
ንኢትዮጵያ እናመርሐ ዝነበረ ህወሓት ንትርፊ ስልጣኑ ምድልዳል ንህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዝሓስብ ውድብ ኣይነበረን፡፡ክልተ ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሴፍቲኔት ፕሮግራም ተሓቒፉ ዝፀንሐ ህዝቢ ‘ዩ፡፡
ሕዚ ድማ ድሕሪ ለውጢ ብሰንኪ ፈታዊ ስልጣን ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብዝወለዖ ውግእ ስዒቡ ልዕሊ 5ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ወዲቑ ይርከብ፡፡ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝባሃል የለን፡፡ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናይ ሂወቱ ዘመን ርእይዎ ዘይፈልጥ ፀገም ገጢምዎ’ዩ፡፡
ራዕዳዊ ህወሓት ድማ ፃምእ ስልጣኑ ንምርዋይ መናእሰይ እናታለለን እናገደደን ናብ ሓዊ ይጥጥቖም ኣሎ፡፡እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ግፍዒ ከይኣኽሎ ብወራር ኣብ ዝሓዞም ቦታታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ‘ውን ተመሳሳሊ ግፍዒ እናፈፀመ ይርከብ፡፡
ኣብ ቐረባ እዋን እኳ እንተሪእና ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዕንቕፋት እናፈጠረ’ዩ ዝርከብ፡፡ውሱናት ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ዝኣተዋ መኻይን ‘ውን ኣብፂሐን ከይምለሳ ነዳዲ መምለሲ የለን ብምባል መማላለሲ ሰራዊቱ ይጥቐመለን ኣሎ፡፡
እቲ ዝገርም ድማ እዘን መኻይን እዚአን ኣብፂሐን ከይምለሳ ህወሓት ዕንቕፋት ኮይኑ እናሃለወ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ትካል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ነዘን መኻይን ክለቐን ደፊሮም ከዛረቡ ኣይተሰምዑን፡፡
ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል ግፍዒ እናፈፀመ እናሃለወ ተጋሩ ኣክቲቪስትታት ግና ብዛዕባ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ደፊርካ ኣብ ምቕላዕ ጎደሎታት ኣለዉ ‘ዮም፡፡እቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ዘሎ ግፍዕታት ብዝግባእ ንዓለም ክቓላዕዎ ኣለዎ፡፡
ፀገም ህዝቢ ትግራይ ካብ ተጋሩ ወፃኢ ጥራሕ ክዝረብ ትፅቢት ክግበር የብሉን፡፡እቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ኣብዝ ሕዚ ሰዓት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ዕንቕፋት እናፈጠረ ዋላ ይኹን ‘ምበር ነዚ ኣብ ክንዲ ምቕላዕ ሓደ ሓደ ዲያስፖራ ተጋሩ ነዚ ንምክልኻል ዝሰርሑ ኣለዉ ‘ዮም፡፡እዚ ግቡእ ኣይኮነን፡፡
ኣብ ሲቢኤስ ናይ ዜና ሓበሬታ እናሰርሐት ኢትዮ ኣሜሪካዊቷ ትግራወይቲ ጋዜጠኛ ሄርመላ ኣረጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንስልጣኑ ክብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ዘሎ መከራ ይኣክል ክትብል ትርከብ ዓቓሊዓቶ ‘ያ፡፡ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ ትግራይ ንኸይበፅሕ እናገበረ ምዃኑ ንዓለም ኣቓሊዓ ‘ያ፡፡
ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ንስልጣኑ ክብል ግዳይ ይገብሮ ከምዘሎ ኣብ ናይ ትዊተር ገፃ ድሕሪ ምሕባር ንህዝቢ ትግራይ ዝከኣላ ድምፂ ኣስሚዓ ‘ያ፡፡ጋዜጠኛ ሄርሜላ ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ እኽሊ ፅዒነን ካብ ዝተለኣካ 466 መኻይን ዝተመለሳ 38ን ጥራሕ ብምዃነን እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዒ ‘ውን ኮኒናቶ ‘ያ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ወፃኢ እንርኸብ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ኢልና መፍትሒ እናምፀአሉ ግዜ ክኸውን ይግባእ ክትብል ሓቢራ ‘ያ፡፡ካልኦት ተጋሩ’ውን ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልዩ እንተኾይኖም ተመሳሳሊ ቅዋም ሒዞም ክቃለሱ ይግባእ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ናብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ‘ዩ፡፡ዘይሻራዊ ሚድያ ኣትዩ ከይፅብፅብ ዕፁው ‘ዩ፡፡እዚ ከይኣኽሎ በቲ ሓይሊ ጉጅለ ጥፍኣት ኣባላት ብልፅግና ነይርኩም እናተባህሉ ብዙሓት ሰባት ይቕተሉ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ንረዲኤት ዝመፀ እኽሊ ንዝተፀገመ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ክውዕል ምግባር እቲ ጉጅለ እዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ፡፡ መኻይን ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ከይኣትዋ ዕንቕፋት ይኸውን ኣሎ፡፡ፅዒነን ዝኣተዋ ‘ውን ተመሊሰን ካሊእ ተወሳኺ ምግቢ ከየቕርባ ሒዝወን ‘ዩ፡፡እዚ ተግባር’ዚ ክውገዝ ኣለዎ፡፡
መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዝራራብ ብዘይ ምንም ገደብ ብምንቕስቓስ ከቕርቡ ይግበር ‘ምበር ነዚ ኣብ ክንዲ ምብርትታዕን ምሕጋዝን ብተፃራሪ ጠጠው ብምባል ህዝቢ ትግራይ ክጉዳእ ዝገብሩ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ተጋሩ ኣለዉ ‘ዮም፡፡
ብፍላይ ዲያስፖራን ኣክቲቪስትን ተጋሩ ብሰንኪ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ዘሎ መከራን ግፍዕን ንዓለም ብምምቕላዕ ከም እኒ ባዓል ጋዜጠኛ ሄርሜላ ኣረጋዊ እጃምና ከንፃወት ይግባእ፡፡
4 ጥቅምቲ ጋዜጣ ወጋሕታ