ብሄራዊ ደሕንነት ኣብ ዝፍትኑ ጉዳያት ዘየዳግም ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡-መንግስቲ ሃገራዊ ለውጢ ንኸይዕንቀፍ ከምኡ’ውን ምህዳር ዲሞክራሲ ንምስፋሕ ካብ ዘለዎ ፅኑዕ ድሌት ተበጊሱ እናርአዮ ንዘሎ ትዕግስቲ፤ ብሄራዊ ድሕንነት ዝፈታተን ብምዃኑ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ከምዝጀመረን ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ደሕንነትን ኣፍሊጡ።

ካብ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር፤ግልጋሎት ብሄራዊ ደሕንነት፤ፖሊስ ፌደራልን ኮምሽን ኤጀንሲ ደሕንነት ኢንፎርሜሽን መረብ ዝተወፃፀአ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ደሕንነትን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፣ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ግንቦት መረፃ ንምክያድ ምዝገባ መረፅቲ እናገበረት ትርከብ፣እቶም ፓርትታት ድማ ጎስጓስ ምረፁኒ እናገበሩ እዮም።መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምሕላው እናካየዶ ኣብ ዘሎ ከይዲ ምኽባር ሕጊ በቶም ፅንፈኛታት ጉጅለ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ከምኡ‘ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዕጡቓት ሕጋዊ ስጉምቲ እናወሰደ ይርከብ ይብል።

እቲ መግለፂ፣ኻልኣይ ምልኢት ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ንኽካየድን ኣብ ናይ መጀመርታ ዙር ኽልቲአን ተርባይናት ሓይሊ ምፍልፋል ንኽጅመር መንግስቲ ብልዑል ትኹረት እናሰርሐ እዩ ክብል ይገልፅ።

ይኹን ‘ምበር እዞም ኣወንታዊ ተግባራት እናተሰርሑ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፤መንግስቲ ሳይንሳውን ገለልተኛን ብዝኾነ መገዲ ብፅንዓትን ምርምርን ከምኡ ‘ውን ኣግባብነት ሕጊ ንኽፍትሑ ኣንፈታት ኣቐሚጡ እናሰርሖም ዘለዉ ምስ መንነት፣ወሰን ምምሕዳርን ዓርሰ ምሕደራን ተተሓሒዞም ዝልዓሉ ሕቶታት ኣቕሊልካ ብምርኣይ፤እታ ሃገር ናብ ጎንፅን ዕግርግርን ንምእታው ህዝባዊ ናዕቢ ንኽፍጠር ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሓይልታት ተጣሚሮም ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት እናገበሩ ብምዃኖም እኹል መረዳእታ ረኺቡ ከምዘረጋገፀ እቲ መግለፂ የመላኽት።

ሃገራዊ ዕግርግር ንምፍጣር ዝተዳለዉ ሰነዳትን ተዋሳእቲ ኣካላት ናይቲ ጥፍኣትን፤ ዝገልፅ መረዳእታ ኣብ ኢድ መሓውር ፀጥታን ደሕንነት ከምዝኣተወ ዝጠቆመ እቲ መግለፂ፣መንግስቲ መፃኢ ሃገራዊ መረፃ ናፃ፣ሰላማዊ፣ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ኾይኑ ንኽዛዘም ካብ ዘለዎ ፅኑዕ ድሌትን ካብ ዝተውሃቦ ዓብዪ ሓላፍነት ዝነቐለ፤ተግባር ፅንፈኛ ሓይልታት ብትዕግስቲ እናተኸታተለን ኣብ ሓደሓዲኦም’ውን ናይ መአረምታ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝፀንሐን ይገልፅ።ይኹን’ምበር እዞም ፅንፈኛ ሓይልታት ብማሕበራዊ ሚዲያታት ዝርኣዩ ስርዓት ዘይብሎም ድርጊታት ንእኩይ ተንኮሎም ከም መሳርሒ ቕስቀሳ ብምጥቃምን ምስ መዳርግቶም ብምውዳድ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ሞትን ምፍንቓልን ምፍፃሞም እቲ መግለፂ የረድእ።

በዚ ድማ መላእ ህዝብታት ሃገርና ኣሕዚኑን፣ኣቖጢዑን እዩ።ንመንግስቲ’ውን ኣዝዩ ዘሕዘነ እዩ።ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሽዋን ኣብ ዞባታት ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ፤ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዝተወደቡ ሓይልታት ጥፍኣት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ንፁሃት ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ እቲ መግለፂ የመልክት።

ንብረት ወዲሙ እዩ፤ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም እዮም።ኣብዚ ክልል ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ተዓጠቕቲ ዕጡቓት ቅማንት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ኣካላት ፀጥታ ሓዊሱ ህይወት ንፁሃት ዝጎድአ ጎንፂ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይሕብር።

ብተመሳሳሊ ተዋዲዶም ዝሰርሑ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፀረ ሰላም ሓይልታት፤ኻልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ግድብ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ንኸይካየድን ንኸተኣጓጎል ንምግባር ተዓጠቕቲ ጉሙዝ ኣሰልጢኖምን ኣዕጢቖምን ኣፍቲ ኸባቢ ብምውፋር ንኢትዮጵያ ንምፍራስ እናሰርሑ እንተኾኑ’ውን ድርጊቶም ካብ ኣፍልጦ መንግስቲ ወፃኢ ብዘይምዃኑ ተንኮላቶም ንምስዓር ስጉምቲ እናተወሰደ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ደሕንነትን ኣብ መግለፂኡ የመልክት።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፀጥታ ንምኽባር እናተወሰደ ዘሎ ስጉምቲ ልዑል ክሳራ እናብፀሐ ዘሎ ጉጅለ ዕጡቕ ኦነግ ሸኔ ትኹረት መንግስቲ ንምብታን ብምትላም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተዘዋወሩ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝፍፅሞም መጥቃዕትታትን ቕትለታትን ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ንምባል ኣፍቲ ጉጅለ እናተወሰደ ዘሎ ስጉምቲ’ውን ተጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝርከብ እቲ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ደሕንነት ይገልፅ።

ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሓይልታት፤ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ውዲቶም ንምስኻዕ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለዉ ኣንቃሕቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ከምኡ’ውን በዚ እኩይ ተግባሮም ዝተጠለፉ ኣብ ውሽጢ መሓውር መንግስቲ ዝተሰግሰጉ ኣካላት ሓዊሱ ብምጥቃም፤ንፁሃት ብግፍዒ እናቐተሉን እናፈናቐሉን ህዝባዊ ናዕቢ ንኽልዓል ብምግባር ህልውና ሃገርን፣ ሰላምን ደሕንነትን ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ እናተረባረቡ ከምዝኾኑ መላእ ህዝብና ክግንዘብ ይግበኦ ይብል።

መንግስቲ ሃገራዊ ለውጢ ንኸይዕንቀፍ ከምኡ’ውን ምህዳር ዲሞክራሲ ንምስፋሕ ካብ ዘለዎ ፅኑዕ ድሌት እናርኣዮ ዘሎ ትዕግስቲ ብሄራዊ ደሕንነት ዝፈታተን ብምዃኑ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ምጅማሩ መግለፂ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ደሕንነትን የመልክት።

መንግስቲ ሓባራዊ ህልውና ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ዝፍትኑ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፀረ ሰላም ሓይልታት ዋላ ሓንቲ ከምዘይዕገስን ኣብ ዝኾነ ክፋል እዛ ሃገር ዘለዉ ዕጡቓት ፀረ ሰላም ምንቅስቓሶም ብመረዳእታ፤ብመሓውር ፀጥታን ደሕንነትን ብምክትታልን ብምቁፅፃርን፣ቕልጡፍ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከምዝርከብ ዝገለፀ እቲ ሓይሊ ዕማም፤ሰላምን ፀጥታን ናይታ ሃገር ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ንምብፃሕ እናተወሰደ ንዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዝተሳኸዐ ንኽኸውን እቲ ሕብረተሰብ ሓይልታት ጥፍኣት ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ኣብ ምቅላዕን ንኽተሓባበር ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ደሕንነትን ይሓትት።

ወጋሕታ 21 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You