‹‹ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኔ ምጥፋእ ስርቕን ልመናን ከም ዋና ተልእኾ ገይሮም ክወስድዎ ይግባእ››-ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሓደሽቲ ኣባላት ካብኔ ስርቕን ልመናን ምጥፋእ ከም ዋና ተልእኾ ገይሮም ክወስድዎ ከም ዝግበኦም ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም። ምኽንያቱ ስርቕን ልመናን እናሃለወ ኢትዮጵያ ርእሳ ክተቕንዕ ኣይትኽእልን ኢሎም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣባላት ኣፈፀምቲ ስራሕ(ካብኔ) መንግስቲ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ ክፀድቕ ኣብ ዝገበርሉ ግዜ ከምዝበልዎ፣ልመናን ስርቕን ዝዋጋእን ዝፅየፍን ሓይሊ የድሊ ‘ዩ፤ ምስዚ ተተሓሒዙ ዘሎ ሓደገኛ ሱስ ዝውገደሉ መገዲ ተሊሙ ዝሰርሕ ካብኔ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዞም ኣባላት እዚኦም ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስርትራት’ምበር ናይ ብሄር ተወከልቲ ዘይምዃኖም ተገንዚቦም ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይሻራዊ ክሰርሑ ኣገንዚቦም።

ካሊእ እዞም ኣባላት እዚኦም ንዝቕፅሉ ዓመታት ኣባላት ካቢኔ ኮይኖም ሃገሮምን ህዝቦምን ብተኣማንነት ከግልግሉ ንሹመት እንትቐርቡ፣ ተናሕናሕቲ ፓርትታት ንምክታት፣ ትውልዲ ዓዲ፣ ልምድን ናይ ኣፈፃሚነት ዓቕምን፣ ፆታ፣ ሃይማኖት፣ ድሌት ምግልጋል፤ ተሓሳቢ ተገይሩ ከምተሰርሐ ጠቚሞም እዮም፡፡ካብ ተፎኻኸርቲ ፓርትታት ካብ ኢዜማ፣ኣብንን ኦነግን ኣብ ካብኔኦም ኣካቲቶም ኣለው፡፡

ብመሰረት እዚ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቐሪቦም ክፀድቕ ዝተገብረ ሽም ዘርዝር እዞም ዝስዕቡ እዮም፡፡

1.ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን

2. ዶክተር ኣብርሃም በላይ ሚኒስትር ምክልኻል

3. ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሚኒስትር ገንዘብ

4. ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል፣ ሚኒስትር ስራሕን ክህሎትን

5. ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን

6. ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ፣ ሚኒስትትር ማይን ኢነርጂን

7. ዶክተር ብርሃኑ ነጋ፣ ሚኒስትር ትምህርቲ

8. ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ፣ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን

9. ኣይተ መላኩ ኣለበል፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ

10. ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም፣ ሚኒስቴር ሰላም

11. ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ፣ሚኒስትር ፍትሒ

12. ዶክተር ሊያ ታደሰ ፣ ሚኒስትር ጥዕና

13. ኣይተ በለጠ ሞላ ፣ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን

14. ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም

15. ኣይተ ላቀ ኣያሌው፣ ሚኒስትር እቶት

16. ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ፣ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን

17. ኢንጂነር ታከለ ኡማ ፣ሚኒስትር መዓድን

18. ዶክተር ፍፁም ኣስፋው፣ ሚኒስትር ፕላንን ልማትን

19. ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን

 ማሕበራዊ ጉዳይን

20. ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ፣ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን

21. ኣይተ ዑመር ሑሴን፣ ሚኒስትር ሕርሻ

22. ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ ፣ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን’ዮም፡፡

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብመንፈስ ቅንዕና ብሓባር ንኽንሰርሕ ክቆፃፀርናን ክሕግዘናን ንደሊ ኢና ዝበሉ እንትኾን፣ ኣብ ውሽጢ ሓላፍነት መንግስቲ ምርድዳእ ዘይብፀሐሎም ጉዳያት ብዙሓት ከምዝኾኑን ‹‹ኣብ ከይዲ እናተመሃሃርናን እናተመሓየሽናን እንተዘይከይድና ኩሉ ብሓደ ግዘ ምምላስ ኣይከኣልን” ኢሎም፡፡

ከም ኣወዳድባ መንግስቲ ዘለና ፀገም ስብራት ስርዓት ከምዝኾነን ሙያዊ ዝኾነ ኣወዳድባ ስለዘድለየን እዚ ፀገም ብምእማን ነዚ ምስትኽኻል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ክልላት ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ፌዴራል ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ፣ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባርን ብምኽባርን ዝሳለጥ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ስግኣት ፀጥታ ንምምካት ብዘላቒነት ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፕሬዘዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ 24 መሰከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴሬሽንን ወከልቲ ህዝቢን ዘቕረበኦ መኽፈቲ መደረ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ናይ ድጋፍ ሞሽን ልዝብ ተገይሩሉ ንኽፀድቕ ብዝቐረበ ሞሽን ድጋፍ ረኺቡ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

Recommended For You