‹‹መረፃ ሕቶታት ህዝቢ ካብ ጎዳና ናብፓርላማ ዝወስድ እዩ›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፣ናይ ሎሚ ዘበን መረፃ ሕቶታት ህዝቢ ካብ ጎዳና ናብ ፓርላማ ከምዝወስድን ንዘበናት ዝተቋፀሩ ማሕለኻታት ዝፍትሑሉ መፍቱሕ(ቑልፊ)ከምዝኾነ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሕቶታት ህዝቢ ንብዙሓት ዓመታት ብግቡእ ናብ ዴሞክራሲ ባህሊ ዘእተወ ኣይነበረን፤ ናይዚ ዓመት መረፃ ንዘበናት ዝተቛፀሩ ማሕለኻታት ዝፍትሑሉን ሕቶታት ህዝቢ ካብ ጎደና ናብ ፓርላማ ዝወስድን ኢዩ ኢሎም።

ፖለቲካዊ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ብዓመፅ ወይ እውን ብኲናት እናተኻየደ ከምዝነበረ ዝገለፁ ዶክተር ኣብይ፣ይኹን ‘ምበር ክልቲኦም መገዲታት ድሑራትን ኣዕነውቲን ከምዝነበሩ ክሳብ ዘኣኽለና ርኢና ኢና ኢሎም።

‹‹ብዙሕ ወፃኢ ገይራ ዘምሃረቶም ሙሁራታ ብግፍዒ ተቐቲሎም፤ ንዘበናት ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ውሽጢ መዓልቲታት ናብ ሓመድ ተቐይሮ ም፤ ይኹን ‘ምበር ናይ ዘበናት ሕቶ ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ኣይረኸቡን” ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ድምፂ ህዝቢ ዝስመዐሉ ፓርላማ ነይሩዋ ኣይፈልጥን ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ጎደናታት ወይ ድማ ኣብ ዱር ገደል ህይወት ሰብ ንኽቕጠፍ ተገዲዱ ኢዩ ኢሎም።

ዴሞክራሲ ዝማዕበለለን ሃገራት፣ ድምፂ ህዝቢ ንኽስማዕ ዘይተጭበርበረን ትኽክለኛ ድምፂ ህዝቢ ዝስመዐሉን መረፃ ንምክያድ ልዑል ትኹረት ሂበን ከምዝሰርሓ ተዛሪቦም።

ሓደ ግዘ በዚ መልክዑ መረፃ እንድሕር ተኻይዱ ህዝቢታት ናብ ጎደና ምውፃእ እንተየድለዮም ብተወከልቶም ኣቢሎም ድምፆም ስለዝስመዐሎም፣ ዜጋታቶም ሰፊሕ ግዜኦም ኣብ ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ኣውዒሎም፣ ንባዕሎምን ሃገሮምን ንምዕባይ ንኽጥቀሙሉ ከምዝሕግዞም ኣብሪሆም። ናይዚ ዓመት መረፃ ‘ውን ንኢትዮጵያ እዚ ወርቃዊ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

መረፃ ሎሚ ዘበን ብዕዉት መልክዑ ክካየድ እንተኽኢሉ ብዝተረጋገፀ መልክዑ ድምፂ ህዝቢ ካብ ጎደና ናብ ፓርላማ፣ ካብ በረኻ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ክምለስ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

መፃኢ ዕድል ሃገር ብልዕልነት ሓሳብ ውልቀሰባት ዝውሰነሉ እዋን ኣብቂዑ ብዙሓት ድምፂታት ተሰሚዖም፣ ብዙሓት ክትዓት ተኻይዶም፣ ብዙሓት ሓሳባት ተዋሂቦምሎም ክውሰኑሉ ከምዝኽእል ‘ውን ኣረዲኦም።ንዚ ንምዕዋት ድማ ተኣማንነት ከይዲ መረፃ ናብ ሕቶ ከእትዉ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣቐዲሞም ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ኣብሪሆም።

ሰብ ካርድ መረፃ ወሲዱ ድሌቱ ክመልአሉ ዝኽእል ተወካሊ እንድሕር ዘይተመሪፁ ዝተሰርሐ ስራሕ ኩሉ ትርጉም ኣልቦ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ብምግባር ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ዝጣየሸሉ ዕድል ንምፍጣር ክስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ወጋሕታ 21 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You