ልዕሊ 61 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰቦም ተሓዊሶም

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ልዕሊ 61 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ናብ ሕብረተሰቦም ከምዝተሓወሱ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ምስ መንግስቲ ስዊድን ብምትሕብባር ካብ ክልላት ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ንዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ስልጠና ኣሰልጠንቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣዲስ ኣበባ እንትጅመምር፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተመስገን ጥላሁን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን ነበር ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰቦም ኣብ ምሕዋስ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ኣሳሊጡ ‘ዩ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽንን ሰራዊት ምክልኻል ብምውካል እቲ ፕሮግራም ኣብ ምትሕብባር ዝርከቡን ብርጋዴር ጀነራል ደርቤ መኩሪያ ብግደኦም፤ እቲ ኮሚሽን ስርሑ ካብ ዝጅምር ጀሚሩ 61 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ተሃድሶ ንክወስዱ ብምግባር ናብ ማሕበረሰቦም ምሕዋስ ከምዝኸኣለ ገሊፆም። ኣብዚ ስራሕ ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ‘ውን ኣመስጊኖም።

ነበር ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰቦም ምሕዋስን ምጥያሽን ህንፀት ሰላም ውፅኢታዊ ኣብ ምግባር ዓብይ እጃም ኣለዎ ኢሎም። እቲ ኮሚሽን እቶም ዕጡቓት ብቀዋሚነት ስራሕ ፈጢሮም ናብ መፍረያይ ሂወቶም ንክምለሱ ኣድላይ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

እቲ ሰሉስ ዝተጀመረ ስልጠና ‘ውን ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ዕጡቓት ዝተረጋግዐ ሂወት ንክመርሑን ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ስራሕቲ ናብ ማሕበረሰብ ምሕዋስን ምጥያሽን ካልኦት ነበር ዕጡቓት ከምዝሳለጡ ሓቢሮም።

እቲ ንሰለስተ መዓልትታት ዝፀንሐ ስልጠና፤ ኣብ ዳግማይ ምጥያሽ ዕጡቓት፣ኢንተርፕርነርሺፕን ፈጠራ ስራሕን ጠመተ ዝገበረ እዩ።

ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You