‹መዓልቲ ዓወት› ትውልዲ ፅንዓትን ሓድነትን ቐዳሞት ወለዶ ንኽርዳእ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ

መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ለብዘበን 27 ሚያዝያ ዝኽበር በዓል ‹መዓልቲ ዓወት› ትውልዲ ፅንዓትን ሓድነትን ቐዳሞት ወለዱ ንኽርዳእ ከምዝሕግዝ ፕሬዝዳንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ ገሊፆም።

ፕሬዝዳንት ልጅ ዳንኤል ብፍላይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቓለ- ምልልስ ከምዝገለፅዎ፣ ለብዘበን ንመበል 80 ግዜ ዝኽበር ‹መዓልቲ ዓወት› እናተባህለ ዝፍለጥ ህዝባዊ በዓል ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ውሽጢ ብዘእተወ መልክዑ ክኽበር እዩ። እቲ በዓል ከም ናይ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ኩለን ክልላት ሃገርና ንክኽበር እቲ ማሕበር እናተንቀሳቀሰ ይርከብ።

እቲ በዓል በቢኸባቢኡ እንትኽበር ጅግንነትን ታሪኽን ቐዳሞት ወለዲ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ሓድነት ህዝቢታት ኣብ ምጥንኻር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ሕሉፍ ታሪኽ ምፍላጥን ብዝግባእ ምርዳእን ኣብ ትውልዲ ዝፈጠሮ ሃገራዊ ስምዒትን ሓድነትን ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዚ በዓል እዚ ኣብዝኽበረሉ ግዘ ብዋናነት ናይቲ በዓል ትርጉምን ታሪኽን ዝፈልጡ ከምኡ ‘ውን ዓበይቲ ዓዲ ተረኺቦም መልእኽቲ እቲ በዓል ንትውልዲ ዝመሓላለፈሉ በዓል እዩ ዝኸውን። በዓል ዓድዋ በቢ ዓመቱ እናተኸበረ ብምምፅኡ እቲ ታሪኽ ናብ ህዝቢ ሰሪፁ እዩ። ናይዚ በዓል እዚ ታሪኽን ጅግንነትን ‘ውን ካልኣይ ዓወት ዓድዋ ብምዃኑ ትውልዲ ብዝግባእ ክርደኦ ይግባእ ኢሎም።

‹‹መዓልቲ ዓወት›› ልዕሊ 80 ብሄር ብሄረሰብ ሓቚፋ እትርከብ ሃገርና ሓድነታ ሓልያ ንቕድሚት ክትስጉም ዓብዪ ትርጉም ከምዘለዎ ብምጥቋም፣ እቲ ማሕበር ትኽክለኛ ታሪኽ እቲ በዓል ንትውልዲ ኣብ ምምሕልላፍ ናይ በዓሉ ግደ እናተፃወተ ከምዝመፀን ንቕድሚት ‘ውን ኣጣናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

እዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ድማ ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ጀግንነት፣ ፅንዓትን ሓቦን ወለዱ ብምዕቓብ ጅግንነት ኣያታቱ ንምድጋም ኢትዮጵያውነት መንፈስ ከጣናኽር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ጣልያን ድሕሪ 40 ዓመት ኣብ ዓድዋ ዝተሸነፈሉ ቂም ሒዙ ንካልኣይ ግዜ ሃገርና ንምውራር ሓይሉ ኣጣናኺሩ ዋላ እንተመፀ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ዓሪፉ ንኸይገዝእ ብምግባርን ሃገርና ለቂቁ ክወፅእ ኣብ ምግባር ዓብይ ግደ ከምዝተፃወቱ ዘዛኻኸሩ እቶም ፕሬዝዳንት፤ እቲ ሕዚ ዝኒሀ ወለዶ ‘ውን ታሪኽ ኣያታቱ ክደግም ይግበኦ ኢሎም።

ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ናይ ደገ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንምውራርን ናብ ሕንፍሽፍሽ ክትኣቱን ብተደጋጋሚ ይሙኩሩ እኳ እንተነበሩ ቐዳሞት ወለዲ ግዝያዊ ፀገሞም ንጎኒ ብምግዳፍ ሓድነቶም ኣስጢሞም ፀላኢ ብምምካት ሃገር ብኽብሪ ናብ ወለዶ ከም ዘማሓላለፉ ዘዛኻኸሩ እቶም ፕሬዝዳንት፤ እቲ ሕዚ ዝኒሀ ወለዶ’ዉን ብግዝያዊ ጥቅሚ ከይተዓሸወ ኣሰር ወለዱ ብምኽታል ንቐፃሊ ወለዶ ምችውቲ ሃገር ከውርስ ከምዝግበኦ መልእኽቶም ኣማሓላሊፎም።

ወጋሕታ 21 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You