‹‹ንሕና ሰዓርቲ ኢና ፣ ንክንስዕር እኹል ምኽንያት ኣለና››

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዝተፈላላዩ ወታደራዊ ታዕሊማት ምልምል ወታደራት እናተመረቑ’ዮም። ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንምምካት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ታዕሊም ኣብ መውሳድ ይርከቡ። ካብዞም ማእኸል ታዕሊማት ሓደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ታዕሊም ቡልቡላ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምልምል ወታደራት ኣመሪቑ ኣሎ። ኣብዚ ስነ ስርዓት ምርቓት ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዋና መተሓባባሪ ስራሕቲ ህንፀት ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌን መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ዝተረኸቡ እንትኾን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንሃገር ድሕንነትን ሉኣላውነትን ንምኽባር ክባሃል ሰራዊት ዝኸፍሎ መስዋእትነት ክብርን ምስጋናን ይግባእ ኢሎም እዮም።

ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ከምዝበልዎ፤ ሃገርና ኢትዮጵያ ናይዚ ዓይነት ፀገም እንትገጥማ ናይ መጀመርየኣ ኣይኮነን፣ ኹናት ናይ መጀምሪየኣ ኣይኮነን፣ እዚ ፍልይ ዘብሎ ሃገር ንምክልኻል ብሃገር ሃፍቲ ስልጠና ወሰዶም፣ ብሃፍቲ ሃገር ካብ ውሽጥን ወፃእን ሰልጢኖም፣ ቃለ መሓላ ፈፂሞም መሊሶም ሃገሮም ንምውጋእ ምስላፎም ፍሉይ ይገብሮ። ከምዚ ዓይነት ብርግፅ ኣብ ሰራዊት ስለተፈጠረ’ምበር ንወፃኢ ሓይልታት ብባንዳነት ንምግልጋል ኢትጵያን ብወራርቲ ንክትውረር ዝገብሩ ስነ ምግባር ዘይብሎም ሃገረይ ኢሎም ሃገር ዘይፈልጡ ባንዳታት ከምዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ እዋን ወረራ ጣልያን ንባንዳ ብምስላፍ ጣልያናውያን ናብ ሃገርና ኣትዮም ንክገዝኡና ተወለድቲ ሃገር ዓብዪ ግደ ሰሪሖም እዮም። ኾይኑ ግና ሃገር እትሕሎ ኣብቲ እዋን ዘሎ መናእሰይ ወይ ድማ ወለዶ ስለዝኾነ ኣብቲ ስዓት ዝነበረ ወለዶ ብጦርን ጉራዴን ብጣዕሚ ዘመናዊ ብዝኾነ መሳርሒ ዝተዓጠቐ ሰራዊት ጣልያን ብምስዓርፍ ኢትዮጵያ ብነፃነታ ተፈሪሓን ተኸቢርና ንክትነበር ገይሮምና እዮም። ኣብቲ ሰዓት ዝነበረ ባንዳ ልክዕ ከምዚ ሐዚ ንካልኦት ኣገልገልቲ ብምዃን ሃገር ንጥቕሚ ክባሃል ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ቃልሲ እዩ ነይሩ። ካልኣይ ዙር ወረራ ጣልያን እንተኾነ’ውን መሊሶም ተጠናኺሮም ኣብ ዝመፅሉ እዋን ኣብዝሓ ናይ ባንዳ ተወለድቲ ሃገር እዮም ነይሮም። እዚኦም ባንዳታት ብቃልሲ ስዒሮም ኢትዮጵያ ንኻልኣይ እዋን ነፃነታ ተኸቢሩ ህዝባ ብነፃነት ብሃገሮም ኾሪዖም ኽሳዶም ቅንዕ ኣቢሎም ንክኸዱ ኣኽኢሉና እዩ።

ሎሚ ህወሓት ዝባሃል ጁንታ ወይ ከዓ ግብረ ራዕዳዊ ሶማሊያ ንኢትዮጵያ ኣብ እትወረሉ ሰዓት ከም ኢትዮጵያውያን ምስ ኢትዮጵያ ጠጠው ምባል እንትግበኦም ምስ መንግስቲ ሶማሊያ ጠጠው ኢሎም ነይሮም። ኾይኑ ግና ናይቲ እዋን ወለዶ ወረራ ሶማሊያ ልክዕ ከምዚ ኸዚ ፃውዒት ተገይርሎም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ናብ ታዕሊም ከምዝኸዱ ኹሉ ኣብቲ ሰዓት ልዕሊ ሰለስተ ሚኢቲ ሽሕ ዝኾኑ ኣባላት ምልሻ ብዘመናዊ መሳርሒ ዝተዓጠቀ ሰራዊት ሶማሊያ ዓወት ገይሩ ንሳልሳይ እዋን ሉኣላውነት ኢትዮጵያን ህዝባ ብነፃነት ኾሪዖም ንክነበሩ ገይሮም እዮም።

ሎሚ ተመረቕትን ንሕና ወታደራትን ናይዚ ወለዶ መከላኸሊ ጋሻ ኢና። ሃገር ብምቅብባል እዩ ምክልኻል ዝካኣል። በዚ መሰረት ሎሚ ዝተመረቅኹም መልምል ወታደራት ፃውዒት እንትግበረልኹም ዓይንኹም ከይሓሰኹም ኣቦይን ኣደይን ከይበልም ባዕልኹም መስዋእቲ ንምዃም ሃገር ብምቕዳም ፃውዒታ ኣኽቢርኩም ኣብዚ ተረኺብኩም ኢኹም እሞ ክብርን ምስጋናን ይግበአኩም እዩ ኢሎም እዮም።

ሎሚ ዝገጠመና ኹናት እንፈልጦም ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ብባንዳነት ዝሰርሑ ኸዚ’ውን ባንዳ ኾይኖም ምስ ታሪኻዊ ፀላእትን ብምሕባር ፈጣሪ ዝሃበና ተፈጥራዊ ፀጋ ብዝግባእ ንከይንጥቀም ድኽነት ብዘምፀኦ ቃልሲ ነክንነብር ዝደልዩ ሓይልታት ወፃኢ ናታቶም ወኪሎም እናወግኡና ይርከቡ። ናትና ምድላው ነቲ ጁንታ ኣይኮነን፤ ናትና ምድላው ንሳቶም ንዝጋለብዎም ዘለዉ ገዛእቶም’ምበር እቲ ጁንታ ቐዲሙ’ውን ተሳዒሩ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዝነበረ መወዳእታ ዘይብሉ ጭቆና ምዝራፍ፣ ቕትለት ቐፂሉ ድማ ኢትዮጵያ እትባሃል ሀገር ሽማ እናፀዋዕና ከይንነብር ካብ ምግባሮም ንላዕሊ ናይ ባዕሉ ወታደር መሊሱ ዝተኮሰ እዚ ጁንታ ካብ ስልጣን ንክባረር ዝገበረኽምዎ ናይ ሎሚ ምልምል ተዓለምቲ ዝኾንኩም ንስኻትኩም ኢኹም። እቲ ጁንታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዚ ጭቆና ይኣኽለና ኢልኹም ብእምኒ ካብ ስልጣኑ ዝተባረረ ጁንታ እዩ። መጀመሪኡ’ውን ዝተሰዓረ እዩ ዝተብሃለ በዚ ምኽንያት እዩ። ብእምኒ ዝተባረረ ጁንታ ሎሚ መሳርያ ተዓጢቐ እየ ኢሉ ኢትዮጵያ ክብትና ኣይኽእልን ።ንሕና ሰዓርቲ ኢና፣ ንክንስዕር እኹል ምኽንያት ኣለና። ንሳቶም ኢትዮጵያ ክነፍርስ ኢና ይብሉ ኣለዉ፣ ናይቲ ጁንታ ዕላማ እዚ እዩ። ኢትዮጵያ ንምፍራስ ክሳብ ሲኦል’ውን እንተኾነ ንኸይድ ኢና ኢሎም እዮም። ናትና ኹናት ዕላምኡ ድማ ኢትዮጵያ ምፍራስ ኣይትኽእሉን እዩ። ንሕና ፍትሓዊ ዕላማ ኣለና እዚ ፍትሓዊ ዕላማ ዝተቐበለ ሚኢትን ዓሰርተን ሚልየን ህዝቢ ኣለና። ሃገርና ተኸላኸሉ ዝብሉ ንስኻትኩም ናብ ግንባር እንትመፁ መሪቖም ግንባርኹም ስዒሞም ዝላኣኽኹም ህዝቢ ኣሎ። እቲ ጁንታ ምስዚ ህዝቢ እዩ እናገጠመ ዘሎ ‘ምበር ምስ ዝኾነ ጉጅለ ኣይኮነን። ድኻታት እንተኾና’ውን እዚ ኹናት ከገልግል ዝኽእል ኢኮኖሚ ኣለና እዩ። ደጋፊ ህዝቢ ኣለና። በዚ ምክንያት ናይዚ ኹናት ሰዓርቲ ኢና። ብቁዓት ኣመራርሓ ኣለዉና፣ ሃገር ዝመርሑ ሰራዊት ዝመርሑ እዚ ኹናት ብዓወት ከምንስዕር ጥርጥር የብልናን።

ኣቱም ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ሰራዊት ምስ ታዓዋታይ ዝኾነ ሰራዊት እትፅንበሩ ስለዝኾነ ኹርዓትን ስምዒት ጅግንነት ክስመዐኩም ከምዘለዎ ክገልፀልኩም ይፈቱ። በዚ ድማ ኣብ ቀረባ ዓወት ገይርኩም ከምዝትመለሱ ባዓል ምሉእ ተስፋ እየ ኢሎም እዮም።

መራሒ ኢዜማ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብወገኖም 27 ዓመት ብኽፍኣት ዝመርሐ ጉጅለ ህወሓት ብኢትዮጵያውያን ዝተሓባበረ ቅልፅም ካብ ማእኸላዊ ስልጣኑ ምስተባረረ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተዘርገሐሉ ይቕርታ ኢድ ረጊፁ ሃገር ሓላውን ንሓድነትና ጠጠው ዝበለ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዘስካሕክሕ ግፍዒ ብምብፃሕ ናይ ገበን ኹሉ ገበን ዝኾነ ክሕደት ሃገር ምፍፃሙ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ቀሊል ዘይኾነ በሰላ ዘሕደረ እዩ። እዚ ትዕቢትን ሃገር ናይ ምፍራስ ሕልሚ ንከይሳኸዐሉ እናገበርኹም ዘለኹም ጀግና ምክልኻል ሰራዊትናን ህወሓት መጥቃዕቲ ኣብ ዘብፅሕ ዘሎ ቦታ ዘለኹም ኢትዮጵያውያን ኢኹም። ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዘብፀሖ ግፍዒ ዋግኡ ዝረኸበ እንተኾነ’ውን ንሰላም ሃገርን ሓድነትን ሓደጋ ምዃኑ ቀፂሉ እዩ። እዚ ጥፍኣት ሓይሊ ዘምፀአና ሓደጋ ምክልኻል ሰላምን ሓድነትን ሃገር ተሓልዩ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ማዕረ ዕድል ዝህብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብዝተሓባረ ቅልፅም ንምህናፅ ከምኡ’ውን ካብ ድኽነት ተርታ ንምውፃእ እንገብሮ ፃዕሪ ዕንቅፋት ኾይኑ እዩ ኢሎም።

መከላከያ ሰራዊት ጠጠው ዝበለ ንማንም ፖለቲካ ፓርቲን ብሄረን ከምዘይኾነ ንስርዓት ሕገ መንግስትን ንኹሉ ዜጋ ብምዃኑ ሎሚ ታዕሊሚኩም ዝወዳእኹም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝተውሃበኩም ሓላፍነት ብዓብይ ወታደራዊ ብቅዓትን ቁርፀኝነት ግቡኡኹም ከምትዋፅኡ ባዓል ሙሉእ ተስፋ እየ። ሎሚ ስልጣናኹም ዝዛዘምኩምን ኣብ መላእ ሃገርና ዘለኹም ሰራዊት ምክልኻል ሓይልን ንህይወትኩም ከይሰሳዕኹም ሀገር ተደፊራ ኢልኹም ህይወትኹምን፣ ቤተሰብኩም፣ ትምህርትኹም ሓዳርኹም መረበትኹምን

 ገዲፍኩም ካብ ዝተፈላላዩ ክፋል ሃገርና ተሰባሲብኩም ናይ ሓባር ፀላእትና ንምምካት ንዝተሰርሕዎ ስራሕ ዓብይ ክብሪ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።ኹናት ቀሊል ኣይኮነን ብዙሓት ዋጋ ዘኽፍል እዩ። ኽቡር ዝኾነ ህይወት ወዲ ሰብ ዝቐጥፍ እዩ፤ የመዛብል፣ ንብረት የዕኑ ኹሉ ሰብ ኹናት ንከይፍጠርን ክፅየፍን ይግባእ። ኾይኑ ግና ፀረ ሰላምን ሓድነትን ኾይኑ ዝተጣበቐ ኣካል ከምዘይምለስ ገይርካ ዋግኡ ምሃብ ግድን እዩ። ዝኾነ ፀገም ብሰላማውን ዘተን ተፈቲሖም ህዝቢ’ውን ሰራዊትና መስዋእትነት ዘይኸፍለሉ መገዲ ተፈቲሑ ተዝኸውን ነይሩ ሓጎስና ምኾነ። እዚ ዕድል ኣብ ሰራዊትና ብዝበፅሐ መጥቃዕቲ ንከይንረክብ ኾይኑ እዩ።

ኢትዮጵያ ዜጋታታ ዘይጭፍጨፉላን ዘይቕተሉላን ሃገር ንምግባር ናይ ኹላትና ቆራፅነት ኣድላይ እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ብርሃኑ፣ ሃገርና ዝገጠማ ፀገማት ምስግጋር እንትኽእል ናታትኩም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ዘለዎ ሓላፍነት ወሲድኹም ኢኹም። ንስኻትኩም መስዋእትነት ኸፊልኩም እተምፅእዎ ሰላም ሓድነትን እዩ ኹሉ ህ ይወቱ ምምራሕ ዝኽእል።

ስለዚ ደምኹም ኣፍሲስኹም ኣዕፅምትኹም ከስኺስኩም እተፅንሕዋ ሃገር ሓድነታን ሉኣላውነታን ተሓልዩ ንክፀንሕ ናይ ኹላትና ሓላፍነት ከምዝኾነ ተገንዚብና ዝተዋደቐላ ሃገር ሰራዊት ክብሪ ረኺቡ ንክንነብር ብሙሉእ ዓቕምና ክንሰርሕ ኢና። ሞይትኹም ስለ እተንብሩና ክነመስግነኩምን ክነኽብረኩም ንፈቱ ክብሉ ገሊፆም እዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ጋዜጣ ወጋሕታ 13 መሰከረም 2014

Recommended For You