ቅንያት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ማራቶን

 ኣብ በርሊን ማራቶን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ትፅቢት ከምዝተገበረሎም ሰዓርቲ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም ‘ዮም።ቅድሚ እቲ ውድድር ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ‹‹ኣብ ፅቡቕ ብቕዓትን ምልዕዓልን ናብ በርሊን ማራቶን ተመሊሰ’የ፤ ስለዚ ናይዚ ዓመት ትልመይ ከሳኽዕ’የ ኢለ ተስፋ ይገብር ››ክብል ብዛዕባ እቲ ውድድር ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ካብ ማራቶን ወፃኢ ከም ኣ.ፈ 2009 ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ዓለም ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ብ 5ሽሕ ን 10ሽሕን ሜትሮ ሜዳልያ ወርቂ ባዓል ዋና ብምዃን ዓብይ ዓወት ከምዘመዝገበ ዝዝከር እዩ።ስለ ዝኾነ ድማ ኣብዚ ስፍራ ካሊእ ዓወት ከመዝግብ እዩ ብዝብል ናይ ብዙሓት ግምት’ዩ ነይሩ። ምስ ቀነኒሳ እቲ ውድድር ዝተኻፈለ ካልእ ኢትጵያዊ ኣትሌት ጉዬ ኣዶላ እንትኾን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዘመዝገቦ ፈጣን ሰዓት ነይርዎ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ጀርመን ዋና ከተማ በርሊን አብ ዝተኸየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያዊ ጉዬ ኣዶላ እቲ ውድድር ቐዳማይ ብምውፃእ ተዓዋታይ ኾይኑ እዩ። ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ቐዳማይ ንምውፃእ ዓብይ ግምት ዝተውሃቦ እንተነበረ ‘ውን ሳልሳይ ብምውፃእ ዛዚሙ እዩ። ኣትሌት ጉዬ ርሕቀቱ 42.2 ኪሎ ሜትሮ ዝርሕቕ ሸውዓተ ኪሎ ሜትሮ እንትተርፎ ቐዲሙ ብምውፃእ እቲ ውድድር እናመርሐ ክስዕር ኪኢሉ’ዩ። ወዲ 30ዓመት ዝኾነ ጉዬ እቲ ውድድር ብኽልተ ሰዓት 05ደቒቓ 45ሰከንድ ዛዚሙ እዩ። ኬንያዊ ቤትዌል ዬጎን ኻልኣይ ብምዃን ዛዚሙ እዩ።

ኢትዮጵያዊያን ኣብ በርሊን ዝነበረ ውድድር ማራቶን ብኽልቲኡ ፆታ ዓወት ቀኒዕዎም እዩ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረ ንሕንሕ ድማ ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሴ እቲ ውድድር ብ2ሰዓት 20ደቒቃ 09ሰከንድ ቐዳማይቲ እንትትወፅእ፤ ህይወት ገብረኪዳን ብ 2ሰዓት 21ደቂቃ ምስ 23ሰከንድ ካልኣይ ፣ ሄለን ቶላ ድማ ብ2ሰዓት 23ደቂቃ 05ሰከንድ ሳልሳይቲ ብምዃን ዛዚማ እያ።

ካልእ ድማ ኣብ ትፅቢት ዝግረሉ ዓበይቲ ኣትሌታት ዝሳተፍሉ ማራቶን እቲ ሓደ ዝኾነ ማራቶን ለንደን ብምኽንያት ኮቪድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እንተተሰረዘ ‘ውን ሎሚ ዓመት ከምዝካየድ ተረጋጊፁ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማራቶን ለንደን ቻምፒዮና ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ብድጋሚ ኣብቲ ውድድር ከምዝካፈል ተረጋጊፁ እዩ። ኣብ 2019 ውድድር ሰዓራይ ዝነበረ ሹራ፣ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ሃገሩ ኣብቲ ርሕቐት ዝወከለ እንተኾነ ‘ውን ትፅቢት ከምዝተገበረሉ ውፅኢታዊ ከምዘይኾነ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ማራቶን ግና ተሳትፍኡ ንኻሊእ ዓወት ድልው ክምዝኾነ እዩ ዘፍለጠ።

‹‹ኣብቲ ቦታ ባዓል ዓወት ንምዃን ምድላዋተይ ዛዚመ እየ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ተዓዋቲ ብምዃነይ ሕጉስ ነይረ፣ ካባይ ሓሊፉ ቤተሰበይን ሃገረይን ከኹርዕ ኽኢለ’የ። ኣብዚ ዓመት ድማ ካብ ዝሓለፈ ብዝሓሸ ፍጥነት ወድድረይ ንምዝዛም ታሪኻዊ ውፅኢት ንምምፃእ ድልው’የ›› ኢሉ። ሹራ አብዚ ማራቶን ንምስዓር ዓብይ ግምት ይዋሃቦ’ምንበር ካብኡ ዝበልፁ ፈጣን ስዓት ዘለዎም ተሳተፍቲ ኣለው። ንሳቶም ድማ ብርሃኑ ለገሰ፣ ሞስነት ገረመው፣ ሙሌ ዋሲሁን፣ ሲሳይ ለማን ክንዴ ኣጣናው ተሳተፍቲ እዮም።

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኬንያዊት ኣትሌት ብሪጅድ ኮስጊ ኣብ ማራቶን ለንደን ንመበል ሳልሳይ ዓወት ንምምዝጋብ ከምዝተለመት ተፈሊጡ ‘ዩ።ኢትጵያውያኑ ኣትሌታት ማራቶን ብርሃኔ ዲባባን ሮዛ ደረጄን ንኬንያዊት ኣትሌት ፈተና ከምዝኾኑ ትፅቢት ይግበር። ደጊቱ ኣዝመራው፣ ዘይነባ ይመር፣ ትግስት ግርማ፣ ኣሸቴ በቀለን ኣለም መንግስቱ ከምዝሳተፋ ዘረጋገፃ ኢትዮጵያውያን’የን።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ጋዜጣ ወጋሕታ  20 መሰከም 2014 ዓ.ም

Recommended For You