ኣመፃፅኣን ኣከባብራን በዓል መስቀል ደመራ

በዓል መስቀል ካፍቶም ዓበይቲ መንፈሳዊ በዓላት ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ ሓደ እዩ።እዚ ዓብዪ በዓል ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ኣብ ኣደባባይ እንትኽበር መራሕቲ ሃይማኖት ብፍሉይ ኣልባሳት ደሚቖምን፣ ሰዓብቲ እቲ እምነት ድማ ብተመሳሳሊ ፃዕዳ ባህላዊ ኽዳውንቲ ተኸዲኖምን ተኸዲነንን ብሰሓባይ መንፈሳዊ ምዝሙራት ተዓጂቦም ብታሕጓስ ዘኽብርዎ በዓል እዩ።

ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ በዓል መስቀል ደመራ ኣብ ድርሳናት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ከምዝስዕብ ተጠቒሱ ንረኽቦ። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ ሰባት ካብ ዝወደቑሉ መርገም ንኽድሕኑ ክብል ኣብ 33 ዓመቱ ብናይ ዓርሱ ፍቓድ ንፍቕሪ ደቂ ሰባት ክብል ኣብ መስቀል ተሰቒሉ እዩ።በዚ ድማ ኹሎም ደቂ ሰባት ካብ ባርነት ዲያብሎስ ፍፁም ናፃ ወፂኦም እዮም።

ምኽንያት መስቀል ደመራ ዝኾነት ንግስቲ ኢለኒ፤ ወዳ ቆስጠንጢኖስ ካብ እዋን ቑልዕነቱ ጀሚሩ ብዛዕባ እምነት ክርስትና ተምህሮ ስለዝነበረት ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ካፍቶም ኣብ ሮም ዝነበሩ ቄሳራት ዝሐሸ እዩ ነይሩ።

ቆስጠንጥንዮስ ንጉሰ ነገስት ሮም ድሕሪ ምዃኑ ኣብ ውሽጢ 300 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣዋጅ ናፅነት ንክርስትያን ኣወጀ።እምነት ክርስትና ድማ ብሄራዊ ሃይማኖት ኾነት፤ ንግስቲ ኢለኒ ድማ ነዚ ምችው ኹነታት ብምጥቃም መስቀል ጎይታ ኢየሱስ ኣኹዒታ ክተውፅእ ናብ ኢየሩሳሌም ኸደት።

ኣብዚ እዋን እዩ ነይሩ ሚስጥር ደመራ ዘፍለጠት፤ንግስቲ ኢለኒ ካብ መንጎ ሰለስቲኦም ጎቦታት እቲ መስቀል ዝተቐበረሉ ጎቦ ኣየናይ ምዝኾነ ንምፍላጥ ብሓገዝ መልኣከ እግዚኣብሄር ደመራ ገይራ ዕጣን ብምትካኽ ፀሎት ሓዘት።ትኪ ናይቲ ዕጣን ድማ ናብ ሰማይ ብምድያብ ቀጥታ ተመሊሱ እቲ መስቀል ናብ ዝርከበሉ ጎቦ ብምስጋድ ነቲ ትኽክለኛ ቦታ ሓበረላ።ቕዱስ ያሬድ’ውን ትኪ ሰጊዱ ኢሉ እዩ።

16 መስከረም ዃዕቲ ኣለሻ መስቀል ንኽካየድ ኣዘዘት።ንሸውዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምኹዓት መጋቢት 10 ሰለስቲኡ መስቀል ብሓባር ተረኸበ።ድሕሪ እዚ እዋን  ንግስቲ ኢለኒ ነቲ መስቀል ቤተ መቅደስ ካብ እተስርሐሉ እዋን ጀሚሩ መስከረም 17 ይኽበር ነይሩ፤ ልክዕ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኽበር መስቀል ደመራ ማለት እዩ።

መስቀል ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኢየሩስሌም ድሕሪ ምፅንሑ ነቲ መስቀል ንምውሳድ ነገስታ ጎንፂ ፈጠሩ።ኣብዚ እዋን መራሕቲ ሃይማኖት ኣንፆክያ፣ ኤፌሶን፣ ኣርመንያ፣ ግሪክ፣ እስንድርያ ነቲ ጎንፂ ብጥበብ ኣዝሐልዎ።እቲ መስቀል ድማ ኣብ ኣርባዕተ ቦታ መቐልዎ፣ምስ ተዛመድቲ ንዋየ ቅዱሳት ገይሮም ተሰማሚዖም ብምምቓል ነናብ ሃገሮም ወሲዶም ብኽብሪ ኣቐመጥዎ።የማናይ ክንፊ ናይቲ መስቀል ንኣፍሪካ ስለዝበፅሐ ኣብ ግብፂ ንዝርከብ ፓትሪያሪክ እስክንድሪያ ተቐቢሎም ብኽብሪ ኣቐመጥዎ።

ኢትዮጵያዊ ንጉስ ዳግማዊ ዳዊት፤ ናይ ግብፂ ክርስትያን ይበፅሖም ካብ ዝነበረ ፅዕንቶ ናፃ ንኽወፁ ብምግባሮም ፓትሪያሪክ ግብፂ ድማ ኽባራት ህያባት ለኣኹሎም፤ ንጉስ ዳግማዊ ዳዊት ግና ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ እትደልዮ ወርቂ ዘይኮነስ ጎይታ ዝተሰቐለሉ መስቀል ከምዝኾነ ገለፁሎም።

ስለዝኾነ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ግብፂ እቲ ግማደ መስቀል ምስ ኻልኦት ንዋየ ቅዱሳት ብምግባር ንኢትዮጵያ ሂባታ እያ።ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ግማደ መስቀል ኣብ ገዳም ግሸን ቤተክርስትያን እግዚኣብሄር ኣብ ይርከብ።

ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ በብዓመቱ መስከረም 16 እትድምሮ ደመራ ሃገራዊ ኣንደምታ ዘለዎ እዩ።እዚ ማለት ድማ በዓል መስቀል ደመራ ኣብ ዓለም ትካል ትምህርቲ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ተመዝጊቡ እዩ።

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ በዓል መስቀል ደመራ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዋና ከተማታትን ገጠራትን ብድሙቕ ዝኽበር ዓብዪ በዓል እንትኸውን ብፍላይ ኣብ ብሄረሰብ ጉራጌን ትግራይን ድማ ፍልይ ዝበለ ቦታ ከምዝወሃቦ ዝፍለጥ እዩ።

ሃገርና ኢትዮጵያ እስካዕ ሐዚ በዓል መስቀል ሓዊሱ ትሽዓተ ታሪኻዊ ቅርስታት ኣብ ዩኔስኮ ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ ፈላሚት ሃገር ከምዝኾነት ንፈልጥ ዶ?

ዓኾዓኾኻይ መስቀል ዓኾዓኾኻይ

መከራ ኽፍኣትና ውፃእ

ሰናይ ዘበን እቶ ኣሜን!

 ትርሓስ ፍቃዱ

ጋዜጣ ወጋሕታ 13 መሰከረም 2014

Recommended For You