ብጥሜት ህዝቢ ጠላዕ ዝፃወት ሓይሊ

ራዕዳዊ ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ በምፍፃም ኩናት በምውላዕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅልቅላው ኣትዩ’ዩ። እቲ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብምስፋሕ ህዝብታት ኣብ ፀገም ንክኣትው ገይሩ እዩ። ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ዜጋታት ተመዛቢሎም’ዮም። ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት’ውን ጠጠው ኢሎም ‘ዮም።

ኵናት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ክህልው’ዮም ኢልካ ኣይሕሰብን። ራዕዳዊ ህወሓት ድማ ንህዝቢ ትግራይ ንምጥማይ እናሰርሐ’ዩ። ከም ኣተሓሳስባ ህዝቢ ትግራይ ብድሌት ራዕዳዊ ህወሓት ክጎዓዝ እንተኾይኑ ክጠሚ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ እንተጠምዩ ‘ዩ ዝእዘዘኒ ዝብል ዝተጋገየ ኣተሓሳስባ’ዩ ዘለዎ።

ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ፀጊቡ እንተሓዲሩ እሺ ኢሉ ኣይእዘዘለይን ኢሉ እዩ ዝሓስብ። ነዚ ‘ውን’ዩ ኣብ ዓፋር መንገዲ ብምትዕንቓፍ እኽሊ ከይሓልፍ እናኸልከለ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ክመውት እናገበረ’ዩ። ደቕኹም እንድሕር ዘይትህቡ ረድኤት ዝበሃል ኣይትወሃቡን’ውን ይብሎም ኣሎ። ራዕዳዊ ህወሓት ጥሜት ከም መሳሪሒ ኲናት ብምጥቃም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓለም ማሕበረሰብ ክውቅስ ምእንቲ’ዩ። ናይ መንግስቲ ዲፕሎማሲያዊ ርክቡ ንምብልሻው እዩ። ስለዚ እዚ ሓይሊ ብጥሜት ህዝቢ ጠላዕ ዝፃወት ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ’ውን ንዓርሱ ካብዚ ሓይሊ ሓራ ከውፅእ ይግባእ።

ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ባዕሉ እናተዓናቐፈ ‹‹ኣነ ኣይከልከልኩን መንግስቲ እዩ ከልኪሉ›› እናበለ ክሳብ እኒ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብሉ እናሰርሐ’ዩ። ከምኡ ‘ውን‹‹ንህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይኣቲ ዝገብር ዘሎ መንግስቲ ፌዴራል እዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምውዳእ ስለ ዝደሊ ዓፅይዎ ዝኒሀ›› እናበለ ንምትላል እዩ። ዕላማኡ ህዝቢ ትግራይ ድማ በዚ ተታሊሉ ኣብ ጎኒ ህወሓት ምእንቲ ጠጠው ክብል እዩ። ኮይኑ ግና ናብ ትግራይ ረድኤት ፅዒነን ካብ ዝኣተዋ ናይ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም 466 መኻይን ዝተመለሳ 38 መኻይን ጥራሕ እየን። እዚ ድማ 428 መኻይን ኣይተመለሳን ማለት’ዩ። እዘን መኻይን ተመሊሰን ረድኤት ፅዒነን ናብ ትግራይ ከይኸዳ ገይሩ’ዩ። በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንክጠሚ እናገበረ ይርከብ።

 ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ክብሪ ዝበሃል የብሉን። ኮይኑ ግና መንግስቲ ፌዴራል ብህዝቢ ትግራይ ክፅላእ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ከምኡ ‘ውን ብናይ ደገ ኣዘዝቱ ገይሩ ምስሊ ሃገር ብምጥፋእ ዲፕሎማሲ ንምብልሻው ይሰርሕ ኣሎ። ንዚ ድማ ጥሜት ከም መሳሪሒ ኲናት ተጠቒሙ ጠላዕ እናተፃወተ ይርከብ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ትግራይ እናሃለወ’ውን ረድኤት ንህዝቢ ንከይበፅሕ የተዓናቕፍ ነይሩ’ዩ። በዚ’ውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ንክኣቱ ገይሩ ኣሎ።

ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ህዝበይ ዝብሎ ህዝቢ ትግራይ ኾነ ጎረባብቲ ክልላት ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ኢትዮጵያውያን ቦታ ዘይብሉን ራዕዳዊ ጉጅለ እዩ። ካብዚ ዝተልዓለ’ውን ናይ መወዳእታ ሞቱ ቐሪቡ ኣሎ። መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝተነፀለ ከምዝኾነን ብምፍላጥ ህዝቢ ከይተጎድአ ብዝመፅኦ ኣግባብ ብዝተጠናኸረን ብዝሓፀረ ኩነታት ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ። በቲ ጉጅለ ፕሮፖጋንዳ ተታሊሎም እናደገፍዎ ዘለዉ መናእሰይ’ውን ካብዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ምንፃል የድሊ።

ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብዚ ኸዚ ገዛ ንገዛ እናዞረ ብሃገር ምብታን ስራሕ ኣይተሓባበርኩምን፣ ኣይደገፍኩምን ዝበሎም ሰባት እናኣሰረን እናገላተዐን ኢሉ’ውን እናቐተለ እዩ፣ እዚ ድማ ተሳዓራይነቱ ዘርእይ ‘ዩ። ኣብዚ ሰዓት ኣብ ክልል ትግራይ ስርዓት ኣልቦነት ኣሎ። ህዝቢ ብግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ብኣምባገነንነቱ ሰባት ናብ መከራን ስቓይን እናእተወ’ዩ። እናጥመዮ’ዩ።

ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኹናት እንትውልዕ ከምዚ ሐዚ በይኑ ዝተርፍ ኣይመሰሎን ነይሩ። ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን፣ ኦሮሞን ሶማሌን ሓደ ምስ ሓደ እናናኸሰ ደጋፊ ዝበዝሖን ኣብ ሃገር ዝተጠናኸረ ተግባር ራዕዲ እናፈፀመ ሃገር ከፍርስ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኾይኑ ግና እንኳዕ ካልእ ብሄር ብሄረሰባት ይትረፍ ትግራዎት ባዕሎም ጥሜት ህዝቢ ከም ጠላዕ እናተጠቐመ ስለዝኾነ እምቢ ብምባሎም ኣብዚ ኸዚ በይኑ ተሪፉ ኣሎ። ጥሜት ህዝቢ ከም ጠላዕ ዝፃወት ሓይሊ ደማ ዕድመ ኣይህልዎን።

Recommended For You