ኢሬቻ- በዓል ሓድነትን ምስጋናን

 ኣብ ኢትዮጵያ ወርሒ መስከረም ስዒቦም ካብ መንጎ ዝኽበሩ በዓላት ሓደ ኣካል ስርዓት ገዳን መለለዪ ሓድነት ህዝቢ ኦሮሞ፣ በዓል ምትሕስሳብን ምስጋናን ዝኾነ ኢሬቻ እዩ።በዓል ኢሬቻ ኣተሓሳስብኡ ፍቕርን ምትሕስሳብን እንትኸውን ህዝቢ ኦሮሞ ብዓይኑ ክሪኦ ዘይኽእሎ ኣምላኽ ብስርሑ ዝተገለፀሉ እዋን ንኣምላኹ ዘለዎ ፍቕሪ ዘርእየሉ፣ ንዝተገበረሉ ድማ ዘመስግነሉን ንቐፃሊ ዝፅልየሉ ሓባራዊ በዓል ከምዝኾነ ይዝረብ።

ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናደመቐ ዝመፀ በዓል ኢሬቻ ድሕሪ 2012 ዓ.ም ማሕበረሰብ ኦሮሞን ኻልኦት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድሙቕ ተኸቢሩ እዩ።ኣብ 2013 ዓ.ም ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ተዘይተኸበረ ‘ውን ሎሚ ዘበን ግና ብዘይገደብ ቑፅሪ ተዓደምቲ ኣድላዪ ጥንቃቐ ገይሮም እቲ በዓል ንኸኽብሩ ብሕብረት ኣባ ገዳ ኦሮሞን ብቢሮ ባህሊ ቱሪዝምን ውሳነ ተሓላሊፉ እዩ።

በዚ መሰረት ድማ ናይ 2014 ዓ.ም ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ፕሮቶኮል ብዝሓለወ መልክዑ ብዘይተገደበ ቑፅሪ ሰብ 22 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ ‘ውን23 መስከረም ኣብ ብሾፍቱ ከምዝኽበር ሕብረት ኣባገዳ ኦሮሞን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጦም።ምስዚ ጎናጎኒ እቲ በዓል ብዝምልከት ኣብ ወድዓዊ ኹነታት ሃገር ኣመልኪቶም ኣባገዳታትን ሃደስንቄታትን ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ሃደ ስንቄ ቱለማ ኣፀዱ ቶላ ነባሪት ከተማ ኣዳማ እየን።በዓል እሬቻ ብስርዓት ገዳ ንነዊሕ ዓመታት እናተኸበረ ዝፀንሐ ከምዝኾነን እቲ በዓል ባህሊ ኦሮሞ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ከምዝመፀ ይገልፃ።እዚ በዓል ብዓብዪ ስነስርዓት ከምዝተዳለወ ይዛረባ።

 ኢሬቻ በዓል ፀሎት ምስጋናን ይቕረታን ስለዝኾነ እዚ ዘበን ናይ ሰላም፣ ናይ ፍቕርን ምትሕስሳብን ንክኸውንን ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገም ንኽቐለላ ፀሎት ዝግበረሉ ከምዝኾነ ይጥቁማ። እቲ በዓል ዘኽብር መላእ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብዛ ሃገር ሰላም ንኽሰፍን እምነቶም ከምዝኾነ ይገልፃ።

ሃደ ስንቄታት ፀሎትን ምትዕራቕን ዝገብሩ ሰባት ብምዃኖም ፈጣሪኦም ንሃገሮም ኢትዮጵያ ዕርቀ ሰላም ንኸውርደሎም ከምዝልምኑን ፈጣሪኦም ህዝቦም ሓደ ንኽገብረሎም ከምዝፅልዩን ይዛረቡ።‹‹ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ሓደ ብምዃናን እቲ ዝተኸሰተ ኲናት ድማ ናትና ብምዃኑ ኣንሕና ሃደ ስንቄታት ፈጣሪ ነቲ ኲናት ኸዝሕለልና ንፅልይ››ይብሉ።

እቲ በዓል ብህዝቢ ኦሮሞ ጥራሕ ዝኽበር ስለዘይኮነ ኹሉ ዘኽብሮ ስለዝኾነ ኹሎም ኢትዮጵያውያን ናይቲ በዓል ተዓደምቲ ንክኾኑ እቲ ብዓል ብሰላም ንክኽበር ፈጣሪኦም ከምዝልምኑ ይገልፁ።ናይ ሰላም ዘበን ንክኸውን ብምምናይ እቲ በዓል ብሕብረት ነኽብሮ ክብላ ሃደ ስንቄ ቱለማ ኣፀዱ ፃውዒተን የቕርባ።

 ሃደ ስንቄ ቱለማ ኣየሉ ሂርቱ ድማ ነባርነተን ኣብ ጫንጮ እዩ።ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ዝኽበር በዓል እሬቻ መሐጎስን ብርክት ዝበሉ ድማ ንምኽባር ዝሃርፍዎ እዩ ይብላ።እዚ በዓል ናይ ኦሮሞን ኻልኦት ህዝብታትን ጥራሕ ዘይኮነስ ትኹረት መላእ ዓለም ከምዝስሕብ ይምስክር።ኣብ እዋን ኣከባብራ እቲ በዓል ፍቕሪ፣ ሓድነትን ምትሕስሳብን ከምዝኾነ ጠቍመን።

ኢትዮጵያ ዘጓነፋ እዋናዊ ፈተና ንምሕላፍ ሃደ ስንቄታት ብመሰረት እሴት እዚ በዓል ሃገርና ሰላም ንክትኸውን ሃገርና ሰላም ንክትኸውን ክንፅልይ ኢና፤ ፈጣሪና ክንልምን ኢና ክብላ ተዛሪበን።

ኢትዮጵያውያን ቋንቋታትና እምነትናን ዝተፈላለየ እንተኾነ ‘ውን ብሓባር ኢና ንነብር ዝብላ ሃደ ስንቄ ቱለማ ኣየሉ፤ እዛ ሃገር ዝገጠማ ኲናት ብሓባር ምምካት ይግበአና ክብላ መልእኽተን የመሓላልፋ።ኣብ ውሽጢ ዘበን ደስታ ይኹን ሓዘን ዘጋጥም ብምዃኑ ብዘርእን ሃይማኖትን ከይተፈላለና ዝገጠሙና ፀገማት ብሕብረት ኾይንና ከከም ኣመፃፅእኡ ምሕላፍ ከምዝግባእ ይዛረባ።

ሃደ ስንቄታት ንፈጣሪኦም ዝልምንዎ ኽፉኣት ነገራት ከዝሕለሎምን ፅቡቕ ነገር ከምፀአሎምን፤ እቲ ኲናት ጠጠው ክብልን እዩ ይብሉ። እቲ በዓል ብሕብረት ስለዝኽበርን ኹሉ ዝሳተፈሉ ብምዃኑ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገም ብሕብረት ክንፈትሕ ኣለና ክብሉ ይምዕዳ።

ኣባል ሕብረት ኣባገዳታት ሜጫን ኦሮሚያን ኣባገዳ ወርቅነህ ተሬሳ ብወገኖም፤ እሬቻ ማለት ሰላም፣ ሓድነት፣ ምፍቕቓር፣ ምትሕስሳብ ከምዝኾነ ይገልፁ። መግለፂ መንነት ኦሮሚያ ከምዝኾነ’ውን ይጠቕሱ።ሰባት ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኦም ብሃይማኖቶም፣ ብቋንቆኦምን ብዓሌቶምን ከይተፈላለዩ ብሓባር ዘኽብርዎ በዓል ከምዝኾነ ‘ውን ይምስክሩ፡፡

 ሰላም ተዘይሃልዩ ሰብ ይኹን ኢሬቻ ከምዘይህሉ፤ ንሰላም ክበሃል ኹሉ ሰብ ክረባረብን ብሓባር ክሰርሕን ኣለዎ ይብሉ ኣባገዳ ወርቅነህ። ሰላም ንኽሰፍን ኣባገዳታት ከምዝፅልዩን ፅቡቓት ነገራት ንኽመፁ ከምዝልምኑ ይሕብሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እናተኻየደ ዘሎ ኲናት ንኢትዮጵያ ኣይመድለየን ዝበሉ ኣባገዳ ወርቅነህ፤ እቲ እዋን ናይ ለውጢብምዃኑ ኲናት ድማ ዕብየት ሃገር ዝዓግት ብምዃኑ ብእዋኑ ክዛዘም ከምዝግባእ የመላኽቱ።

ከም ርኢቶ ኣባገዳ ወርቅነህ ሰላም ንኽፍጠር፣ ፍቕርን ሓድነትን ንኽመፅእ፣ ዝተብኣሰ ንኽዕረቕ ፈጣሪኦም እናለመኑ ምዝርከቡ ይዛረቡ። ህዝቢ ድማ ኣባገዳታትን ኣቦታት ሃይማኖትን ዝብልዎ ክሰምዕ ከምዘለዎን ሰሚዑ ድማ ተግባራዊ ክገብሮ ትፅቢት ከምዝግበረሉ የተሓሳስቡ።

መተሓባበሪን ፀሓፍን ኣባገዳታት ኦሮሞን ሆራ ፊንፊኔ፣ ሆራ ኣርሰዴ ኣባገዳ ጎበና ወላሪሶ ከምዝበልዎ፤ ኹነታት እዛ ሃገር ምስ ተፈጥሮ ዝተተሓሓዘ እዩ።በዚ ኸይዲ ተፈጥሮ ድማ ሓደ ወለዶ እንትትካእ እቲ ኻልእ ቦታ ይለቕቕ።ሓደ ዓመት ሓዱሽ ኾይኑ እንትመፅእ እቲ ኣረጊት ዓመት ቦትኡ ነቲ ሓዱሽ የረክብ።እዚ ምትኽኻእ ድማ ምስ ተፈጥሮ ይተሓሓዝ።

በዚ ኽስተት ድማ ብርክት ዝበሉ ይፍፀሙ። ደስታን ሓዘንን ይህሉ። ኣብ ዝሓለፈ 2013 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፀገማት ኣጓኒፎም እዮም።ዘደንግፁን ተስፋ ዘቑርፁን ተግባራትን ኹነታትን ተኸሲቶም እዮም።ኻሊእ ድማ ዘሐጉስን ብሩህ ተስፋ እዛ ሃገር ዘርእዩ ኹነታት ተፈጢሮም እዮም።

 ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ብሄር ብሄረሰባት ዘለውዋ ሃገር ምስ ምዃና እዞም ህዝብታት ንፈጣሪኦም ምስጋና ዘቕርቡሉ ናይ ባዕሎም ስርዓት ባህልን ሃይማኖትን ኣለዎም።ንፈጣሪ፣ን መሬት፣ ንኸባቢ፣ ንእፅዋትን ኣዝርእትን ምስጋና ዘቕርቡሉ ግዘ ኣለዎም።

ካብ መንጎ እዞም ብሄረሰባት ድማ ህዝቢ ኦሮሞ እቲ ሓደ እንትኸውን እቲ ህዝቢ ብምኽንያት በዓል እሬቻ ምስጋና ዘቕርብ እዩ። እዚ በዓል እሬቻ ኣብ ኽልተ ተመቒሉ ዝርኣይ እንትኸውን እቲ ሓደ ‹‹ኣብራሳ››ዝበሃልን ናይ ሓጋይ ማይ ዝወቕዐሉ እዋን ኣብ ጎቦ ዝግበር ስነስርዓት ምስጋና እዩ።እቲ ኻልኣይ ድማ እዋን ኽረምቲ ሓሊፉ ፅድያ እንትኣቱ ‹‹ኣብ ማይ›› (መልካ)ዝግበር ናይ ምስጋና በዓል እዩ።

ህዝቢ ኦሮሞ ዝኾነ ዓይነት እምነት ይሃልዎ በብእምነቱ ኽራማት ሓሊፉ ፅድያ እንትመፅእ ኣብ ጥቓ ማይ ወይ ድማ ኣብ ገዝኡ ኾይኑ ንፈጣሪኡ ምስጋና የቕርብ። ከም ገለፃ ኣባ ጎበና፤ ኲናት ንደቂ ሰባት ጎዳኢ ብምዃኑን ሰላም ንኽሰፍን ፈጣሪ ሰላም ንኸውርድን ናይ ኹሉ ፀሎት ኣድላዪ እዩ።ካብ ናይ ጥንቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ዝተወረሱ ፅቡቓት ባህልታትን ፅቡቕ ገፅታ ኦሮሞ ዘንፀባርቑን ክቕፅሉ የድሊ።

እዚ እዋን ክሓልፍ እዩ ብዝብል ተስፋ ኣቦታት ዘውረስዎም ፅቡቓት ባህልታት ክቕፅሉ ይግባእ።ብዓርሳዊ ኲናት ዝደቅቕ ድማ ኢኮኖሚ ሃገር እዩ።ዝመውት ‘ውን ኢትዮጵያዊ እዩ።እዞም ፀገማት እንተሃለዉ ‘ውን ካብ 2013 ዓ.ም ናብ 2014 ዓ.ም እንትንሰጋገር ዝሐሸ ሰላም ከምዝመፅእ ትፅቢት ይግበር።

ጋዜጣ ወጋሕታ  20 መሰከም 2014 ዓ.ም

 ትርሓስ ፍቃዱ

Recommended For You