‹‹ሱዳን እትኽተሎ ዘላ ኣካይዳ ኣግባብነት ዘይብሉን መፃኢ ረብሓን ርክብን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን››ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ኣብ ሱዳን ባዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ

መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ሱዳን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ ኣካይዳ ኣግባብነት ዝጎደሎን መፃኢ ረብሓን ርክብን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወ ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ሱዳን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ይበልጣል ኣእምሮ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ይበልጣል ምስ ምስንዳእ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ቓለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ምሁራን፣ ሰብ ሞያ ከምኡ ‘ውን ኣብ ናይ መንግስቲ ስልጣን ዘለዉ ሓለፍቲ ግድብ ህዳሰ ንህዝቢ ሱዳን ዝህቦ ጥቕሚ ልዑል እናሃለወ ብኣንፃሩ ግና ቕዋም መንግስቲ ሱዳን ግጉይ ኣካይዳ እዩ ዝኽተል ዘሎ።

ከም ገለፃ ኣምባሳደር ይበልጣል እቲ ግድብ ንሱዳናውያን ኣዝዩ ልዑል ረብሓ ኣለዎ። ገሊኦም ምሁራት እቲ ግድብ ልክዕ ኣስዋን ንግብፃውያን ዝህቦም ጥቕሚ፤ ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሰ ከትሃንፆ ከላ ረብሓ ሱዳናውያን ኣብ ግምት ውሽጢ ብምእታው እዩ። ሱዳናውያን ወፃኢ ከየውፅኡ ካብ ግድብ ህዳሰ ተጠቐምቲ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ሱዳን ሕዚ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ካብ መስመር ዝወፀን ካሊእ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ይበልጣል፣ እዚ ባህጊ ህዝቢ ተይኮነስ ድሌት ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ግድብ ንሱዳን ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ። መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምስምዕማዕ ብሰላም ክፈትሖ ኣለዎ።ኢትዮጵያ ጎንፂ ኣይትደልን እያ፤ እቲ ግድብ ንኹሉ ከምዝጠቅምን ጉዳይ ዶብ እውን እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ እዩ ዝብል ቕዋም ሒዙ እናተንቐሳቐሰ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ብምኽንያት ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ 20 ሚልዮን ዝኾን ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ ዝብል ሰፊሕ ግጉይ ሓበሬታ ዋላ እንተሃለወ፣ እቲ ህዝቢ ግና ቕድሚ ሕዚ ዝንገሮ ዝነበረ ረብሓ እቲ ግድብ ይርደኦ እዩ ኢሎም።

ሓደ ሓደ ሞያተኛታትን ጋዜጠኛታትን እታ ሃገር ትማሊ ግድብ ህዳሰ ንህዝቢ ሱዳን ዝጠቕም ምዃኑ ትዛረቡ ነይርኩም፣ ሕዚ ግና ስለ ጉድኣት ዝግለፀልና ዘሎ ብምንታይ ምኽንያት እዩ ብምባል ሰበ ሰልጣን ሱዳን ነቐፌታታት እናበፅሖም እዩ ክብሉ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

መንግስቲ ሱዳን ቕዋም ለውጢ ከምፅእ ከሎ ካልእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ከምዘሎን ቐዋሚ ረብሓታትን ክልቲኦም ህዝቢ ዘይምግንዛብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዝምልከት ብወገን ሱዳን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘልዕልዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ኣይሃበናን ክህበና’ውን ድሌት የብሉን ብምባል ክወቕሱ ከምዝረአዩን እዚ ወቐሳ ድማ ትኽክል ከምዘይኮነ ተዛሪቦም።

ድሕንነት እቲ ግድብ’ውን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ስለ ዝኽእል ቐያዲ ስምምዕ ክብፃሕ ኣለዎ ዝብል ቕዋም ከምዘለዋ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ይበልጣል፤ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንሱዳን ዝሓቦ ሓበሬታ ኸም ዘየለን ድሕንነት እቲ ግድብ ብሰብ ሞያተኛታት እናተራጋገፀ ኩሉ ግልፅነት ብዝተመልኦ ኩነታት እናሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ቐፃሊ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝምልከት ዝገልፅ ሓበሬታ ከምዝበፅሖምን እዚ ሱዳናውያን ብኣወንታዊ መልክዕ ክምልከትዎ ይግበኦም ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You