ፍራንኮ ቫሉታ ብምፍቃድ መሰረታዊ ሸቐጣት ብዝሐሸ ዋጋ ንምርካብ እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ

  • ፍራንኮ ቫሉታ ካብ ዕዳጋ ምርግጋዕ ዝሓለፈ ጥቕሚ ኣለዎ

 መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡-መንግስቲ ብዘይ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ፍቓድ /ፍራንኮ ቫሉታ/ መሰረታዊ ሸቐጣት ክኣቱ ምውሳኑ ተኸቲሉ ናይቲ ከይዲ ተሳተፍቲ ሰብ ሃፍቲ መሰረታዊ ሸቐጣት ብዝሐሸ ዋጋ ዝርከብሉ ኩነታት ኣብ ዕዳጋ ዓለም ናይ ምእላሽ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዴኤታ ንግድን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው ገሊፆም። ፍራንኮ ቫሉታ ካብ ዕዳጋ ምርግጋዕ ዝሓለፈ ጥቕሚ ኣለዎ ክብሉ ምሁር ስነ ቑጠባ(ኢኮኖሚክስ) ዶክተር ቆስጠንጢኖስ በርኸተስፋ ኣመልኪቶም።

ኣይተ እሸቴ ኣስፋው ንክፍሊ ምስንዳእ ኣዲስ ዘመን ኣብዝሃብዎ ርኢቶ፣ መንግስቲ እናሰፍሐ ዝመፀ ናይ ኣቕርቦትን ድሌትን ፍልልይ ንምፅባብ ከምኡ’ውን ዕዳጋ ንምርግጋዕ ብዝተፈለየ ኩነታት መሰረታዊ ድሌት ሸቐጣት ምግቢ ንምምላእ ናይ ሓፂርን ነዊሒን ግዜ መፍትሒታት ንምምፃእ እናሰርሐ እዩ።

ናይ ሓፂር ግዜ መፍትሕታት መብዛሕትኡ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘሳትፍ 250ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ወይም ምስእዙይ ዝመጣጠን ገንዘብ ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ካብ ባንኪ ወፃኢ ብናይ ባዕሎም ገንዘብ ብዘይ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ፍቓድ /ፍራንኮ ቫሉታ/ መሰረታዊ ሸቐጣት ናብ ውሽጢ ሃገር ከእትዉ ምውሳኑ እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።

 ቕድሚ ሕዚ ኮሮና ኣብዛ ሃገር እዚኣ ምስተረኣየ መንግስቲ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ሕፅረት ንምቕራፍ ፍራንኮ ቫሉታን ናይ ዲያስፖራ ኣካውንት ስርዓት ብምዝርግሑ ዝተመዝገበ ውፅኢት ፅቡቕ ምዃኑ ዝገለፁ ሚኒስቴር ዴኤታ፣ ጥቕሙ ብፅንዓት ብምድጋፍ ንሚኒስቴር ገንዘብ ቐሪቡ ምፅዳቑ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ከይዲ ተሳታፊ ንምዃን ብብርኪ ሃገር ይኹን ብዓለም ለኸ ዘመዝገብዎ ገንዘብ ልዕሊ 250 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ምዃኑ መረጋገፂ ንብሄራዊ ባንኪ ምቕራብ ከምዘድሊ ዘመላኸቱ ኣይተ እሸቴ፣ ብናይ ኣሰራርሓ ከይዲ ተሳተፍቲ ካብዝኾነ ዕዳጋ ሽኮር፣ ስርናይ፣ ዘይትን ናይ ህፃናት ፃባ ብተመጣጣኒ ዋጋ ናብ ሃገር ከእትዉ ዝፈቕድ እዩ ኢሎም።

ቕድሚ ሕዚ መንግስቲ ሕፅረት ናይ ወፃኢ ሸርፊ ንምቐራፍ ናይ ዳያስፖራ ኣካውንት ንምኽፋት 1ነጥቢ 5 ሚሊዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ከምዘድሊ ከም ኣሰራርሓ ኣቐሚጡ ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ኣይተ እሸቴ፣ ገንዘብ መጠን ዳያስፖራ ልዒሉ እዩ ብዝብል ዘቕረብዎ ቕሬታ መበገሲኡ ናብ 500 ሺሕ ናይ ኣሜሪካ ዶላር ትሕት ክብል ብምግባር ምስ ፍራንኮ ቫሉታ ጎኒ ንጎኒ ዝሓሸ ናይ ወፃኢ ሸርፊ እናተረኽበ ምዃኑ ገሊፆም።

ከም ገለፃ ኣይተ እሸቴ ፣ ኢ-ሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምቑፅፃር፣ ሰብሃፍቲ ካብ ፀሊም ዕዳጋ ዶላር ገዚኦም ኣየር ብኣየር ተሳተፍቲ ከይኾኑ ውልቐ ኣካውንቶም ብጥንቓቐ ክፍተሽ እዩ። ኣብ ጉዳይ ቑፅፅር ዝምልከቶም ኣካላት ከም ናይ ጉምሩክ ሰበ ስልጣናት ዝበሉ ተቖፃፃርቲ ኣካላት ዝሳተፉ ይኾኑ። ስግኣት ኣይህሉን ማለት እንተይኮነስ ስግኣት ዝቕንሱ ኣሰራርሓ ተዘርጊሖም እዮም።

ኣብ ሸቐጣ ሸቐጥ ናይ ዋጋ ምጭብርባር ከይፍፀም፣ ንሕብረተሰብ ብዝግባእ መገዲ ክበፅሑ ግልፂ ኣንፈት ከምተቐመጠን ብኡ ልክዕ ጥብቒ ቚፅፅር ከምዝግበር ኣፍሊጦም።

ንዘላቒ መፍትሒ ስርናይ፣ ሽኮርን ዘይትን ትኹረት ተዋሂብዎም ኣብ ሃገር ውሽጢ እናተመረቱ ዋላ ይኹኑ ምስቲ ሕዚ ዘሎ ድሌት ብዘይ ምጥዕዓሙ ምኽንያት ዕዳጋ ንምርግጋዕ ካብ ደገ ናይ ምእታው ከይዲ ከም ግዝያዊ መማረፂ ምውሳዱ ዝገለፁ ኣይተ እሸቴ፣ ንዘላቒ መፍትሒ ግና ስርናይ ብናይ መስኖ ሓጋይ ፣ ሽኮርን ዘይትን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ድሌት ብዝሽፍን መጠን ንምምራት ልዑል ምንቕስቓስ እናተገብረ ምዃኑ ሓቢሮም።

መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ንምቕናስ ብናይ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ምህርቲ ካብዘለዎ ኣካባቢ ሕፅረት ናብ ዘለዎ ኣካባቢ እናቕረበ ይርከብ። መሰረታዊ ሸቐጣት ማለት ከም ስርናይ ኣውስትራልያ፣ ካብ ሩስያን ካልኦት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ከም ዘይቲ ድማ ካብ ማሌዥያ ንምእታው ምንቕስቓስ ዝተጀመረ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ፍራንኮ ቫሉታ ካብ ዕዳጋ ምርግጋዕ ዝሓለፈ ጥቕሚ ኣለዎ ክብሉ ምሁር ስነ ቑጠባ(ኢኮኖሚክስ) ዶክተር ቆስጠንጢኖስ በርኸተስፋ ኣመልኪቶም።

ዶክተር ቆስጠንጢኖስ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፣ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ዶላር፣ዘይምምጥጣን ቐረብን ድሌትን ከምኡ’ውን ተሳትፎ ዳያስፖራ ውሑድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ምፍቃድ ፍራንኮ ቫሉታ ዕዳጋ ካብ ምርግጋዕ ብዝሓለፈ ቐረብ ሸርፊ ወፃኢን ተሳትፎ ዳያስፖራን ንምብርትታዕ ዓብይ ግደ ኣለዎ ።

ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝኾኑ ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዓመት 6 ቢሊዮን ዶላር ናብ ዓዶም ይልእኹ ዝበሉ ዶክተር ቆስጠንጢኖስ ፣ብፍላይ ጡረታ ወፂኦም ናብ ዓዶም ጠቒሊሎም ዝመፁ ሰባት ሃፍቶም ብፍራንኮቫሉታ ኣቢሎም ንምምፃእ ዕድል ከምዝፈጥረሎም ገሊፆም።

ወጋሕታ 21 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You