ረብሓታት ብሪክስን ጉባኤ መራሕቲን

ኣብ 2006 ኣ.ፈ ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲን ቻይናን ጉጅለ ‘ብሪክ’ ዝብል ኣጣይሸን። ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ 2010 ኣ.ፈ ምስተፀንበረት ድማ እቲ ሽም ካብ ብሪክ ናብ ብሪክስ ተለዊጡ።ኢትዮጵያ፣ ግብፂ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድማ ካብ 1 ጥሪ 2024 ኣ.ፈ ጀሚረን ኣባል ብሪክስ ኮይነን ኣለዋ።

እቲ ጉጅለ ነተን ኣዝየን ወሳኒ ዝዀና ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ ብምምፃእ ንፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ምዕቡላት ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ምዕራብ ኣውሮፓን ንምምካትን ንምብዳህን ዝዓለመ ‘ዩ።ብሪክስ ከም ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ዝሓቖፈ ‘ዩ። ኣብ ኣህጉረን ፅልዋ ዘለወን ከም ደቡብ ኣፍሪካን ብራዚልን ዝኣመሰላ ሃገራት ‘ውን ይርከብኦ።

እቲ ስፍሓቱ ዝወሰኸ ጉጅለ ንኣስታት 3.5 ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ይውክል። እዚ ድማ ኣስታት 45 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ‘ዩ።ድምር ቁጠባ ኣባላት ሃገራት ልዕሊ 28.5 ትሪልዮን ዶላር ይግመት። እዚ 28 ሚእታዊት ቁጠባ ዓለም ይኸውን ኣሎ።ብሪክስ ንኢራን፣ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስለዝሓቖፈ 44 ሚእታዊት ዘይተፃረየ ነዳዲ ዓለም ዘፍሪ ጉጅለ ‘ዩ።

እቲ ጉጅለ ምዕራባውያን ሃገራት ከም ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝኣመሰሉን ንመንግስታት ‘ውን ልቓሕ ዝህቡን ኣገደስቲ ዓለምለኸ ትካላትን ከምዝቆፃፀራን ይምጉት።በዚ መንፅር፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት “ዝያዳ ድምፅን ውክልናን” ክህልወን ይደልያ።ብሪክስ ድማ ኣማራፂ ይኸውን ኣሎ፡፡

ኣብ 2014 ኣ.ፈ ሃገራት ብሪክስ መሰረተ ልምዓት ንምምዕባል ዝሕግዝ ገንዘብ ዘቕርብ ሓድሽ ልምዓታዊ ባንኪ ኣጣይሸን ‘የን።ኣብ መወዳእታ 2022 ኣ.ፈ ንሓደስቲ ፅርግያታት፣ድልድላት፣መስመራት ባቡርን ፕሮጀክትታት ቀረብ ማይን ዝውዕል ኣስታት 32 ቢልዮን ዶላር ንሃገራት ሂበን ‘የን።

ኣብዚ ዘመን መንግስታት ዝተፈላለያ ሃገራት ቁጠባዊ ዓቕሞምን ዕብየቶምን ብዘየገድስ፣ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ቁጠባዊ ብልፅግና ክዓብዩን ኩነታት መነባብሮ ህዝቦም ከማሓይሹን ዘኽእሉ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ፖሊሲታት ንምሕንፃፅን ንምትግባርን ዓብይ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ነዚ ድሌታትን ፃዕርታትን ኣብ ምምላእ ፖሊሲታት ሃገራት ብሪክስ ሓጋዚን ደጋፍን ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ንፉዓት ወከልቲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብምዃን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዓለም በሪ ናይ ምኽፋት ተራ ይፃወታ ኣለዋ። ብፍላይ ኣብ 2008 ኣ.ፈ ኣብ ኣባላት ሃገራት ብሪክስ ዘጋጠመ ፋይናንሳውን ቁጠባውን ቅልውላው ዘስዓቦ ኣሉታዊ ፅልዋ ምስ ምዕቡላት ሃገራት ክነፃፀር እንከሎ ብተዛማዲ ውሑድ ስለዝነበረ ገዛእ ርእሱ ፅልዋ ነይርዎ።

ጉጅለ ብሪክስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብፅሒት ዕዳጋ እናወሰኸ ብምምፅኡ፣ ሰፊሕ መሰረት ሃፍቲ ተፈጥሮኡ፣ ትሑት ወፃኢታት ጉልበትን ልዑል ናይ ወፍሪ ዓቕሙን ኣብ ቁጠባ ዓለም ፅልዋኡ እናዓበየ መፂኡ ‘ዩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ምሕዝነት ብሪክስ፣ ሃገራት ብሪክስ ኣብዚ ሐዚ ዘሎ ዓለማዊ ቁጠባዊ ሃዋህው ሓደስቲ ተቐዳደምትን ተወዳደርትን ንኽኾና ምቹው ሃዋህው ፈጢሩለን ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዓለም ምስተን ምዕቡላት ቁጠባታት ክነፃፀራ ከለዋ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ክምዝገባ ፀኒሐን፡፡ ኣብ ዓመታዊ ውሽጣዊ ፍርያት ዓለም፡ ኣህጉራዊ ንግዲን ቀጥታዊ ወፍሪ ወፃእን ዘለወን ብፅሒት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዓብይ ተራን ኣበርክቶን ይፃወታ ኣለዋ።

እዘን ሃገራት እዚኣተን ልዑል ዓቕሚ ዕብየት፣ ኣብ ዓለማውን ዞባውን ቁጠባዊ ንጥፈታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣገዳስነት፣ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባዊ ምሕደራ ዝውስኽ ፅልዋ፣ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓታትን ድሌታትን ሓዊሱ ናይ ሓባር ባህርያት ኣለወን። ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባዊ ጉዳያትን ምትእስሳርን ዘለዎም ፅልዋአን ከዕቢ ዝኽእል ምሕዝነት ብምፍጣር፣ እቲ ምሕዝነት ኣብ ዝምዕበላ ሃገራት ተስ ፋ ኮይኑ ኣሎ።

ብሪክስ ኣብ ዝምዕበላ ሃገራት ካብ ዘምፅኦ ረብሓታት፣ ነቲ ብናይ ምዕራባውያን ፖለቲከኛታትን ምዕራባውያን ሃገራትን ብተለምዶ ትካላት ብሬተን ዉድስን ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብን ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ዝምዕበላ ሃገራት ዝፍፀም ዘሎ ዘየድሊ ቁጠባውን ፖሊሲዊን ፀቕጢ ንምፍታሽ ኣማራፂ ሓይሊ ኮይኑ ምቕራቡ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ምግሃድ ብሪክስ ካብቲ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ኣብ ክንዲ ዝፈትሕ ብምርድዳእ ዋሽንግተን ዝፍለጥ ምዕራባውያን ቁጠባዊ ፅገና ዘስዓቦ ጉድኣት ንምህዳም ከም ውህበቶ ክውሰድ ይከኣል።

ብተወሳኺ ካብ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዝመፅእ ቀጥታዊ ወፍሪ ወፃኢ፣ ፖሊሲ ምትኽኻእ ኣእትዎት ኢንዱስትርያላይዜሽን ሃገራት ብሪክስ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ዓብይ መሳርሒ ኮይኑ ፀኒሑ ‘ዩ። ብተወሳኺ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝምዕበላ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዝገበርኦ ደገፍን ወፍርን ዋጋ ናይቲ ክህልወን ዝኽእል ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ኣብ ምዕባይን ብዝሓሸ ዋጋ ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ንምቕራብ ዓቕመን ኣብ ምዕባይን መተካእታ ዘይብሉ ተራ ተፃዊቱ ‘ዩ።

ካብ ሃገራት ብሪክስ ዝመፅእ ቀጥታዊ ወፍሪ ወፃኢ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ኢንዱስትርያላይዜሽን ተሞኩሮን ክእለትን ንኽረኽባ ቁጠባዊ ምዕባለ ንኽረኽባ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ዝኾኑ ናይ ሰደድ ኣቑሑት ንኽፈርያ ይሕግዝ ኣሎ።

ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዝምዕበላ ሃገራት ዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት፣ ዜጋታት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሃገራዊ ብልፅግና ብፍትሓውን ብማዕረን ክካፈሉ፣ ቅልጡፍ ምዕባለ ቴክኖሎጂ፣ ከምኡ’ውን ንመሃዚ ሃገራዊ ምዕባለ መንገዲ ዝፀርጋ ዘለዋ ሃገራት ‘የን።

ነዚ ንምትግባር ድማ ብቐፃሊ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወፍሪ ብምግባር፣ኣብ ኣማራፂ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ (ሃይድሮኤሌክትሪሲቲ፣ንፋስ፣ ፀሓያዊ ሓይሊ ወዘተ) ወፍሪ ብምግባር፣ ንቴሌኮሙኒኬሽንን ሓበሬታን ርክብን ብምድጋፍ፣ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕብየትን ሃገራዊ ቁጠባዊ ህንፀትን ንኽሰርሓ ምንጪ ሓይሊ ኮይነን ኣለዋ።

ሃገራት ብሪክስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለማዊ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ፋይናንስን ምሕደራን እናዓበየ ዝኸይድ ተራ ይፃወታ ኣለዋ። 45 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም፣ 28 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ኢኮኖሚ ይሕዛ። ስለዚ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየትን ኢንዱስትርያላይዜሽንን ሃገራት ኣፍሪካ ልዑል ኣወንታዊ ተራ ናይ ምፅዋት ዓቕሚ ከምዘለዎም ምፍላጥ ኣገዳሲ ‘ዩ። ሃገራት ኣፍሪካ ቁጠባዊ ለውጢ ዘኽእል ፖሊሲታት ቁጠባዊ ልምዓት ንኽሕዛ ኣርኣያ ካብ ምዃነን ብተወሳኺ ተራአን ከም ምንጪ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ደገፍ’ውን ይረአ።

ሃገራት ብሪክስ ኣብ ሕርሻ ኣፍሪካ ዝገብርኦ ዘለዋ ወፍሪ እታ ኣህጉር ርእሰ-ምኽኣል ምግቢ ንምዕዋትን ሕርሻ ዘመናዊ ንምግባርን እትገብርዎ ፃዕሪ ዝድግፍ’ዩ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንሕርሻዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ብቐፃሊ ይድግፋ ምህላወን፣ ንጥሜት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣፍሪካውያን ተበፃሕነት ምግቢ ንምዕባይ ዝሕግዙ ስትራተጂታት ምድጋፍ፣ ለውጢ ክሊማ ኣብ ሕርሻ ኣፍሪካ ዘስዕቦ ፅልዋ ንምንካይ፣ መሰረተ ልምዓት ሕርሻን መጓዓዝያን ምህናፅ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሕርሻ መንግስታዊን ውልቀን ምሕዝነት ንምምዕባል ከም ምልክት ይውሰድ።

ኢትዮጵያ ከም ኣባል ሃገር ብሪክስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ረብሓታት ክትሓፍስ ዘኽእላ’ዩ። ኣባልነት ብሪክስ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ፣ ፀጥታን ዲፕሎማሲን ዘለዎ ኣገዳስነት፣ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ቁጠባዊ ረብሓታት ከስተማቕር ዘኽእሎ በረኸት ኮይኑ ኣወንታዊ ውፅኢቱን ፍረኡን ንምርካብ ድማ ናይ መንግስትን ኩሎም ሃገራውያን ፖለቲካውን ቁጠባውን ተዋሳእቲ ምውህሃድን ምትሕብባርን ጥበብን ዝሓትት ‘ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሪዮ ዲ ጄኒሮ ኣብ ተኻየደ መበል 17 ጉባኤ መድረኽ ሰላም፣ ፀጥታን ዓለም ለኸ ኣመራርሓን ብሪክስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ዕዉት ምትሕብባር ንምኽኣል ዝበለፀ ምትእምማን ክብ ዘብሉ ዓለምለኸ ትካላት ናይ ምንባር ህፁፅነት ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብ ሓበራዊ ድሕንነትን ኩለ መዳይ ሓቛፊ ምዕባለን ንምምፃእ ዝሕግዝ ኣወሃህባ ውሳነ ኣወዳድበኦም ምሉእነት ብዘለዎ መገዲ ዝመሓየሸሉ ኩነታት ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣‹‹ብሉፅ ማዕርነትን ፍትሒን ዝዓሰለላ ዓለም ንምርካብ ምትእስሳርና ብዝበለፀ ነጠናኽር ብምባል ፣ሓበራዊ መድረኽ ብሪክስ ልምዓትን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ንምዕባይ ልዑል ረብሓ ኣለዎ›› ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብወግዒ ናብ ብሪክስ ዝተፀንበረትሉ ኣብ 2015 ዓ.ም እንትኸወን፣ኢኮኖሚያዊ ሕውነት ጥራሕ እንተይኮነስ ፍትሓዊ ዝኾነ ማዕርነት ዝነግሰሉ ብዝሃ ዋልታዊ ዓለም ንምፍጣር ፃዕሪ ካብ ዝገብራ ሃገራት ብማዕረ ብርኪ ዝተሳተፈትሉ ኣኼባ ‘ዩ ኢሎም።ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ብዘለዋ ኣባልነት ነቶም ፃዕሪታት ነክዕወቱ ብፍላይ ኣብ ዓለምለኸ ውሳነ ወሃብቲ መድረኻት ንሓደሽቲ ዕዳጋታትን ኣብ ምዕባይ ንዘለዋ ሃገራትን ሰፊሕ ውክልና ብዝርከበሉ ኩነታት ብንቕሓት ኣስተዋፅኦ ከምእትገብር ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ(ዶ/ር) ናይ ብሪክስ እናማዕበለ ዝመፅአ ፅዕንቶ አንትገልፁ ድማ፣ ብሪክስ ካብ ጠንካራ ሓዱሽ ሓሳብ ብምብጋስ ንዓለምለኻዊ ለውጢ ዝሰርሕ ብርቱዕ ሓይሊ ናብ ምዃን ተሸጋጊሩ ‘ዩ ኢሎም። ሓደሽቲ ኣባላት ብምውሳኸን ሓበራዊ ድምፅታት ብዝበለፀ ክጠናኸሩ ‘ዮም፤ ሓበራዊ ዕላማና ‘ወን ብዝበለፀ ክፀሪ ‘ዩ፤ ዓቕምና ክሰፍሕ ‘ዩ ምባሎም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ ኣሎ።

ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ብሪክስ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘተ ብምክያድ ዘሎ ምትሕብባር ዘጠናኽሩ ዘተታት ተኻይዶም ክብሉ ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዴዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ይገልፁ።

ኣብቲ ዘተ ምስተን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ርክብን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ዘለዋ ቅዋም ድልየትን ተረዲኦም ክሕግዙ ንምርድዳእ ፅቡቕ ዕድል ምፍጣሩ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ደ ሲልቫ ናይታ ሃገር ምትሕብባር ንምጥንኻር ምዝታዮም ብምሕባር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ምዕባይ ኣብ ዝኽኣልሎም ጉዳያት ዘቲና ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያን ዞባዊ ዘሎ ህልው ኩነታት፣ ኣንፈትን ፖሊሲን ብግቡእ ንክርድኡ ብምግባር ፅቡቕ ዕድል ከምዝፈጠረ ‘ውን ኣረዲኦም። ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ሊ ኪያንግ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዝተፈጠረ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝሕግዙ መንገድታት ከምዝዘተዩ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ቻይና ኣብ ኢኮኖሚ ውሽጢ ዘለዋ ኣወንታዊ ግደ እተጠናኽረሉን ኣብ ማዕቀፍ ክለብ ፓሪስ ሽግሽግ ዕዳ ንኢትዮጵያ ንክኾን ዘካየደቶ ልዑል እጃም ኣብ ዝጠናኸረሉ ኣግባብ ዘትዮም። ሊ ኪያንግ ብግዲኦም፣ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና እትሰዶ ፍርያት ቡን ብልዑል ኩነታት እናወሰኸ ምምፅኡ ምግላፆም ጌዲዮን (ዶ/ር) ኣረዲኦም።

ካብዚ ሓሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከምዝተማኸሩ ገሊፆም። ሲሪል ራማፎሳ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ልዑል ግደ ከምዝተፃወቱ ኣረዲኦም፤ እቲ ግድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሖ ብርኪን፣ምዝዛሙን ብዝምልከትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያትን ዘትዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ሓምለዋይ ዓሻራ ንምህናፅ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብሪክስ ኣፍልጦ ሂቡ ክብላ ድማ ሚኒስትር ልምዓትን ትልምን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ይገልፃ።

ሚኒስተር ልምዓትን ፕላንን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) እቲ ልዑኸ ኣብ እቲ ጉባኤ ዝነበሮ ተሳትፎ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፣እቲ ጉባኤ ዓለም ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር በቲ ዝድለ ዓቐን ምላሽ እናሃበ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዞባን ንኣወንታዊ ድልየት ኣፍሪካን ጥንኩሩን ግልፅን ቅዋም ከምዘለዎ ሓቢረን ። ኣብ ጉባኤ ብሪክስ ንለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ምህናፅ ኣድላዪ ምዃኑ ብወገን ኢትዮጵያ ኣፅንኦት ተዋሂቡዎ ‘ዩ ኢለን።

እተን ሚኒስትር ኣብ መብርሂአን፣ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ልዑል ፅዕንቶ ብምሕዳሩ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብቲ ጉባኤ ተገሊፁ ‘ዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ስራሕቲ ሓለዋ ደኒን ከባቢን ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ኣቢሉ ብልዑል ደረጃ ትሰርሐሉ ከምዘላ ብምግላፅ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ቁርፀኛ ብምዃን ነቲ ተግባር ብፋይናንስ ንክድግፍ ተሓቲቱ ‘ዩ ኢለን።ኣባል ሃገራት ብሪክስ ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ብምሃብ መዝታየን ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ‘ውን ተዛሪበን።

ፅዕንቶ ካባቢያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣባል ሃገራት ብሪክስ ምትሕብባር ቴክኖሎጂን ፋይናንሰን ንክገብራ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ብምግላፅ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ከይዲ ተረባሒት ክትከውን ‘ያ ኢለን።

ኢትዮጵያ ኣብ ተሓዳሲ ፍልፍል ሓይሊ ልዑል ስራሕ ትሰርሕ ከምዘላ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፣ ካብ ሃገር ብተወሳኺ ንካልኦት ዝኸውን ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።እቲ ግድብ ፍልፍል ተሓዳሲ ሓይሊ ክብ ኣብ ምባል ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ምዃኑ ይገልፃ።

ህንፀት ኣማራፂ ሓይሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ተቓላዕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምንካይ ብምዃኑ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምስሓብ ተረባሒ ምዃን ከምዘኽእል ኣብሪሀን።ማሕበረሰብ ዓለም ቁርፀኛ ብምዃን ነቲ ተግባር ብፋይናንስ ንክድግፍ ተሓቲቱ ‘ዩ።ኣባል ሃገራት ብሪክስ ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ብምሃብ ምዝታየን ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ‘ውን ይዛረባ።

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ብሄራዊ ረብሓኣን ንመትከል ዘይሻራውነታን ኣማኺላ ቅዋማ ብዝግባእ ኣንፀባሪቓ ‘ያ፤ተሳትፎ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ወፅኢታዊ ምንባሩ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፥ ብፍላይ ድምፅን ተሳትፎን ኣፍሪካ ኣብ ኩለን ትካላት ክረጋገፅ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም ኢሎም። ኢትዮጵያ ነዊሕ ታሪክ ዘለዋ፣ ስልጣነ፣ብዝሃ ባህሊ ዘለዋ ምዃና ብምግላፅ፣ ማሕበራዊ ልምዓት ክብ ንምባል ብምትሕብባር ምስራሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ብምዃኑ ንርክብ ሃገራት ደቡብ ምጥንኻር ከምዘለዋ ምግላፆም ሓቢሮም።

ከምኡ’ውን እቲ ጉባኤ ጉዳይ ፋይናንሰን ኢኮኖሚን ብፍላይ ሓዱሽ ባንኪ ልምዓት ብሪክስ ዘጠናኽረሉን ንልምዓት ሃገራት ፈንድ ዝግበረሉ ኩነታት ክመቻቸው ከምዘለዎ ምቐራቡ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብሪሆም።

ብብርኪ ዓለም ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንሰን ልቓሕን ንምፍታሕ ከምዚ ዓይነት ኣማራፂታት ኣድለይቲ ምዃኖም ኢትዮጵያ ብዕቱብ ከምእትሰርሕ ምግላፆም ተዛሪቦም። ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ምምሕዳር ዲጂታልን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ፤ ኢትዮጵያ ዕድላትን ስግኣታትን ዲጂታል ዓለም ከምዘለዎ ብምርዳእ ዕድላት ብምስፋሕን ስግኣታት ብምንካይን ብምትሕብባር ምስራሕ ከምትደሊ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪባ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዓለም ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብነት ዝኾኑ ስራሕቲታት ካብ ምስራሕ ሓሊፋ ናብ ተግባር ኣሽሪፋ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብ እቲ መድረኽ ፀሪሓ። ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፣ ኣብ መብርሂኦም፥ ተሳትፎ ጉባኤ ብሪክስ ብሓፈሻ ወፅኢታዊ ምንባሩ ኣረዲኦም ።

ኣብ ሪዮ ዲ ጄኔሪዮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ውድብ ኢንዶኔዥያ ስሩዕ ኣባል ብሪክስ ኾይና ተሓዊሳ።ቤላሩስ፣ ቦሊቪያ፣ ካዛኪስታን፣ ማሌዢያ፣ ናይጄሪያ፣ ኩባ፣ ቬትናም፣ ኡዝቤኪስታን፣ ኡጋንዳን ታይላንድን ዝሓቖፋ 10 ሃገራት መዳርግቲ ሃገራት ብምዃን ናብቲ ጉጅለ ተሓዊሰን ኣለዋ ክብል መግለፂ ብሪክስ የመልክት።

ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You