‹‹ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ እቲ ለውጢ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ›› ዶክተር ቢቂላ ሁሬሳ

ኣዲስ ኣበባ፡- ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ነቲ ለውጢ ብምድጋፍን ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ብዘኽእል ኩነታት ሓበሬታታትን ፀብፃባትን ብምቕራብ ልዑል ኣበርክቶ ምግባሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስቴር ብማዕርግ ሚኒስትር ኣታሓባባሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዶክተር ቢቒላ ሁሬሳ ገሊፆም፡፡

ዶክተር ቢቂላ ሁሬሳ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዳለዎ ዳይሬክተሪ ሓበሬታ መንግስቲን ብሓዱሽ መልክዕ ዝተዳለወን ናይቲ ትካል መርበብ ሓበሬታ(www.press. et)ኣብ ዘመረቐሉ ግዜ ከምዘፍለጥዎ፤ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ቕድሚ 80 ዓመታት ንህንፀት ሃገር ዝተፃወቶ ግደ ኣብ ዝሓለፉ 3ዓመታት ነቲ ለውጢ ብምድጋፍን ከምኡ’ውን ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክኸውን ብዘኽእል ኩነታት ሓበሬታታትን ፀብፃባትን ብምቕራብ ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ፡፡ ነዚ መንግስቲ ልዑል ኣድናቖትን ክብርን ኣለዎ፡፡

ብፍላይ ኣብዝሓለፉ 3ዓመታት ዝተገብሩ ናይ ለውጢ ምንቕስቓሳት ብምፅብፃብን ናብ ቕድሚት ብምምፃእ ልዑል ዝኾነ ተሳትፎ ህዝብን ዝምልከቶም ኣካላትን ክህሉ ገይሩ እዩ ዝበሉ ዶክተር ቢቂላ፣ እቲ ሕብረተሰብ ሓሳቡ ዝገልፀሉ፣ ስምዒት ህዝቢ ዝንፃባረቐሉ መድረኽ ኮይኑ በምግልጋል እቲ ለውጢ ኣብዙይ ክበፅሕን ኢትዮጵያውያን መፃኢ ዕድሎም ብሓባር ኮይኖም ዝምስርትዎ መድረኽ ብምፍጣር ናይ ባዕሉ ዓሻራ ዘዐረፈ ትካል ምዃኑ ኣመልኪቶም፡፡

ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ዝማሃሩን ዝመፁ ሓደሽቲ ፍፃመታትን ዝተረኽቡን ኣብ ግምት ዘእተዉ ለውጥታት እናምፀአ ዝኸድ ዘሎ ትካል ምኻኑ ዘመላኸቱ ዶክተር ቢቂላ፤ ናይ መንግስቲ ሓበሬታ ዳይሬክተሪ ኣካል ናይቲ ለውጢ ኮይኑ ብሓንቲ መፅሓፍ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ቑልፊ ሓበሬታታት ኣብ ሓደ ቦታ ክንረኽቦ ኣብ ንኽእለሉ ኩነታት ብምስንድኡ ምስጋነኦም ኣቕሪቦም፡፡ እቲ ሓዱሽ መርበብ ሓበሬታ ሓደሽቲ ሓበሬታታት ብቕልጡፍ ንምብፃሕ ብዘኽእል ኩነታት ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዋና ስራሕ ፈፃሚ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣይተ ጌትነት ታደሰ ብግዲኦም፤ እቲ ትካል 80ዓመቱ እናኽበረ ዘሎ ፍሉጥ ትካል ምኻኑ ብምምልካት፤ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ሓሊፉ ኣብዚ ምብፅሑ ዓብዪ ዓወት ምዃኑ ኣፍሊጦም፡፡ ካብ ዝተዋሃቡ ተወሰኽቲ ተልእኾታት እቲ ሓደ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ናይ ሓበሬታ ክፍተት ምምላእ ብምዃኑ ነዚ ድማ ናይ መንግስቲ ሓበሬታ ዳይሬክተሪ ንመጀመርያ ግዜ ኣዳሊና ንምርቓ ክበቕዕ ምግባርና ዓብዪ ዓወት እዩ ኢሎም፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዳይሬክተሪ ዘለዉ ሓበሬታታት ብቐሊሉ ምርካብ ዝከኣለሉ ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ዝተሰርሐ ሓዱሽ መርበብ ሓበሬታ ንምርቓት ክበቕዕ ምኽኣሉ ኣመልኪቶም፡፡ እዚ እቲ ትካል ኣብ ቐፃሊ ንዝሰርሖም ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ መገዲ ዝኸፍት ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ብሕትመት ዘለዎ ተበፃሕነት ብተወሳኺ ብድጅታል ሚድያ ብስፍሓት ንምስራሕ እናተንቀሳቐሰ ምዃኑ ጠቒሶም፤ ንባዕልኻ ምስቲ ዘመን ንምውህሃድ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቃስ ብኣብነት ዝረአ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡ ፡ ንቐፃሊ እቲ ትካል ዝጀመሮ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ኣጣናኺሩ ብምቕፃል ድምፂ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንምዃን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም፡፡ ናይ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ሓገዝን ምትሕብባርን ተጠናኺሩ ክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብቲ ፕሮግራም ዝተረኽቡ ባዓል ስልጣን መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ዮናታን ተስፋዬ ብግዲኦም፤ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብምቕይያር መንግስቲታት ውሽጢ ፈተናን ፅዕንቶ ተፃዊሩ ዕላማ እቲ ትካል ሒዙ ኣብዚ ምብፅሑ ኣመልኪቶም፡፡ ብብዙሕ ታሪኽ ሓሊፉ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ኮይኑ ኣብዚ ምብፅሑ ዘሐጉስ እዩ ኢሎም፡፡

ድህሪ ሕዚ ግዚኡ ብዝፈቕዶን ብዘለዎ ምችው ኩነታት ተጠቒሙ ትፅቢት ዝግበረሉ ግቡኡ ከበርክት እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ብምግላፅ፣ ሚድያታት ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ምትእስሳር ልዑል ግደ ዘለዎ ብምዃኑ ፀብፃብ ካብ ምቕራብ ሓሊፉ እቲ ትካል ዘጠራቐሞም ትካል ኣብ ከይዲ ምህናፅ ውሽጢ ዝሓለፎም ድኽመታትን ጥንካረታትን ወሲዱ ኣብቲ ሃገር ናይ ዲሞክራሲን ህንፀት ሰናይ ምምሕዳርን ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝዋፃእ እምነቶም ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ንሓንቲ ሃገር ኩለመዳያዊ ዕቤት መራኸቢቲ ሓፋሽ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ዘመላኸቱ እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር፣ባዓል ስልጣን መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ጠንካራ ትካል መራኸብቲ ሓፋሻት ክፍጠሩ ንምግባር ምስቶም ትካላት ብቐረባ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጦም፡፡

ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ብኣርባዕተ ናይ ውሽጢ ሃገርን ብኽልተ ናይ ወፃኢ ሃገር ቋንቋታት እናሐተመ ንህዝቢ ተበፃሒ እናገበረ ዝርከብ ፍሉጥ ናይ ሕትመት ሚድያ እንትኸውን፤ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ድማ ተበፃሕነቱ ንምስፋሕ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡ ኣብ መፃኢ ግንቦት 30 መበል 80 ዓመት ዝመልእ እንትኾን ካብዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ብተፈላለዩ ምድላዋት መበል 80 ዓመቱ እናኽበረ ይርከብ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 21 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You