
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ኣብ ተኻየደ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ልዕሊ 40 ሚሊዮን ዜጋታት ብመራፅነት፣ 47 ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ውልቀሰባትን ድማ ብተመራፃይነት ተሳቲፎም’ዮም፡፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ናብ ዕቤትን ብልፅግናን ዘሳግሮም መሪፆም፤ እቲ መረፃ ኣሳታፊ፣ ናፃን ዴሞክራሲያዊን ብምንባሩ ኢትዮጵያ ኣብቲ መረፃ ተዓዋቲት ኮይና’ያ፡፡
ሃገርና ንዝሓለፉ ፍርቒ ምእተ ዓመታት ዲሞክራሲ ኣብ ስርዓተ መንግስታ ንምትካል ልዑል ተጋድሎ ገይራ ‘ያ፡፡ ተስፋን ስግኣትን፤ ዕድልን ፈተናን እናተደራረብዋ ብዙሓት ውፃእ ውረድ ብምስጋር ኣብዚ በፂሓ ‘ያ፡፡ ናይ መንነት፣ ካብ ከተማ ክሳብ ገጠር፣ ካብ ተራ ክሳብ ሙሁር፣ ካብ መንእሰይ ክሳብ ዓብዪ፤ ካብ ልሂቕ ክሳብ ደቒቕ፣ መላእ ህዝቢ ሃገርና ዝተሳተፍዎን መስዋእትንት ዝኸፈልሉ ናይ ዘመናት ናይ ህዝቢ ሕቶ ‘ዩ ነይሩ፡፡
ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ናይ ዘመናት ዝነበረ ሕቶ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ሕልሚ ንምርግጋፅ ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቱ’ዩ ፡፡ ሓደ ስዳሮ ንቕድሚት ምስጓን ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ ስልጣን ካብ ዘርኢ ሓረግ ወይ ብኣፈሙዝ፣ ወይ ብተንኮል እንተይኮነስ ብሓቒ ብድምፂ ህዝቢ ፣ ካብ ኮሮጆ መረፃ ጥራሕ ክፍልፍል ዝተኸኣለሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ኢትዮጵያ’ዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብዘጋጠሞም ዕንቅፋታት ተስፋ እንተይቆረፁ፣ ብፍላይ ለበዳ ኮቪድ 19ን በሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓትን ካልኦት ዘጋጠሙ ጎንፅታትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ከይተሰኮኑ መረፃ ምክያድ፣ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣካይዶም ንዚ ሓዱሽ ምዕራፍ በፂሖም ‘ዮም፡፡ ምምስራት ሓዱሽ መንግስቲ ብዝደመቐ ፅንብል ኣካይዶም ኣለው፡፡
ሃገርና ብፀገም ሉዓላውነት ሃገር እንተይተሰዓረት፤ ብፅዕንቶ ናይ ደገ ሓይሊ እንተይተንበርከኸት፤ ኣብ ከይዲ ዝገጠሙዋ ዕንቕፋታት ህዝብና መንግስትን ብኩለ መዳይ እናተቓለሱ ናይ ዜግነት ግቡኦም ብዘኹርዕን ኢትዮጵያዊነት ብዝኾነ መልክዕ ተዋፂኦዎ ‘ዩም፡፡ እዚ ድማ ኣብ መረፃን ፅዕንቶ ወፃኢን ኣብ ምምካት ዘርአይዎ ሓድነትን ትብዓትን መርኣያ’ዩ፡፡ ንዚ ሓሊፎም ኣብዚ ሰሙን ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝመርሖም መንግስቲ ብክልልን ብፌደራልን ኣጣይሾም’ዮም፡፡
ኣብ መረፃ ዝተመዝገበ ዓወት ናይ ሓደ ፓርቲ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ናይ መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ እቲ ዓወት ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኢትዮጵያውያን ከም ህዝቢ ብሓባር ዝሰዓርሉ’ዩ፡፡ እዚ ድማ ብዙሓት ፀገማት ንምሽፋን ዘኽእል ዓብዪ ዕድል ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል፡፡ ንዘመናት ዝናተኣከቡ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ብሓደ ፓርቲ መሪሕነት መፍትሒ ብምፍልፋል ፈፂሙ ምውጋድ ከም ዘይከኣል ምግንዛብ የድሊ፡፡ ፀገማት ተሓባቢርናን ንምስዓር ክስራሕ ይግባእ፡፡ ንዚ ድማ መንግስቲ ብክልል ኮነ በፌደራል ደረጃ ኣብ መረፃ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ተነሓናሒቲ ፓርትታትን ከምኡ’ውን ዋላ ኣብ መረፃ ኣይሳተፉ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎም ሰባት ኣብ መሪሒነት ኣሳቲፉ ኣሎ፡፡ ንዚ ድማ ንሃገርና ሓዱሽ ምዕራፍ’ዩ፡፡
ናብ ብልፅግና ናይ ምስግጋር ዕላማ መንግስቲ ናብ ውፅኢት ንምቕያር ኢኮኖሚና ብብዙሕ ዘፈራት ዝተዋቐረ፣ ብዙሕ ተዋሳእቲ ዝሳተፈሉን ብዙሓት ተጠቀምቲ ንምግባር ክስራሕ ይግባእ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናህሪ ዋጋ ኣብ ምቑፅፃርን ኣብ ምቕናስን ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ክንድትዝድለ ውፅኢት ከምዘይኣምፅኡን ድኻ ሕብረተሰብ ናይቲ ፀገም ተኻፋሊ ምዃኑ መንግስቲ ብዝግባእ ይግንዘብ ‘ዩ፡፡ እዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዚ ካብ ፅዕንቶ ንምድሓን ኣብዝቕፅሉ ዓመታት መንግስቲ ቐዳምነት ብምሃብ ካብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ናህሪ ዋጋ ምስትኽኻል ቐዳምነት ክወሃቦ’ዩ፡፡
ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ተስፋና ኣበርቲዕና፣ ስግኣትና ቐሪፍና፣ ዕድላትና ብዝግባእ ተጠቒምና፣ ፈተንትና ስዒርና፣ ሃገርና ብመንገዲ ብልፅግና እነቕፅለሉ ዘመን ክኸውን’ዩ፡፡ መንግስቲ ንህዝቢ ተኣማኒ ብምዃን፣ ሌብነት ብምፅያፍ፣ ሃገርን ህዝብን ብምፍታው፣ ብቕንዕና ብምግልጋል፣ ህዝቢ እንተይፈለዩ ኢትዮጵያ ልዕል ከትብል ኣብ ምግባር ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ኣሎ፡፡ እዚ ቃል እዚ ዕውት ንምግባር ህዝብን መንግስትን ብሓባር ብምስራሕ ነዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ኢትዮጵያ ዕውት ምግባር የድሊ፡፡
ኣብዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ኢትዮጵያ ግና ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ተረባሒ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲከኛታት ትግራይን ከምኡ’ውን ምሁራት ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ኢትዮጵያ ተረባሓይ ክኸውን ክሰርሑ ይግባእ፡፡ እዋኑ ሓድሽ ምዕራፍ ኢትዮጵያ’ዩ፡፡
27 መሰከረምበ2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ