
ክቡራት ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትጵያውያንን ኣቐዲመ እዚ ሓድሽ ዓመት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ሰላምታን ናይ ሰናይ ትምኒት መግለፂ መልእኽተይ ብስም ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ እንተመሓላልፍ ዓብይ ክብርን ሓጎስን እናተሰመዐኒ እዩ። ናይ ሓድሽ ዘመን ባሕቲ ብኢትዮጵያውያን መንፈስ ውሽጢ መግለፂ ለውጢ ካብ ምዃኑ ዝሓለፈ ሓድሽ ዓመት ፀሓይን ብርሃንን ቀለማትን ዝተመልአ መልከኣ ምድር ‘ውን ዘርኤና እዩ። እዚ ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ ልዕል እትብለሉ ከምኡውን ብሕውነታውነት ብሓሳብ እትደምቑሉ ንክኾነልኩም ልባዊ ትምኒተይ ክገልፀልኩም ይፈቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ህንፀት፣ ኣሰራርሓን ምምላእን ዝተድሓሓዙ ጉዳት ሉኣላውነት ሃገርና ንምሕላው ዘለና ሓድነት ቑርፀኝነት ብዘንፀባርቕ መልክዑ ሰሪሕና ኢና። እቲ ግድብ ኣብ እናሃንፀሉ እዋን ድማ ናይ ገንዘብ ኾነ ቴክኒክ ሓገዝ ኹላትና ብወገንና ብዝሓሸ ብርኪ ብምብርካት ንድሕሪት ኣይበልናን። በዚ ወገን ኢትዮጵያውያን ዝገበርዎ ርብርብ ብጣዕሚ ዘሐጉስ እዩ። ካብዚ ብዝበለፀ ዘደንቕ ውፅኢት ንክነመዝግብ እዚ ዓብይ ሃገራዊ ፕሮጀክት ምትሕግጋዝ ኣጠናኺርና ንክንቕፅል የተሓሳሰብ።
ምስ እዚ ተደሓሒዙ ግድብ ህዳሴ ቁልፍ ጉዳያት ሰዓራይነት ነጥብታት ንክነመዝግብ ዝዓበየ ግደ ዝተፃወቱ ዲፕሎማታትናን ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈር ዝተውፃፅኡ ባዓል ሞያታት ክነድንቖምን ንከመስግኖም ይግባእ። ከምኡ’ውን ሕብረት ኣፍሪካ ናይቲ እዋን ኣቦ ወንበር ዝኾኑ ፊሊክስ ትሼኬዲ ብዝገበርናዮ ተኸታታሊ ዘተ ስዒቡ ‹‹ንኣፍሪካ ፀገማት ኣፍሪካዊ ፍታሕ››ዝብል ሓሳብ ሒዞም ኣብ ትሕቲ ብኣፍሪካ ሕብረት ዝምራሕ ከይዲ ድርደር ተግባራዊ ንምግባርን ግድብ ህዳሴ ድርድር ሰለስቲኣዊ መርህታት ስምምዕነት መሰረት ንክኾን ዝገበርዎን ፃዕሪ ነድንቕ ኢና።
ኻልኣይ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ኢኮኖሚ ዕብየት ንምንቅቃሕ ብርክት ዝበሉ ኢትጵያውያን ካብ ድኽነት ውሽጢ ንምውፃእ ዝሓዝናዮ ብልፅግና ተልእኾ ኣብ ዕላማ ንምብፃሕ ሓደ ዓብይ ምዕራፍ ዝተሸገርናሉ እዩ ነይሩ። ኾይኑ ግና ኸዚ ዘመዝገባናዮ ውፂኢት እናረኣይና ዋናን ናይ መወዳእታን ሽቶና ምርሳዕ የብልናን። ገና ብዙሕ ስራሕ ከምዝፅበየና ኣስተውዒልና ብዝተሓባበረ ቅልፅም ናይ ብልፅግና ሕልምና ተግባራዊ ንገብሮ ኢና።
ክቡራት ኢትዮጵያውያ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያውያን ናይ ውሽጥን ወፃእን ፀገማት ፅንዓቶ ብምፅዋር መንፈሰ ጥንካረኦምን ልዕል ኣቢሎም ዘርኣይሉ ዓመት እዩ ነይሩ። ካብዚ ንላዕሊ ህዝብና ካብ ፀግዒ ክሳብ ፀግዒ ዘደንገፆ ናይ 24 ጥቅምቲ ናይ ኢትዮጵያ ፀላኢ ከሓዲ ጉጅለ ናይ ምሸት መጥቃዕቲ ብታሪኽ ኢትዮጵያ ውሽጢ ፀሊም ምልክት ገዲፉ ዝሓለፈ ክስተት ከምዝኾነ ኢትዮጵያውያን ኣይርስዕዎን። በዚ ድፍረቱን ጨካኝ ስርሑን ኣብ እዚ ሰሜን ዝነበሩ ብዙሓት ጀግና ወታደራት ስኢና ኢና። ይኹን’ምበር ቀንደኛ ፀላኢ ዝኾነ ህወሓት ዝመፀአና ፀገም ብዝግባእ ብምምካት ካብ ፀላኢ ብተቓራኒ ጠጠው ዝበለ ዝተሓባባረ ህዝባዊ ግንባር ብምፍጣር ጀጋኑና ንዝኸፈልዎ መስዋእትነት ኣኽብሮትና ኣርኢና ኢና።
ኸዚ’ውን እንተኾነ ብወያነ ዝመፀና ፈተና ገና ኣይተዛዘሙን። ብኣምሓራ፣ ብዓፋርን ትግራይን ክልላት ዘለዉ ወገናትና ካብቲ ግብረ ራዕዳዊ ነፃ ምውፀኦም ተመዛበልቲ ናብ ዝነበርዎ መንበሪ ስፍረኦም ከምኡ’ውን ዝተጎድኡ ሰባት ናብ ስሩዕ ህይወቶም ምምላሶም ክነረጋግፅ ኣለና። እዚ እንትነብር ብግልፂ ቁስልና ክፍውሱ እዮም።
ፀላእትና ንሕና ንወፃኢ መጥቃዕቲ ተጋላፅቲ ካብ ምግባሮም ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚና’ውን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኸፊቶምልና እዮም። ኾይኑ ግና ካብ ድኽነት ንምውፃእ እንገብሮ ፃዕሪ ዕንቅፋት ክኾኑና ብፍፁም ክንፈቅድ የብልናን። ንሳቶም መሰረታዊ ፍጆታን ካልኦት ኣቕሑን ከምኡ’ውን ምንዛሪ ወፃኢ ሕጋዊ ብዘይኾኑ መገዲ ብምትሕልላፍ ናይ ፃዕርና ፍሬ ከስእኑና ኹሉ እናገበሩ ይርከቡ። እዚ ስራሕ ይኣክል እንብለሉ ኸዚ ከምዝኾነ ተገንዚብኹም ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንዘመድን ፈታውን ገንዘብ ኣብ እትልእኽሉ እዋን ብሕጋዊ ገንዘብ መተሓላላፊ ትካላት ብምጥቃም ንክትድግፉ የተሓሳስብ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብዙሓት ኢትዮጵያውያነ ተመዛበልቲ እናበፀሖም ዘሎ ፀገም እንተተረዳእና’ውን፣ ኾይኑ ግና ኣድላይ ሓገዝ ካብ ምግባር ንላዕሊ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ድማ ናብ ሀገሮም ናይ ምምላስ ስራሕና ኣጠናኺርና ክንቕፅል ኢና። ኮቪድ ምስ በዝሒ ተመዛበልቲ ተደሚሩ እንተፈታተነና እንተኾነ ‘ውን ሓገዝ ንዝደልዩ ዜጋታትና ኹሉ ተበፀሒ ንምግባር ዓቕም ብዝፈቐዶ ኹሉ እናተንቀሳቐስና ኢና። ኣብ ቐፃሊ ሚኒስቴር ቤት ካብ ሃገር ውሽጥን ዓለምለኸን ኣካላት ብምውሃድ ፀገማት ንምቕራፍ ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ከምዝሰርሕ ቃል ይኣቱ።
ዝኸበርኩም ኢትጵያውያን ብብዙሓት ተኣማንን ሰላማውን መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ዓቕምና ተጠራጢረምዎ ነይሮም እዮም። ኾይኑ ግና ንሰላም ዕሙቕ ፍቕሪ ንዘለዎ ኢትዮጵያዊ ምስጋና ይብፀሐዮ፣ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ብዘይምንም ኸልኻልነት፣ ነፃነት ድምፆም ዝሃብዎን ሓድጊ ዘቕመጥሉ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ውፅኢት መረፃ ብሓድሽ ዓመት መስከረም መጨረሻ ክነጣይሽ ሓድሽ መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያውያን መተኣማመኒ መረጋገፂ ማሕተም እዩ። እዚ ሓቂ ንምግባር ኢትዮጵያውያን ሰላም፣ ብልፅግና ሕብረት መሪፆም እዮም። ስለዝኾነ ኹሉ ሓቋፊ ዘተ ፖለቲካ ብምግባር ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝጀመርናዮም ዘርፈ ብዙሕ ተሃድሶታት ብምፍጣን ናይ ብልፅግና ሕልምና ተግባራዊ ክንገብሮ ኢና።
ኣብዚ ኸዚ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ባዕላ ዝኻኣለትን ዝበልፀገትን ኢትዮጵያ ንምፍጣር ምፍልላይና ንጎኒ ብምግባር ኢድ ንኢድ ተደሓሓዝን ብሓድነት ፀኒዕና ጠጠው ክንብል እዩ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ መስራቤትና ናይ ሓድሽ መንግስትና ጥንካሬ ነፀብራቕ ካብ ዝኾኑ ትካላት ሓደ ስለዝኾነ፣ ካብ መፃኢ ተሃድሶ ፍረታት ተኻፋሊ ክኾን እዩ። ናትና ትካላዊ ተሃድሶ ሃገርና ዝዳበረ ዲፕሎማሲ ታሪኽ ዝምጥን ጠንካራን ብቁዕን ዲፕሎማሲ ሰራዊት ክፈጥር እዩ ኢለ ተስፋ ይገብር። ከምኡ’ውን እዚ ተሃድሶ ናይ ሃገርና ጥቕሚ ብኽልተ ወገናት መድረኻት ንምሕላው ከምዝረድእ ተስፋ ይገብር።
መፃኢ ሓድሽ ዓመት ንኹላትኩም ናይ ሰላም ጥዕና፣ ሓጎስን ብልፅግናን ንክኾነልኩም ካብ ልቢ ይምነ።
የቐንየለይ!
6 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ