ኣብ ትግራይ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸይቋረፅ ቕድሚ ኽረምቲ መሰረተ ልምዓታት እናተሳለጡ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ትርሓስ ፍቃዱ

 ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ፀገም፤ብፍላይ እቶም መሰረተ ልምዓታት ብምጉድኦም ኽረምቲ ኣትዩ ሰብኣዊ ረድኤት ንኸይቋረፅ ንምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተኸናወኑ ከምዘለዉ ሓላፊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ገብረመስቀል ኣፍሊጦም።

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝተዛረብዎ፤ምስቲ ዝነበረ መጉዳእቲ እንትነፃፀር ንቲ ሕብረተሰብ ድጋፍ ንምግባር ብዙሕ ርሕቐት ከምዝተኸደ ምስገለፁ፤ ባንክታት ብፍላይ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ መብዛሕትኦም ቦታታት ኸፊቱ ንኽሰርሕ ተገይሩ እዩ።ስልክን መብራህትን ‘ውን ልዕሊ 75 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ተሰሪሑ እዩ።ይኹን ‘ምበር ምስ መገዲ ተተሓሒዙ ፈተናታት ገጢሞም እዮም።

ብፍላይ ኣብ ድልድይ ዝበፅሐ መጉዳእቲ ብቐሊሉ ዝፍታሕ ስለዘይኮነ ብዙሓት ነገራት እናዓገተ ይርከብ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ፣ካብ መንጎ እቶም ፀገማት ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ክንድቲ ዝድለይ ክበፅሖ ኣይከኣለን።በዚ ድማ እቲ ኽረምቲ ናብ ዝገደደ ፀገም ከየእትወና ስራሕቲ ብቐሊሉ ዝፍትሑሉ ኹነታት እናተመቻቸዉ እዮም ኢሎም።

እቲ ግዘ ኽረምቲ ዝኣትወሉ እዋን ብምዃኑ ከይቐደመና ምቕዳም ናይ ግድን እዩ ዝብሉ እቶም ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ፤ኣብ ቤት ፅሕፈታት ፌደራል ዘሎ ቕልጣፈን ጉያን ኣዝዩ ዝምስገን እዩ ኢሎም።እቶም ድልድላት ፀጊንኻ ናብ ስራሕ ንምእታው ስምምዕነቶም ወዲኦም እዮም።ሐዚ ዝተርፍ ናብ ኽረምቲ ዘሳግር ስራሕቲ ምስራሕ ብምዃኑ እናተፃደፉ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ጥንክር ዝበለ ጉጅለ ተዋፊሩ እናሰርሐ ይርከብ፤ምኽንያቱ ተሽከርከርቲ እናተንቀሳቐሱ ዘለዉ ብምድሪ ስለዝኾነ ኽረምቲ እንተኣትዩ ጭቃ ስለዝኸውን፤እቲ ድጋፍ ብቐሊሉ ንምጉዕዓዝ ይኹን ፀጥታ ንምኽባር ኸቢድ እዩ።ስለዝኾነ እቲ ስራሕቲ ኽረምቲ ከይቐደመና ክዛዘም ክኽእል ከምዘለዎን ኣብዚ ድማ ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ከምዝበልዎ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ሐዚ ‘ውን ብዙሓት ፀገማት ኣለዉ፤ ኣፍቲ ክልል ብዙሕ ተፈናቓሊ ኣሎ፤ናብዚኣቶም ንምብፃሕ ድማ ድልድላት ዓብዪ ግደ ኣለዎም ኢሎም።ይኹን’ምበር እሳቶም ተዓርዮም ናብ ስራሕ እንድሕር ዘይኣተዉ መንግስቲ ንኣቕርቦቱ ዝኸፍሎ መስዋእትነት ዋጋ ከስእኖ እዩ ድሕሪ ምባሎም እቲ ዘሎ ፍሉይ ትኹረት ‘ውን ይንክዮ እዩ ኢሎም።ብተወሳኺ ድማ እቲ ዝኽዘን እኽሊ ናብ ዝድለይ ቦታ ኣብ እዋኑ ክበፅሕ ኣይኽእልን፤ቑፅሪ እቲ ተመዛባሊ ብዙሕ ብምዃኑ እቲ ዝጉዳእ ሰብ እናወሰኸ ክኸይድ ይኽእል እዩ ኢሎም።

ብመዳይ ቐረብ፤ መንግስቲ 70 ሚኢታዊ ሸፊኑ ብዘይምቁራፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝሓበሩ ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ፤ምግብን መድሓኒትን ከምኡ’ውን ኣልባሳት ብዝተኽኣለ መልክዑ እናተባፀሐ ይርከብ።ይኹን ‘ምበር ምስቲ ዘሎ ቑፅሪ ተመዛባሊ እንትነፃፀር ጉዳይ መፅለሊ ስግኣት ኾይኑና እዩ ኢሎም።ዘለና መኻዚኖ’ውን ሓደ ጥራሕ ስለዝኾነ ናብ ኹሉ ንምብፃሕ ኣፀጋሚ እዩ ምስ በሉ ነዚ ድማ ማእኸላት ምኽፋት ናይ ግድን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ከም ገለፃ ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፤ድሌት ቐረብ ድጋፍ ንተመዛበልቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሎም ነበርቲ እዩ፤ምኽንያቱ ብምኽንያት መሰረተ ልምዓት ዝደለይዎ ብቐሊሉ ክረኽቡ ዘይኽእሉ ስለዘለዉ፤ኹለመዳያዊ ቐረብ ንምቅልጣፍ ካብ መቐለ ብተወሳኺ መኸዘኒ ቦታ ምኽፋት ኣድላዪ እዩ፤ምኽንያቱ ኣብ ሽረ ጥራሕ 600 ሽሕ ተፈናቐልቲ ኣለዉ ኢሎም።ኣብ ኣኽሱም ዓድዋን ኻልኦትን ካብዚ ብዘይንእስ ይህልዉ እዮም።ኣብ ኣኽሱም ማእኸል መኸዘኒ ንምኽፋት ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢሎም።

ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሞ ወረ ገዲፍኻ ንድሕንነቱ ክሰርሕ ከምዘለዎን፤ኽረምቲ ከይኣተወ ሰብኣዊ ረድኤት ንኸይቋረፆ ምርብራብን ንመንግስቲ ጥራሕ ካብ ምግዳፍ እጃምና ክንዋፃእ ከምዘድልን ኲናት ካብዚ ንላዕሊ ፀገም ከምዝፈጥር ብምግንዛብ ከም ዋኒን ተራእዩ ክስራሕ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፤

 ወጋሕታ 21 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You