
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣዲስ ኣበባ፡- ዜጋታት ካርድ መረፃ ወሲዶም ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ክጥቀሙ ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቤት ፅሕፈት 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ሃገር እናመሓደረ ዝርከብ ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕን ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮዘ ዴሞክራሲያዊ ዝኾነ ምዕሩይ ከባቢ ንኽህሉን ብቆራፅነት ጎዳና ዴሞክራሲያዊነት ሒዙ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።
እቲ ሽቶ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ማሕለኻ ከምዘይዕወት ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር፣መንግስቲ ፌዴራል ዴሞክራሲያዊነት ሒዙ ንምጉዓዝ ፅኑዕ ድሌት ከምዘለዎ ኣብሪሁ።
ነባር ምምሕዳር ዴሞክራሲያዊ ኣገዛዝኣ ካብ ዘይምህናፁ ብዝብገስ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ጥንኩርን ጥዑይን ዴሞክራሲያዊ ባህሊን ልምዲን ንኽህልዋ ኣድለይቲ ትካላትን ኣተሓሳስባታትን ንምህናፅ ፈታኒ ኩነታት ተጋፊጣ ኢያ ኢሉ።
‹‹ኢትዮጵያውያን ‘ውን ሃገሮም ንታሪኻን ንድሌት ኩሩዕ ህዝባን ዝምጥን፤ ከምኡ’ውን ዘለዋ መሊኡ ዝተረፈ ዓቕሚ ዕቤት ብዘማእኸለ ኩነታት ሃገሮም ናብ ሓዱሽ ምምሕዳርን ዘበነ ምዕባለን ንምስግጋር ዕድል ቀሪቡሎም ኣሎ” ክብል ገሊፁ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኡ፣ ሰላማዊን ሕጋዊን መረፃ ንምክያድ ካብ ፖሊስ ፌዴራል፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፣ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ሚኒስቴር ምክልኻልን ኣመራርሓታት ክልላትን ዝተውፃእፀአ ሃገር ለኸ ኮሚቴ ድሕንነት መረፃ ከምዝተጣየሸ ኣብሪሁ።
ዜጋታት ብናፅነት ናይ ምምራፅ ሕገ-መንግስታዊ መሰሎም ንኽጥቀሙ ግደ መንግስቲ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ልዝባት እናተኻየዱ ከምዝፀንሑ’ውን ገሊፁ።
እቲ ኮሚቴ፣ ቅልውላው ክፍጠር ከምዝኽእል ኣንፈት ዝተርኣየሎም ከባቢታት ንምፍላይ ስጉምቲታት ወሲዱ ኢዩ።
ምስ መረፃ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ቅሬታታት ንምትእንጋድ ድማ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቅሬታ መረፃ ዝሰምዐሎም መጋባእያታት ከምዘጣየሸ ተገሊፁ።
ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ መላእ ሃገር ጎስጓስ መረፃ እናካየዱ ከምዝርከቡ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፣ መረፅቲ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ውሳነ ምሃብ ንኽኽእሉ ረብሐኦም ዝተመስከረሎም ዘይሻራዊ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽን ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብን ዝሳተፉሎም ክትዓት ፓርቲታት ፖለቲካ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ዴሞክራሲ ንኽስፋሕፋሕ ብዝብል ምስ ፕሬዚዳንታት ክልልን ኣመራርሓታት ቦርድ መረፃን ዝገብሩዎ ኣኼባ ክቕፅል ብምግባር፣ ከይዲ ምድላው ቅድመ መረፃ ዝረአዩ ማሕለኻታትን ፀገማትን ብምፍላይ ናይ ምፍታሕ ፃዕሮም ቐፂሎምሉ ኣለዉ ኢሉ።
ብመሰረት እዚ ድማ 18 ለካቲት 2013 ዓ.ምን 8 ሚያዝያ ዓ.ምን እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ብመርበብ ሓበሬታ ዝተሓገዘ ኣኼባ፣ በቢክልሉ ኣፈፃፅማ ጉዳያት ፀጥታን ድሕንነትን ኩነታት ምድላው ጣቢያታት መረፃን ተኸታቲሎም ኢዮም።
መረፃ ዝካየደሉ ግዘ ውሑዳት ሰሙናት ዝተረፉዎ ስለዝኾነ፣ ዜጋታት ዝተረፈ ግዜኦም ብምጥቃም ካርድ መረፃ ወሲዶም ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ንኽጥቀሙን ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ መረፃ ሃናፂ ተሳትፎ ብምግባር ናፃን ፍትሓዊን መረፃ ንኽካየድ ሓበራዊ ፃዕሪ ንኽገብሩ ፀዊዑ።
ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም