ኣብ ትግራይ ስልጠና ዝተውሃቦም 1ሽሕን 100ን ወለንታዊያን መናእሰይ ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብምትሕብባር ንሓደ ወርሒ ዘሰልጠኖም 1ሽሕ 100 ወለንታዊያን መናእሰይ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ከምዝበልዎ ፣ወለንታዊያን መናእሰይ ኣብ ፀገም ዘሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ብምግባር ወገናውነቶም ከሪኡ ይግባእ።

እቶም ሰልጠንቲ ዝተፈላለየ ፅዕንቶ በምኽኣል ናብቲ ስልጠና ምምፅኦም ዝገለፁ ዶክተር ሙሉ ፣ መናእሰይ ሕብረተሰብ ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንምውፃእ እናተገበረ ዘሎ ፃዕሪ ናይ ዓቕሞም ንምስራሕ ምውሳኖም ብሽም ግዝያዊ ምምሕዳር ኣመስጊኖም እዮም።

እቶም መናእሰይ ብዝናፈስ ወረን ግዝያዊ ፀገማትን ከይወደቑ ግዚኦም ብሰናይ ተግባራትን ንቐፃሊ ህይወቶም መሰረት ብዘለዎ መልክዑ ብምስላፍ ተጠቀምቲ ልምዓት ምግባር ከምዘድሊ እቲ ስልጠና መምሀሪ ከምዝኾነ ዶክተር ሙሉ ገሊፆም።

ሰናይ ተግባራት ኣብ ሃገርና ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ኻልኦት ሃገራት’ውን ብስፍሓት ከምዝስራሕ ዝተዛረቡ ዶክተር ሙሉ፣መናእሰይ ሕብረተሰብ ንምግልጋል ኣብ ዝሰርሕሎም ከባብታት ንቐፃሊ ንህይወቶም መሰረት ዝኸውን ስራሕ እናሰርሑ ምዃኖም ፈሊጦም ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም እዮም።መናእሰይ ሰልጠንቲ ሰናይ ተግባር ንዓሰርተ ወርሒ በቢከባቢኦም ተዋፊሮም ብዝተፈላለዩ ዘፈር ግልጋሎት ንክህቡ ከምዝግበር ኣመልኪቶም።

ኣብ ሚኒስቴር ሰለም ዳይሬክተር ህንፀት ሰላም ወይዘሮ ኣስማ ረዲ ብወገነን ኸዚ ንተመረቕቲ መናእሰይ ዝተውሃቦም ስልጠና ትካሎም ኣብ ቀረባ ብብርኪ ሃገርለኸ ዝተጀመሮ ግልጋሎት ወለንታዊነት እናሃበ ዘሎ ስራሕ ዓቕሚ ህንፀት ኣካል ምዃኑ ተዛሪበን።

ንሓደ ወርሒ ዝኾን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተውሃበ ስልጠና ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወፃፅኡ 1ሽሕ 100 ወለንታዊያን መናእሰይ ከምዝተሳተፉ እተን ዳይሬክተር ገሊፀን እየን።

ሰልጠንቲ ኣብ ፃንሒቶም ብዛዕባ ኣድላይነት ወለንታዊነት፣ኣመራርሓን ምምሕዳር ስራሕን ፣ክእለት ስራሕ ፈጠራን ብሓባር ናይ ምስራሕ ኣድላይነት ብዝብል ርእሰ ጉዳያት ግንዛብ ንክጭብጡ ከምዝተገበረ ኣመልኪተን።

እቶም ሰልጠንቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቖም ስራሕ ዘይረኸቡ መናእሰይ ከምዝኾኑን ናይ ዝኾነ ፖለቲካ ወገናውነት ዘይብሎም ከምዝኾኑ ኣተሓባባሪ እቲ ስልጠና ኣፍሊጦም እዮም።

ካብ መንጎ ዝተመረቑ ሰልጠንቲ ብሞያ ነርሲንግ ብ2011 ዓ.ም ካብ ዩኒቨርሲቲ ከምዝተመረቐት ዝገለፀት መንእሰይ ፍፁም መሓሪ፣ ሕብረተሰብ ንምግልጋል በምድላዋ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ገሊፃ እያ።

ካብ ደቡባዊ ዞን ከተማ መኾኒ ዝመፀ መንእሰይ ዝናቡ ካልኣዩ ብወገኑ ብኤሌትሪካል ኢንጅነሪንግ መጀመርያ ዲግሪ ምስ ረኸበ ስራሕ ዘይነበሮ ምዃኑ ገሊፁ እዩ።ብዝተውሃበ ስልጠና እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ንክምለስ እናተገበረ ዘሎ ፃእሪ ግድኡ ንምውፃእ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝረኸበ ጠቒሱ፣ ብስልጠና ብዝረኸቦ ግንዛበን ብትምህርቲ ብዝቐሰሞ ሞያን ሕብረተሰብ ንምግልጋል ከምዝተዳለወ ኣፍሊጡ ።

ወጋሕታ 21 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You