ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ምውሳዱ ይዝከር። እቲ ጉጅለ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ጨፍጫፍ ንፁሃን ዜጋታት ምፍፃሙ ይፍለጥ። ካብ ማይ ካድራ ጀሚሩ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጭና ስጋብ ዝገበሮ ጨፍጫፍ ንፁሃን ግዳያት ኮይኖም እዮም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ 16 ሕዳር 2013 ዓ.ም ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ፀብፃብ ከምዘመልከቶ፣ ሓይሊታት ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀምዎ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባርን ልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ልቢ ከምዝሰብሩ ኣፍሊጡ እዩ። መንግስቲ ፌዴሪኢ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀሞ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ከምዘውገዘ ‘ውን ከምዘፍለጠ ዝዝከር እዩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝገበሮ ፀብፃብ ቅድመ ሐዚ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘውፅኦ ፀብፃብ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ድማ ኣብቲ እዋን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ እዩ።
እቲ ተግባር ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፅሞ ዘሎ ጭካነ ዝተመልኦ ገበን ክንደይ ዝኣክል ከምዝኾነ ህዝቢ ዓለም ዳግም ዘረጋገፀሉ ምኻኑ የመልክት። ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን መጥቃዕቲ ማይ ካድራ ተራ ገበን እንተይኮነስ ብትልምን ብዝተዋደደ መገድን ዝተፈፀመ ተግባር ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ።
ሓይልታት ህወሓት ሳምሪ ምስ ዝተብሃለ ጉጅለ መናእሰይ ብምትሕብባር ምድላው ብምግባርን ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣረጋጊፁ ኢዩ ።
ከም ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝፈፀሞ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝተፈፀመ ገበንን ገበን ኲናትን ክኸውን ከምዝኽእል ኣርእዩ ኢዩ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ’ውን እዚ ጭካነ ዝተመልኦ ልዑል ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንከውግዝ መንግስቲ ፃውዒት ዘቕረበ እንትኸውን ፈፀምቲ እቲ ገበን ንሕጊ ዘቕርብ ከምዝኾነ’ውን መንግስቲ ኣረጋጊፁ እዩ።
ኣብ ማይካድራ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንፁሃን ዜጋታት ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ውዳበ ፀጥታ ምምሕዳር እቲ ከባቢን “ሳምሪ” ብዝተብሃለ ጉጅለ መናእሰይ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊፁ ኣሎ።
እቲ ኮሚሽን ካብ 5 ክሳብ 9 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ከምኡ’ውን ኣብ ኣብራሃጅራ፣ ሳንጃ፣ ዳንሻ፣ ሑመራን ጎንደርን ተዘዋዊሩ ምርመራ ብምግባር ዝረኸቦ ውፅኢት ቀዳማይ ብርኪ ፀብፃብ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፣ ቅትለት፣ ጉድኣትን ዕንወትን ሓፈሻዊ ተግባርን ውፅኢቱን ጭካነ ዝተመልኦ ኣብ ሲቪል ሰባት ዝተፈፀመ ገበን ከምዝኾነ ኣመልኪቱ ኣሎ።
እዚ ልዑል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰብኣዊነት ዝተፈፀመ ገበንን ገበን ኲናትን ክኸውን ከምዝኽእል ዘመላኽት ስለዝኾነ፣ እቲ ኮሚሽን ዝርዝር ሓበሬታታቱን እቲ ገበን ዘጣይሹዎ ትንተና ፍረነገርን ሕጊን ኣብ ሙሉእ ፀብፃቡ ብዝርዝር ኣፃርዩ ከምዘቕርብ ገሊፁ ኣሎ።
ኣብ ቀዳማይ ፀብፃቡ ከምዘመልከቶ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሚሊሻን ውዳበ ፀጥታ ፖሊስ ስጉምቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሃዲሙ ነቲ ከባቢ ለቒቑ ቅድሚ ምውፅኡ “ሳምሪ” ምስ ዝተብሃለ ዘይስሩዕ ጉጅለ መናእሰይ ብምትሕብባር ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣይኮኑን ዝበሉዎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሲቪላት ገዛ ንገዛ እናተዘዋወሩ ጭካነ ብዝተመልኦን ብግፍዒን ከምዝተቐተሉን ንብረቶም ከምዘዕነዉዎን እቲ ሪፖርት ኣመላኺቱ እዩ። እቲ ኮሚሽን ካብ ፍልፍላት እቲ ከባቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ብውሕዱ 600 ሰባት
እንትቕተሉ፣ ትኽክለኛ ቁፅሪ ካብዚ ክዛይድ ከምዝኽእል እውን ኣብሪሁ እዩ።ሳምሪ ዝተብሃለ ጉጅለ መናእሰይ ትግራይ ኣብቲ ከቢድ ገበን ይዋፈር’ምበር፤ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ዝኾኑ ካልኦት ሰባት እቲ ጉጅለ ኣናሃደኖም ዝነበሩ ሲቪል ሰባት ኣብ ገዝኦም፣ ቤተክርስቲያንን ኣብ ሕርሻ ቦታን ሓቢኦም ህይወቶም ከምዘትረፉሎም ኢሰማኮ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ኣረጋጊፆም’ዮም።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኮሚሽን ዶክተር ዳንኤል በቀለ፣ ‹‹ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ብውሑዳት ፅንፈኛ ጉጅለታት ዝተፈፀመ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ኣዚዩ ዘስካሕኽሕ ኢሰብኣዊ ገበን ልቢ ዝሰብር ይኹን’ምበር፤ ብኣንፃሩ ግን ኢትዮጵያውያን ብብሄር እንተይተፈላለዩ ሓደ ንኻሊእ ሓላዊ ኮይኖም ምርኣይ ዝተሰበረ ልቢ ዝፅግን ኢዩ፤ ድሕሪ ሕዚ ብሰላም ሓቢርካ ንምንባር ተስፋ ዝህብ ኢዩ›› ክብሉ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሓደ ነቲ ሓደ ዝገበሮ ሓልዮት ኢትዮጵያውነት ዝገልፅ ምዃኑ ገሊፆም እዮም። ዝተጎድኡ ሰባትን እቲ ከባቢ መሊስካ ካብ ምጥያሽ ብተወሳኺ፤ ኣብዚ ከቢድ ገበን ሰብኣዊ መሰላት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ዝተሳተፉ ኣብ በቢብርኩ ዝርከቡ ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንምቕራብ ከምዝስራሕ’ውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣረጋጊፆም እዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ሓይሊ ወራሪ ህወሓት ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባትን ጣቢያ ጭና ተክለ ሃይማኖትን ብዙሓት ንፁሃን ሰባት ብግፍዒ ከምዝጨፍጨፈ ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ከምዝገለፀ ዝዝከር እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ዝበፅሐ ዘስካሕኽሕ ጨፍጫፋ ግብኣተ መሬት ወራሪ ህወሓት ብምቅልጣፍን ንህዝቢታት ዳግም ስግኣት ከይኸውን ብምግባር ደሞም ከምዝምለስ ጥርጥር የብሉን ኢሎም።
ኣይተ ግዛቸው ከምዝበሉዎ፤ “ብፅልኢት ዝሰኸረን ምጭፍጫፍ ዕለታዊ ተግባሩ ዝገበረ ወራሪ ህወሓት ካብ በደል፣ ስቓይን ግፍዒን ንምንጋፍ ቅልጣፈና ወሲኽና ኣብ ዘለዎ ግብኣተ መሬቱ ብምፍፃም ንህዝብና ክነድሕን ይግባእ” ኢሎም።
ሚዲያታት’ውን እዚ ሓቂ ዓለም ንኽፈልጦን ምስቲ ወራሪን ጨፍጫፊን ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ሓቢሮም ደው ንኽብሉን ነቲ ተግባር ንኽኹንኑን ብቅልጡፍ ምፅብፃብን ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኩነታት ከረድኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም።
ኣብ በረኻ እናተዋግኡዎ ንዝርከቡ ጀጋኑ ምፅዋር ዘይከኣለ ሓይሊ ወራሪ ህወሓት፣ ኣብ ገዝኦም ዝነበሩ ሽማግለታት፣ ህፃናትን ኣደታትን ናብ ዘለዉሉ መንደር ብምእታው ግፍዒ ከምዝፈፀመሎም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣቲዩ ኣቕሽቲ ጨፍጪፉ ኢዩ’ውን ኢሎም። እቲ ሓይሊ፣ ቅድም ክብል ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ክልል ዓፋር ዝፈፀሞ ዘስካሕኽሕ ጭፍጨፋ ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ጭና ጣቢያ ተክለሃይማኖት ዳግም ፈፂሙዎ። ‹‹እቲ ሰይጣናዊ ጉጅለ ኣብ ዝወረሮም ከባቢታት ብቅልጡፍ ግብኣተ መሬቱ ክሳብ ዘይተፈፀመ ካልኦት ጨፍጫፋት ከምዝፍፅም ግልፂ ኢዩ›› ኢሎም ።
ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣይተ ያለኣለም ፈንታሁን ብተመሳሳሊ፣ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ጣቢያ ጭና ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብግፍዒ ጨፍጫፍን ገበን ምፅናት ዘርኢን ከምዝፈፀመ ገሊፆም።
መሰኻኽር ዓይኒ ገይሩ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፆ ድማ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ቀበሌ ጭና ተክለሃይማኖት ብህወሓት ዝተጨፍጨፉ ንፁሃን ዜጋታት ቁፅሮም ልዕሊ 200 ዝበፅሐ እንትኾን 29 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ብጅምላ ካብ ዝተጨፍጨፉ ንፁሃን ዜጋታት ውሽጢ 193 ዝኾኑ ኣብ ጭና ተክለሃይማኖት ቤተክርስቲያን እንትቕበሩ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ድማ ኣብ ዲያ ጊዮርጊስ ከምዝተቐበሩ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም እዮም።
ኣብ ጭና ቀበሌ ኣጎሽማዶ፣ ድጋንሳ፣ ባንኮራ፣ ጭንጫዬን ዲያን ዝተብሃሉ 5 ጎጣት ንፁሃን ብጅምላ ዝተጨፍጨፍሉ ኢዩ። ሐዚውን ዝበፅሑሉ ዘይተፈለጠ ከምዘለዉ’ውን እቶም ነበርቲ ገሊፆም። ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ፣ ደቂ ኣንስቲዮ፣ ህፃናት፣ አካል ጉድኣት ብኣሸባሪ ህወሓት ብግፍዒ ከምዝተጨፍጨፉን ሓደ ሙሉእ ቤተሰብ በቲ ጉጅለ ከምዝተጨፍጨፈ ከምኡ ድማ ልዕሊ 15 ሺሕ ነበርቲ እቲ ቀበሌ ከምዝተመዛበሉ’ውን ተሓቢሩ እዩ።
ኣብ ክልል ዓፋር’ውን ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፈንቲ ረሱ ጊዚያዊ መፅለሊ ጋሊኮማ ኣብ ዝነበሩ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ብኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ጨፍጫፍ ተፈፂሙ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ዶብ ኢትዮጵያ ኣኽባሪ ዝኾነ ህዝቢ ዓፋር ብኣሸባሪ ህወሓት ዝተፈፀመ ወረራን ጨፍጫፍን በቲ ሓደጋ ልክዕ ምላሽ እንተዘይተዋሂቡዎ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ከምዝበፅሕ ተፈሊጡ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብናይ ሓባር ቅልፅም ናብ መቓበር ንምውራድ ኩሉ ንክለዓል’ውን ፃውዒት ቐሪቡ ነይሩ።
ግብረ ራዕዳውን ወራሪን ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ፈንቲ ረሱ ጊዚያዊ መፅለሊ ጋሊኮማ ኣብ ዝነበሩ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝፈፀሞ ዘሰቅቕ ጨፍጫፍ ስዒቡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ካብ 05 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብቲ ክልል መዓልታት ሓዘን ንክኸውን ከምዝኣወጀ ዝዝከር እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ መኽዘን ተኸዚኑ ዝነበረ ሓገዝ እኽሊ ሙሉእ ብሙሉእ ዓኒዩ ኢዩ። እዚ ታሪኽ ዘይርስዖ ኣረመኒያዊ ጨፍጫፍ ህዝቢ ዓፋር ጥራሕ ዘይኮነስ መንግስቲ ዘቖጠዐን ቃልሲ ህልውና ኣጠናኺርና ካብ ምቕፃል ወፃእ ኣማራፂ ከምዘይብልና ዘገድድ ኢዩ ኢሉ። ስለዝኾነ መንግስቲን ህዝብን ኣብ ፈንቲ ረሱ ጊዚያዊ መፅለሊ ጋሊኮማ ኣብ ዝነበሩ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝተፈፀመ ዘሰቅቕ ጨፍጫፍ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ እዩ።
እዚ ጥራሕ እንተይኾነ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ደብረ ዘቢጥ ከተማ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ከቢድ ብረት ብምትኳስ ነበርቲ ንክፈናቐሉ ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ።
ወይዘሮ ዘውዲቱ ጎበና ኣብ ሰሜን ወሎ ዞባ መቄት ወረዳ ደብረ ዘቢጥ ከተማ ነባሪት እየን። ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነታ ከተማ ብምውራሩ ንብረተን ደርቢየን ናብ ከባቢ ቆላ ናብ ዘለዉ ኣዝማደን ተፀጊዐን ከምዝነበራ ተዛሪበን። በዓል ቤተን ድሕሪ መዓልታት ናብቲ ከባቢኦም ተመሊሶም ስንቂ ንከምፅኡ እንትብሉ በቲ ኣሸባሪ ከመዝተቐተሉ ገሊፀን። ብዙሓት ካብታ ከተማ ለቒቖም ብምውፅኦምን ብዘይ ምምላሶምን መተሓዝንቲ ከምዘይረኸባ ተዛሪበን እየን።
እቲ ክፉእ ፀላኢ ንብረት ካብ ምውዳም ብተወሳኺ ንፁሃን ይቐትል ከምዝነበረ ወይዘሮ ዘውዲቱ ተዛሪበን። ስለዝኾነ እቲ ግብረ ራዕዳዊ ዝፈፀሞ በደል ከምዘይርሳዕ ገሊፀን እየን።
ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ወረባቦን ተውለደሬ ድማ ዕጡቓት ራዕዳዊ ህወሓት ሾሊኾም ብምእታው ንብረት ሓረስታይ ዘሚቶም፣ ንፁሃን ምቕታሎም ኢቢሲ ፀብፂቡ እዩ። ኣብ ወረዳ ወረባቦ ጣቢያ 18 ከባቢኡን 24 ንፁሃን ዜጋታት ዝቐተሉ እንትኾን ከይቕበሩ ብምግባር’ውን ኣስከሬኖም’ውን ብዝብኢ ክብላዕ ምግባሮም ስድራ ግዳያት ገሊፆም እዮም።
ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ደብረታቦር’ውን ብኸቢድ ብረት ኣብ ሓደ ስድራ ብዘብፅሖ ጉድኣት ህይወት ሙሉእ ስድራ ኣጥፊኡ’ዩ። ኣብ ሰሜን ወሎ ኣጋምሳ’ውን ገዛውቲ ኣዕንዩ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ጉጅለ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከቡ። እዚ ጉጅለ ኣብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ ካብ ማይካድራ ጀሚሩ ስጋብ ወረባቦ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጨፍጫፍን ምምዝባልን ከምዘስዐበ ይፍለጥ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
1 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ