
ሓተታ ዜና
ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ብብርኪ ሃገር ንዘፈር ቴክኒክን ሞያን ዝነበረ ኣመለኻኽታ ትሑት ‘ዩ። እቲ ዘፈር ንሃገር ዝጠቕሙ ፀገም ዝፈትሑ ምህዞታት ዝስርሕሉ እንተኾነ ‘ውን ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ግንዛበ ግና ኣዕጋቢ ኣይኾነን ነይሩ።
ድሕሪ ሒዲት ዓመታት ግና መንግስቲ ነቲ ዘፈር ጠመተ ሂቡ ምንቅስቓስ ጀሚሩ። በዚ ‘ውን ኣብቲ ዘፈር ንዘለዉ ኣካላት ብኽእለት ካብ ምምዕባልን ንሃገር ዝጠቕሙ ምህዞታት ንኽስርሑ ካብ ምግባርን ሓሊፉ ኢትዮጵያ ብማሕበረሰብ ዓለም ብኽእለት ኣፍልጦ ንኽህልዋ ገይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ፌዴሪኢ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ብናይ መጀመርታ ድግሪ (ሌቭል6)ን ብኻልኣይ ዲግሪ (ሌቭል 7) ንዘሰልጠኖም ክልተ ሽሕ ሰልጠንቲ ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺበን መደረ ዝገበራ ሚኒስትር ስራሕን ኽእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፤ ኹለመዳያዊ ዕብየት ሃገርና ንምርግጋፅ ዘፈር ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ወሳኒ ‘ዩ። መንግስቲ ነቲ ዘፈር ንምጥንኻር ኣብ ዓለም ዝበፅሐቶ ንምብፃሕ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምስርሑ ተዛሪበን።
ነዚ ስዒቡ ‘ውን እቲ ዘፈር ዓለምለኸ ተቐባልነት ምርካቡ ሓቢረን፤ 2017 ዓ.ም ኣባል ዓለምለኸ ሕብረተሰብ ኽእለት ክትኸውን ዝኸኣለትሉ ውፅኢታዊ ዓመት ምዃኑ ‘ውን ኣልዒለን። እቲ ዘፈር ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ዓርስኻ ናይ ምኽኣል ጉዕዞ ወሳኒ ብምዃኑ ኣብ ቐፃሊ ንዝተረኸበ ውፅኢት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብትኹረት ክስራሕ ‘ዩ ኢለን።
ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታ ዝረጋገፅን ዓርሳ ናይ ምኽኣል ትልማ ዝሳኻዕን ብቑዓት ሞያተኛታት ብምፍራይ ነቲ ዘፈር ብምዝማን ‘ዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ተመረቕቲ እዚ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም ገሊፀን። ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብደረጃ 8 ትምህርቲ ሳልሳይ ድግሪ ንምጅማር ምድላው ከምዝተዛዘመ ብምግላፅ፤ እዚ’ውን ነቲ ዘፈር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ዘኽእል ‘ዩ ኢለን።
መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንስርዓት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ እቲ ዘፈር ሰሓባይን ንሃገራዊ ድልየት ልምዓት መልሲ ዝህብን ንምግባር ዘኽእሉ ሓሳባት ሪፎርም ብምሕንፃፅ ተግባራዊ እናገበረ ይርከብ። በዚ ‘ውን ተስፋ ዝህቡን ጭቡጣትን ውፅኢታት ክረኣዩ ምጅማሮም ገሊፀን።
ዘፈር ልምዓት ኽእለት ካብ ዘለዉና ብርክት ዝበሉ ፀጋታት ልምዓት እቲ ሓደን ቐንድን ንዝኾነ ሃፍቲ ሰብ ናብ ጭቡጥ ሃገራዊ ዓቕሚ ንምቕያር ‘ውን ግደኡ ዝዓዘዘ ‘ዪ። ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ዓርስኻ ናይ ምኽኣልን ቑጠባዊ ናፅነት ናይ ምጉንፃፍ ብርቱዕ ድልየትን ፃዕርን ብናትኩም ንቑሕ ተሳትፎ ከምዝረጋገፅ እምነተይ ፅኑዕ ‘ዩ ኢለን።
ነዚ ‘ውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተካእቲ ፍርያታት ንምስራሕን ዝተጀመሩ ፃዕርታትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ዓርስኻ ናይ ምኽኣል ጉዕዞና ምስኽዑ ከምዘይተርፍ ህያው መርኣያታት ‘ዮም። በቲ ዘፈር እናተመረቑ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ዝሕወሱ ሰብ ሞያ ባህጊ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ምችው ኩነታት ዝፅበዩ ዘይኾነስ ንዕንቅፋታት ናብ ሰናይ ኣጋጣሚ ንምቕያር ፍልጠት፣ ኽእለትን ብቕዓትን ዘለዎም ዜጋታት ‘ዮም ክብሉ ኣመላኺተን።
ንተመረቕቲ እዚ ምዕራፍ ናይ መጀመርታኹም ‘ምበር ናይ መወዳእታኹም ኣይኾነን። ልዕሊ ኹሉ ሃገር ናይ ምህናፅን ምስራሕን ሓላፍነት ዝተወሃበኩም ብምዃንኩም ንዝቕፅል ምዕራፍ ትዳለዉሉን ጉዕዞኹም ዝተሳኽዐ ንክኸውን ካብ ልቢ ይምነ ኢለን።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትምህርቲ ቴክኒክን ሞያን ፌዴሪኢ ብሩክ ከድር(ዶ/ር) ብወገኖም፤ እቲ ትካል ካብ እዋን ናብ እዋን ዝህቦም ስልጠናታት እናዕበየ ይርከብ ኢሎም።
ፅርየት ዘለዎ ዜጋ ንምፍራይ እዋኑ ዘገናዘቡን ድልየት ዕዳጋ ዘማእኸሉን ስልጠናታት ከምዝተውሃቡ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተመራፂ ማእኸል ልህቀት ንምዃን እናተግሀ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ሎሚዓመት ብናይ መጀመርታ ዲግሪ ሓደ ሽሕን 880፤ ብኻልኣይ ድግሪ 120 ብሓፈሻ ክልተ ሽሕ ተምሃሮ እኹል ናይ ክልስ ሓሳብን ተግባርን ስልጠና ብምውሳድ ናብ ምረቓ ምብቅዖም ገሊፆም። ኣብ ቐፃሊ ብሸውዓተ ሓደሽቲ ትምህርታዊ ዓውድታት ሰልጠና ንምሃብ ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ‘ውን ሓቢሮም።
ልዑል ውፅኢት ብምምዝጋቦም ናይ ፅዋዕ ተሸለምቲ ዝኾኑ ተምሃራይ ባንቴ ዘላለምን ሃብታም ሞላን ኣብ ናይ ሰልጠና ፃንሒቶም ብኽልስ ሓሳብን ተግባርን ዝተሓገዘ ትምህርቲ ምርካቦም ገሊፆም፤ ኣብ ቐፃሊ ንዝሰልጠንሉ ዘፈር ስራሕ ፈጠርቲ ብምዃን ንኻልኦት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ድሉዋት ምዃኖም ተዛሪቦም።
እቲ ኢንስቲትዩት ንፈለማ ግዜ ናይ ሞያ ናይ ኽብሪ ሽልማት ከም ሃገር ፈላማይ ዝኾነ ናይ ኽብሪ ሽልማት ንመስራትን በዓል ዋናን ዳን ቴክኖክራፍት ኢንጂነር ዳንኤል መብራቱ ኣበርኪቱ። እቲ ሽልማት ንዝሓለፉ 55 ዓመታት ኣብ ስግግር ቴክኖሎጅን ፈጠራ ስራሕን ንዝገበርዎ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝተበርከተ ‘ዩ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም