፅዋዕ ኣብ 2001 ወርቂ ዝተቐብአ ብባዓል ሞያ ጣልያናዊ ክዳሎ ክኢሉ ‘ዩ፡፡ ሓደ ግዜ ሰዓሪ ዝኾነ ጉጅለ ምስቲ ዋና ፅዋዕ ተመሳሳሊ ኾይኑ ዝተሰርሐ እንትብርከተሉ፣ ሰለስተ ግዜ ዝሰዓረ ድማ እቲ ዋና ፅዋዕ ‘ዩ ዝርከብ። ግብፂ ከም ኣውሮፓ ኣቆፃፅራ ኣብ 2006፣ 2008ን 2010 ብተኸታታሊ ሰዓሪት ከምዝኾነት ስዒቡ ዋና ፅዋዕ ወሲዳ ‘ያ፡፡
መስራቲት ፅዋዕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 1962፣ 1968ን 1978 ንሰለስተ ዓመታት ባዓልቲ ዋና ፅዋዕ ምዃን ክኢላ ‘ያ፡ ፡ ኣብ ከይዲ ንፅዋዕ ንምስታፍ ከቢድ እንተኾና ‘ውን ድሕሪ ዓመታት ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ካሜሮን ተሳታፊት ክትኾን ‘ያ፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
4 ጥቅምቲ ጋዜጣ ወጋሕታ