በዓል ኣሸንዳ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ብድምቀት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣሸንዳ በዓል ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምዃኑ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘለዋሉ ቦታ ብሙሉእ ናፅነት ከምዝተኸበረ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ዶክተር ሂሩት ካሳው ገሊፀን፡፡

መፍለይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝኾነ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ወዳጅነት እንትኽበር ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ዶክተር ሂሩት ካሳው ከምዝገለፀኦ፣ ኢትዮጵያ ኣዝዮም ብዙሓት ዘደንቑ ባህልታትን እሴታትን ዘለውዋ ዝተደንቕ ሃገር ስለዝኾነት፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ባህላዊ እሴታት መስሕብ ቱሪስት ንክኾኑ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ኢለን፡፡

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ብርቂ ባህልታት ሓደ ኾይኑ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣደባባይ ሕውነትን ፍቕርን ዝሰብኻሉ ፍሉይ በዓል እዩ ዝበላ እተን ሚኒስቲር፤ ኣሸንዳ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ በዓል ስለዝኾነ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝነብራሉ ከባብታት ኹሉ ብናፅነት ከምዝተኸበረ ገሊፀን፡፡ኣፍቲ ምድላው ዝተረኸባ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝተዛረብኦ፤ በዓል ኣሸንዳ ልዕሊ እዚ ትኹረት ተዋሂብዎ ኢኮኖሚ ናይዛ ሃገር ክድግፍ ይግባእ፡፡ እቲ ባህሊ ካፍቶም ብርቂ ባህልታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ እንትኸውን ካብ ወለዶ ብምቅብባል ኣብዚ ከምዝበፅሐን ልዕሊ እዚ ሓለዋ ክግበረሉ ይግባእ ኢለን፡፡

ፕረዚዳንት ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵጵያ ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ብወገነን፤ ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ካብ ወለዶ ዝተወረሱ ስለዝኾኑ ኣድላዪ ትኹረት ክግበረሎም ይግባእ ኢለን፡፡ወይዘሮ መኣዛ ‹‹ኢትዮጵያውያን ዘይንፈላለይ፤ ዝተዋለድናን፤ ዝተዋሰብናን ከምኡ ‘ውን ተወራራሲ ባህሊ ዘለናን ሓደ ደም ዘለና ህዝብታት ኢና›› ክብላ ተዛሪበን፡፡ በዓል ኣሸንዳ ድማ ሓደ መርኣያ ምትእስሳር ህዝብታት ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ

1 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You