‹‹ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ንሃገሮም ዘርኣይዎ ምልዕዓል ዝድነቕ እዩ›› – ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ንሃገሮም ዘርኣይዎ ምልዕዓል ዝድነቕ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ወድዓዊ ፈተና ኢትዮጵያ፤ ዓቕምን ተስፋን ብሙዚቃታቶም ኣርእዮምና እዮም፤ ኣብ ሓፂር እዋን ብናይ ወፍሪ መንፈስ ተኣኻኺቦም ‹‹ንኢትዮጵያ›› ን‹‹ቢያ ኮ››ዝተብሃሉ ኽልተ ኣልበማት ሰሪሖም ኣቕሪቦም እዮም፤ ነቲ ስራሕቲ ዘሳኽዑ ደረስቲ ግጥምን ዜማን፣ መቀናበርቲ ሙዚቃ፣ ድምፃውያን፣ መተሓባበርትን ኻልኦትን ኢትዮጵያ ተመስግኖም እያ ኢሎም እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፡፡

መቀናበሪ ሙዚቃ ካሙዙ ካሳ ንኣዲስ ዘመን ከምዝበሎ፤ ‹‹ትሕዝቶ ናይቶም ኣልበማት ሙዚቃ ብዛዕባ ሓድነት ኢትዮጵያን ሰላምን ዝሰብኩ እዮም።እቶም ኣልበማት 28 ደርፍታት ዝሓዙ እንትኾኑ፤ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተደረፉ እዮም፤ ብኣምሓርኛ ብኦሮምኛ፣ ብትግርኛ፣ ብወላይትኛ፣ ብጉራግኛን ብኻልኦት ብሄራትን ዝተደረፉ እዮም፡፡

‹‹መብዛሕትኦም ሙዚቃታት ዘቀናበርክዎም ኣነ እየ›› ዝበለ ካሙዙ፤ ኣቤል ጳውሎስ፣ ጊልዶ ካሳ፣ ሚኪ ሃይሉ፣ ኣበጋዝ ክብረወርቅን ኻልኦትን ከምዝተሳተፉ ‘ውን ተዛሪቡ፡፡ከም ገለፃ ካሙዙ፤ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ድምፃውያን ኣብ ቐረባ ህይወቱ ዝሓለፈ ኣለማየሁ እሸቴ እንትኸውን፤ ፀጋዬ እሸቱ፣ ንዋይ ደበበ፣ ኣብነት ኣጎናፍር፣ ብሩክታዊት ጌታሁን፣(ቤቲ ጂ) ስለሺ ደምሴ (ጋሸ ኣበራ ሞላ)፣ ኣቡሽ ዘለቀ፣ ኣቤል ሙሉጌታ፣ ኣስጌ ዴንዴሾን ኻልኦትን እዮም።እቶም ደርፍታት ብኣውታር ሚዲያ ክድመፁ እዮም ኢሉ፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ

1 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You