ተስፋታት ህዝቢ-ካብ ሓዱሽ መንግስቲ

 ህዝቢ ኢትዮጵያ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ኣካይዱ’ዮ፡፡ ኣብቲ መረፃ ንተወከልቲ ህዝብን ንቤት ምኽርታት ክልላት ካብ ተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርትታት ካብ ዝቐረቡ ሕፁያት ተወዳደርቲ ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ንክመርሕዎ መሪፁ ኣሎ፡፡ በዚ ድማ ሉኣላዊ ናይ ስልጣን ብዓልቤት ምዃኑ ኣረጋጊፁ’ዩ፡፡

ኢትዮጵያውያን ግልፂ፣ እሙን፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ብዝኾነ ከይዲ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ንክመርሖም ዝመረፅዎ መንግስቲ እቲ ልዑል ሓደራ መረፅቲ ሒዙ ናብ ስልጣን ዝመፅእ መንግስቲ’ዩ፡፡ እዚ መንግስቲ ኩለመዳይ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ለውጢታት ኣወዳድባ፣ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ገይሩ ከምዝመፅእ ትፅቢት ይግበር፡፡

ከም ሃገር ንፌደራል ቤት ምኽሪ ተወከልቲ፣ ንክልላት ድማ ንክልላዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተኻደ ብክልቲኡ ፓርቲ ብልፅግና ምስዓሩ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ’ዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ፓርቲ ብልፅግና ሓዱሽ መንግስቲ ክምስረት ‘ዩ፡፡

ሓደሽቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልላትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓዱሽ ካብኔ እናጣየሹ ይርከቡ፡፡ በዚ መሰረት ክልል ኦሮሚያን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ’ውን ምምሕዳር ከተማ ድሬደዋ ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዝመርሑ ኣባላት ካብኔ ኣጣይሾም’ዩም፡፡ ኣብ ቐፃሊ’ውን ካልኦት ክልላት’ውን ክስዕባ’የን፡፡ መንግስቲ ፌደራል ድማ 24 መስከረም 2014 ዓ.ም ከምስረት’ዩ፡፡ ሓዱሽ ካብኔ ከጣይሽ’ዩ፡፡ ከምሃገር ካብዚ ሓዱሽ መንግስቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ተስፋ ይፅበ፡፡ ካብ ሰዓራይ ፓርቲ ብልፅግና ድማ ኣብ ሰላም፣ ዴሞክራሲ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳር ዝኣተዎ ቃል ንክፍፅም ትፅቢት ይገብር፡፡

ናይዚ ዝምስረት ሓዱሽ መንግስቲ ቐዳማይ ስራሕ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ፡፡ ናይ ኩሉ መሰረት ሰላም ስለዝኾነ ብፍላይ ብሰንኪ ራዕዳዊያን ህወሓትን ሸኔን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ሃገርና ዝረኣዩ ስእነት ሰላምን ዘይምርግጋዕን ትኹረት ሂቡ ዘላቂ መፍትሒ ንክመፅእ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡

 ኣብቲ ሓዱሽ መንግስቲ ብፍላይ ከይዲ ምዕባለ ሃገር ብፍልጠት፣ ክእለትን ልምዲን ክመርሑ ዝኽእሉን ብቕዓት ዘለዎም ኣመራርሓታትን ዝመፅኡሉ ከምዝኸውን ብፍላይ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ክትግበሩ ዝተሓንፀፁ ዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ጥንኩር መሰረት ኮይኖም ንክትግበሩ ዘኽእል ክኸውን ይግባእ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ሐዚ ድማ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ብምስፍሑ በሚሊዮን ዝቑፀሩ ህዝብታት ኣብ ፀገም ይርከቡ፡፡ ስለዚ እዚ ሓዱሽ መንግስቲ ንዞም ኣንፃር ሰላም ዝኾኑ ሓይልታት ስርዓት ብምትሓዝን ንቲ ኲናት ኣብ ሓፂር ግዘ ብምዝዛምን ንዞም ህዝብታት ናብ ንቡር ሰላምን ምርግጋዕን ንክምለሱ ክገብር ኣለዎ፡፡ ካብ ፀገም ከውፅኦም ይግባእ፡፡

ኲናት ብዝነውሐ ቑፅሪ ህይወት ሰብን ኢኮኖሚን ይበልዕ’ዩ፡፡ ስለዝኾነ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ውሑስ ንምግባር ራዕዳውያን ሓይልታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣደብ ክገዝኡን ዕጥቖም ክፈትሑ ምግባር እዚ ተዘይተኻኢሉ ድማ እቲ ኲናት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክውዳእ ምግባር ግድን’ዩ፡፡ እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ኣብዚ ኣድሂቡ ክሰርሕ ይግባእ፡፡

ብኻልእ መዳይ ድማ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኣድሂቡ ክስርሕ ይግባእ፡፡ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተጀመሩ ኢኮኖሚያዊ ስራሕቲን መገዲ ብልፅግና ዝኾኑ ተግባራት መንግስቲ እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ መንግስቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሎም ይግባእ፡፡ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ዝተጀመሩ ሜጋ ፕሮጀክትታትን ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት ብምሕንፃፅ ኣብ ትልሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተቐመ ጠ ኣንፈት ዕውት ንክኾን ክሰርሕ ይግባእ፡፡

እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ሃገርና ካብቲ ገጢምዋ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ዘናግፍ ክኾን ኣለዎ፡፡ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር፣ ምኽባር ናብራ፣ ዕድል ስራሕንፀገም መንበሪ ኣባይቲ ኸተማታት ዘለዎ ፀገማት ብምፍላይ ዘላዊ መፍትሒ ከምፅእ ኣለዎ፡፡

ንህዝቢ ትግራይ ድማ ካብቲ ዘለዎ ፀገም ኣውፂኡ ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽረሉ፣ ውልቐ ጥቕሙ ዝሓስብ ፓርቲ ራዕዳዊ ህወሓት ተወጊዱ ናይ ሓባር ረብሓ ዝረጋገፀሉ ኩነታት ክፈጥር ትፅቢት ይግበር፡፡ ብሓፈሻ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ሰላም ክትኸውን ዝሰርሕ ክኾን ኣለዎ፡፡

Recommended For You