
ኣነ’ውን ንኢትዮጵያ ወታደር እየ ብዝብል ውድድር ጉያ ክካየድ’ዩ
ኣብ ኦሎምፒክ መድረኽ ናይ መጀመርያ ሜዳልያ ወርቂ ብዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ንሃገራን ኣፍሪካን ዘመዝገበት ኮማንደር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብተለምዶ ኣያት ኣደባባይ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣደባባይ ብሽማ ተሰይሙ ከምዝምረቕ ተፈሊጡ ‘ዩ። ኣብቲ ምርቓት ዕለት ድማ ‹‹ኣነ’ውን ንኢትዮጵያ ወታደር እየ›› ዝብል መራሒ ሓሳብ ወድድር ጉያ ዝካየድ ከምዝኾነ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣፍሊጡ ‘ዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ካብ ዘለዉ ኣደባባይ እቲ ሓደ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ዝርከብ ኣያት ኣደባባይ ተጠቃሲ ‘ዩ። እዚ ኣደባባይ ድማ ንብዙሓት ኣብነት ዝኾነት ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ ተሰይሙ ‘ዩ።
ኣብ ባርሴሎና ኦሎምፒክ ብ10ሽሕ ሜትር ንኣፍሪካን ንሃገራን ናይ መጀመርያ ሜዳልያ ወርቂ ዝተሸለመት ደራርቱ፣ ብፀለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት’ውን ናይ መጀመርያ ኾይና ተጠቃሲት እያ። ብዙሓት ኣትሌታት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንሳ ከም መርኣያ ብምውሳድ ናብ ስፖርት ኣትዮም ውፅኢታዊ ኾይነን እየን። ካብ ኣትሌትነት ክሳብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ጉዳያት እትገብሮ ንቁሕ ተሳትፎ ጀግና ምዃና ኣመስኪራ እያ።
ብምዃኑ’ውን ክፍለ ከተማ ቅድሚ ኸዚ ኣያት ብዝብል ዝፍለጥ ኣደባባይ ‹‹ደራርቱ ኣደባባይ›› ብዝብል ተሰይሙ እዩ። ኣብ መፃኢ ሰንበት 16 መስከረም 2014ዓ.ም እቲ ኣደ ባባይ ክምረቕ እዩ።
ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ሻምበል ትዛዙ ውብሸት ኣብ ኦሎምፒክ 10ሽሕ ሜትሮ ናይ መጀመርያ ኣፍሪካዊት ባዓልቲ ዓወት ብምዃና ከምኡ’ውን ብተደጋጋሚ ብነዊሕ ርሕቐት ጉያ ብምዕዋት ዕንቁ ዝኾነት ደራርቱ፤ ንኣፍሪካ ከምኡ’ውን ንኢትዮጵያ ብርሃን ኾይና እትረአ ከምዝኾነት ገሊፆም እዮም። እዛ ኣትሌት ንምድናቕን ምኽባርን ከምኡ’ውን ንካልኦት ኣብነት ኾይና ንክትነብር እቲ ኣደባባይ ብሽማ ክፅዋዕ እዩ። እዚ’ውን እቲ ክፍለ ከተማን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ዝወሰዶ ስጉምቲ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።
ኣብቲ ዕለት ካብ ዝግበር ምርቃት ኣደባባይ መርሃ ግብሪ ብተወሳኺ ናይ ጉያ ውድድር ዝካየድ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ክፍለ ከተማ ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ ተገሊፁ እዩ። እቲ ጉያ ዝካየድ ‹‹ኣነ’ውን ንኢትዮጵያ ወታደር እየ›› ብዝብል መራሒ ሓሳብ እንትኾን፣ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይልን ኣባላት ምልሻን ድጋፍ ንምግላፅ ከምኡ’ውን ገንዘብ ብምስብሳብ ሓገዝ ንምግባር ዕላምኡ ገይሩ እዩ። መልዓሊኡን መወዳእታኡን ደራርቱ ኣደባባይ ዝገብር እቲ ጉያ 5ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ከምዝኾነ ‘ውን ተፈሊጡ እዩ።
ኣብቲ ጉያ 3ሽሕ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ንሰራዊት ምክልኻል ደጀን ከምዝኾኑ ንምርኣይ ዝሳተፉ እንትኾን ፣ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ክለባት ዝተወፃፅኡ ተፈለጥቲ ኣትሌታት ከምኡ ድማ ነባራት ስፖርኛታት ክሳተፉ እዮም። ኣብቲ ጉያ ንሰዓርቲ ዝኾኑ ኣትሌታትን ነባራት ስፖርተኛታትን ከምኡ’ውን ክፋል ማሕበረሰብ ብድምሩ ብር 100 ሽሕ ሽልማት ከምዝተዳለወ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ቤት ጽሕፈት ስፖርት ኣይተ ኣበበ ኣንሙት ገሊፆም እዮም። ብምኽንያት ኮቪድ ከምኡ’ብፀጥታ ተዳሒዙ ኣድላይ ቅድመ ጥንቃቐ ተገይሩ እዩ። ኣብቲ ጉያ ተሳተፍቲ ንምዃን ዘኽእል ቲሸርት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን፣ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ከምኡ’ውን ኣብቲ ክፍለ ከተማ ዘለዉ ወረዳታት
ብብር 500 ምርካብ ከምዝከኣል ተገሊፁ እዩ። በቲ ቲሸርት ሽያጭ ዝርከብ ገንዘብ ድማ ንሰራዊት ሓገዝ ከምዝኸውን ተፈሊጡ እዩ።ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ነቲ ጉያ ቴክኒካዊ ሓገዝ ብምግባር ተሳታፊ ኾይኑ እዩ። ናይቲ ፌዴሬሽን ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ወይዘሮ እታፈራሁ ገብሬ እቲ ክፍለ ከተማ ሓድሽ ብምዃኑ ብፍጥነት ተደራጅዩ መኸታ ሃገር ንዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንምድጋፍ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ኣመስጊነን እየን። እቲ ፌዴሬሽን ብሓፂር እዋን ተጣይሹ በጀት ሒዙ ካብ ዝነበሩ ፌዴሬሽናት ቀዲሙ ምርካቡ ከምኡ ድማ ነባራት ኣትሌታት ብምስታፉ ዘመስግኖ እዩ። ኣብ ቀፃሊ ድማ ቴክኒካዊ ሓገዝ ብምግባርን ሓቢርካ ብምስራሕን ዝቕፅል ከምዝኾነ ኣብሪሀን ።
ዋና ስራሕ ፈፃሚ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ኣይተ ኤሊያስ መሓመድ፣ እቲ ክፍለ ከተማ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምግባር ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ምስቲ ከተማ ፌደሬሽን ኣሌቲክስ ከምኡ’ውን በቲ ክፍለ ከተማ ብዝተወፃፅአ ኮሚቴ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም እዮም። ካብቶም ሓደ ዝኾነ ጉያ‹‹ኣነ’ውን ንኢትዮጵያ ወታደር እየ›› ብዝብል ንሃገሩ ህይወቱ ንዝህብ ሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ንምግባር ብሕብረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም እዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ጋዜጣ ወጋሕታ 13 መሰከረም 2014