ኣብ ሓደ ውድድር ብሓደ ኣትሌት ሰለስተ ክብረወሰን

ኩባንያ ኣምራቲ ስፖርታዊ ዕጥቂ ኣዲዳስ ‹‹ኣዲዜሮ›› ብዝብል ሽም ዝምውሎም (ስፖንሰር ዝገብሮም) ኣትሌታት ኣብ ፅባሕ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ጎዳናታት ውድድራት ኣነሓኒሑ’ዩ።ብ 5ን 10 ኪሎ ሜትሮ ከምኡ’ውን ብፍርቂ ማራቶን ርሕቐት ፈጣን ሰዓት ንምምዝጋብ ኣብ ተገበረ ውድድር 23 ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተሳተፍቲ ኮይኖም ‘ዮም፡፡

ኣብ 2015 ናይ ዓለም ቻምፒዮና ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ ናብ ብሩር ሜዳልያ ሰዓሪት ኣትሌት ሰንበሬ ተፈሪ ብ5 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝገበረቶ ናይ ጎደና ውድድር ናይ ዓለም ክብረወሰን ብምምሕያሽን ብምስዓርን ሓዱሽ ዓመት ተቐቢላ እያ።ብኢትዮጵያዊያን ልዕልነት ኣብ ተዛዘመ ውድድር ሰንበሬ ንቲ ርሕቐት 14፡29 በዝኾነ ሰዓት ክብረወሰን ኣመሓይሻ ውድድራ ብዘደንቕ መገዲ እንትትዛዝም፣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ኬንያ ኣብ ተኻየደ ናይ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ቻምፒዮና ብ3 ን ብ5 ሽሕን ሜትሮ ናብ ብሩርን ንሓስን ሜዳልያ ዝወነነት ኣትሌት መልኬናት ውዱ በ25 ሰከንድ ኣፈላላይ ብምእታው ካልአይቲ ኮይና ዛዚማ።ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ንግስቲ ሃፍቱ ድማ 14፡54 በዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሳልሰይቲ ኮይና ዛዚማ ኣላ፡፡

ቅድሚ ሽዱሽተ ሰሙን ኣብ ቶክዮ ኦሊምፒክ ብሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ሻድሻይ ደረጃ ሒዛ ዝዛዘመት ሰንበሬ ኣብ ፅባሕ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ዝገበረቶ ሓደ ናይ ጎደና ውድድር ክልተ ክብረ ወሰን ዓለም ኣብ ኢዳ ኣእትያ እያ።ናይ መጀመሪያ ክብረ ወሰን በኬንያዊት ቢትሪስ ቺፕኮይች በ14:44 ተዳሒዙ ዝነበረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ክብረወሰን ዓለም እንትኾን፣ እቲ ካሊእ ድማ በትውልደ ኢትዮጵያዊት ናይ ኔዘርላንድስ አትሌት ሲፋን ሓሰን በደቂ ተባዕትዮ ኣጓየይቲ ተሓጊዛ ዝሰበረቶ 14:43 ሰዓት እዩ።ካብዚ ብተወሳኺ ሰንበሬ ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብ ታሪክ እቲ ርሕቐት ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ካብተመዝገቡ ፈጣን ሰዓታት ቐዳማይ ኮይኑ ኣሎ።እዚ ኣብቲ ርሕቐት ክብረወሰን ምምዝጋብ ቅድሚ ምጅማሩ ኬንያዊት ጆይስሊን ጂፕኮስጌ ካብ ዘመዝገበቶ 14:32 ሰዓት እቲ ዝቐልጠፈ ሰዓት’ዩ።‹‹ብጣዕሚ ተሓጉሰ›› እየ ብምባል ድሕሪ እቲ ዓወታ ርእይቶኣ ንመራኸቢ ሓፋሽ

 ዝሃበት ሰንበሬ ድሕሪ ቶክዮ ኦሎምፒክ ንዚ ክብረወሰን ዓለም ንምምሕያሽ ተዳልያ ምንባራ ተዛሪባ፡፡ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ተኻደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 10 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ብዓል ቤት ክብረወሰን ዓለም ዝኾነ ኣትሌት ሮኔክስ ኪፕሩቶ26፡43 ብዝኾነ ሰዓት ሰዓራይ ኮይኑ ኣሎ።እዚ’ውን ኣብ ታሪኽ እቲ ርሕቐት ራብዓይ ፈጣን ሰዓት ተመዝጊቡ ኣሎ።ኣብ ኬንያ ኣብተኻደ ትሕቲ 20 ዓመት ቻምፒዮና ዓለም ብ3 ሽሕ ሜትሮ ወርቂ ዘጥለቐ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታደሰ ወርቁ 26፡56 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ ኮይኑ እንትዛዝም ዘመዝገቦ ሰዓት ናይ ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዕድመ ክብረወሰን ኮይኑ ኣሎ።ኬንያዊ ኬኔዲ ኪሙታይ 27፡09 በዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ 5ሽሕ ሜትሮ ውድድር ጃኮብ ክሮፕ 13:06 ሰዓት ቐዳማይ ኮይኑ እንትዛዝም፣ ናይ ክልተ ናይ ዓለም ቻምፒዮናታት ሰዓራይ ሙክታር ኢድሪስ ሰለስተ ሰከንድ ደንጉዩ ካልኣይ ኮይኑ ኣሎ።ዩጋንዳዊ ሆሴ ኪፕላንጋት ድማ 13፡13 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያዊ ኦሎምፒያን ዮሚፍ ቀጄልቻ ንቲ ውድድር ኣቋሪፁ ወፂኡ’ዩ፡፡

ብልዕልነት ኬንያዊያን ኣትሌታት ዝተዛዘመ ናይ ደቂ ኣነስትዮ 10 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ኣግኒስ ቲሮፕ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ጥራሕ ዝኾነ ናይ ዓለም ክብረወሰን ብ28 ሰከንድ ብምምሕያሽ እንትትስዕር፤ 30፡01 ሰዓት ኣመዚጊባ እያ፡፡

ሼላ ቺፕኪሩይ 30:17፤ ናንሲ ጄላጋት 30:50 ብዝኾነ ሰዓት ተኸታቲለን ብምእታው እቲ ውድድር ብኬንያዊያን ልዕልነት ተዛዚሙ እዩ።ብተመሳሳሊ ልዕልነት ኬንያዊያን ዝተረኣየሉ ፍርቂ ማራቶን ውድድር በደቂ ኣነስትዮ ብሬንዳ ጂፕሌቲንግ 1:06:52 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቐዳመይቲ ኮይና እንትትዛዝም፣ ኢትዮጵያዊት በሱ ሳዶ 1:08:15 በዝኾነ ሰዓት ካልአይቲ ኮይና ኣላ።ብሪሊያን ጂፕኮሪር 1:08:28 ብምእታው ካብ ኬንያ ሳልሰይቲ ኮይና ኣላ።ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ድማ ኬንያዊያን ካብ ቐዳማይ ስጋብ ሓምሻይ ብምውፃእ ውድድሮም ዛዚሞም እዮም።ኣቤል ኪፕቹምባ 58:48፣ ኣሌክስኣንደር ሙቲሶ 59:20፣ ኣሞስ ኪቢዮት 59:34 ብዝኾነ ሰዓት ናይ ሜዳልያ ደረጃ ሒዞም ዝዛዘሙ አትሌታት’ ዮም።

መሠረት ገ/ዮሃንስ

 1 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You