
እዚ ሓድሽ ዓመት እነኽበሮ ኣብ መንጎ ወሳኒ ሃገራዊ ፈተናን ተስፋን ኾይና ኢና። ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈተናን ተስፋን ኾይና ሓድሽ ዓመት እንትተኽብር እዚ ናይ መጀመሪኣ ኣይኮነን። ምናልባት’ውን ናይ መጨረሸኣ ኣይኾንን። ኢትጵያውያን ፈተና ዘየበርግገና ፣ዓወት’ውን ዘየስኽረና ምዃና ዓለም ኹሉ ይፈልጥ እዩ። ፈተና ናብ ዕድል ብምቕያር ታሪኽ ዘልዕሎም ሃገር ንምስላፍ ዓቕሙን ቅዋሙን ኣለና እዩ። ኢትዮጵያ ዝፍትንዋ ኢትዮጵያ ዘይፈልጥዋ ጥራሕ እዮም። ኢትዮጵያ ንሽሕ ዓመታት ብነፃነት ነቢራ እንትባሃል ትርጉሙ ኣይርኣይዎን ማለት እዩ። ፀላኢ ሲኢና ኣይኮነትን ንሽሕ ዓመት ብነፃነት ዝነበረት። ፈተና ረሲዕዋ ኣይኮነን ነፃነታ ከይጠፍአ ክሳብ ኸዚ ዘሎ። ሓያላት ሃገራት ስለዝሓዘንላ ኣይኮኑን ካብ ልዕልነታ ዘይወረደት። ኹሉ ከም ኣመፃፅእኡ ስለዝሰዓረት ጥራሕ እዩ።
ታሪኽ ከይፈለጡ ዝገጥሙና ታሪኽና ፈሊጥና ክንፅበዮም ኢና። ንፈተውትና ፀባ፣ ንፀላእትና ዕረ ምሃብ ንኽእለሉ ኢና። ኢትዮጵያ ዝብል ስም ካብ ምስዓር’ምበር ተሳዓርነት ተፀዊዑ ኣይፈልጥን። ምስ ነፃነት’ምበር ምስ ባርነት ዝምድና የብላን። ኢትዮጵያ ተፈቲና ትፈልጥ እያ። ተሳዒራ ግና ኣይትፈልጥን። ቀጢና ትፈልጥ እያ ተበቲኻ ግና ኣይትፈልጥን። ዝንበል እንተበለት እውን ወዲቓ ግና ኣይትፈልጥን።
እዚ ሓድሽ ዓመት ን30ዓመታት ኢትዮጵያ ዝተሸከመቶ ፈተና እንገላገለሉ፣ ሓድሽ መንግስቲ እንምስረትሉ፣ ካብ ዝበፅሐና ፈተና እንወፀሉ ገፅና ናብ ኢትዮጵያ ብልጽግና እነዙረሉ ከምዝኸውን እምነተይ’ዩ። ሓድሽ ዓመት ሕብረ ብሄራውነት ሓድነትና ዝፀንዐሉ፣ ዴሞክራስያዊ እሴትና ዝብርትዐሉ፣ ዝጀመርናዮ ሪፎርም መልክዕ ዝሕዘሉ ከምዝኸውን ተስፋ እገብር።ፈተናና ድሕሪት ተስፋና ቅድሚት’ዩ። ብሃገር ፍቕሪ ዝነደደ፣ ብመንነቱ ዝኾርዐ ኸባቢያዊ መንነቱ ካብ ሃገራዊ መንነቱ ዝተስማዕመዐሉ፣ ሓደሽቲ ፈጠራታት ንምጅማር ዘይስልችዎ፣ ብዘይተኸደሉ ንምጉዓዝ ድፍረትን ፅንዓትን ዘለዎ፣ ጎቦን ሽንጡረታት ብኣግራብን ምህርትን ንምሽፋን ዝፅዕር፣ ሓድሽ ወለዶ እናተፈጠረ እዩ። ኢትዮጵያ ብደቃ ተስፍኣ ሰኒቓ እያ።
ንሃገርና ኾነ ንውልቀ ህይወትና ሓድሽ ዓመት ሓድሽ ነገር ሒዙ ዝመፅእ ንሓድሽ ለውጢ ብልፅግና ድልው ብዝገበርናዮ ልክዕ፤ ንምልዋጥ ዘለና ድልየትን እሱ ንምስኻዕ እነርእዮ ፃዕሪ እዩ። ለውጢ ካብ ባዕልና ከይጀመርና ሃገርና ንምቕያር እንደሊ እንተኾይኑ እቲ ዘመን’ምበር ንሕና ኣይተቐየርናን። ብሃገር ጉዳይ ኢድ ካብ ምጥቋም ‹‹ካባና እንታይ ትፅቢት ይግበር›› ምባል እንተዘይጀሚርና እቲ ዘመን ሓድሽ እንተኾነ’ውን ንሕና አብ ኣረጊት ዘመን ጠጠው ኢልና ተሪፍና ኢና።
ከም ሃገር ናብ ሓድሽ ዘመን እንገብሮ ስግግር ዝጎድኡና ኣረጊት መንነት ብምድብራይ ብሓድሽ መንነት ብምትካእ ክኸውን ኣለዎ። ብውልቀ ካብ እንገብሮ ጉያ ንሓባር ራእይ እንተፂዕርና፣ ሕድሕድና ምጉታት ገዲፍና ንምትሕብባር እንተቖሪፅና ፅልኢት ንዒቕና ፍቕሪ እንተለጊስና ሽዑ ንሃገርና ሓድሽ ዘመን ክመፅእ እዩ።
ሓድሽ ዓመት ተፈጥሯዊ እዩ። ሓድሽ ዓመት ሰብኣዊ ምግባር ዝከኣል ንሕና ሓድሽ ጎዳና እንተተጓዒዝና እዩ። ኹሉ ግዜ ዝሓለፈ መልዓሊና እዩ። ሎሚ እንጓዓዘሉ እዩ። ፅባሕ ድማ እንበፅሐሉ እዩ። ትማሊ ዝተጉዓዝናሉ መገዲ ከም ሓርገፅ ኣይነጥፍእን። ከም ጤል ቀርኒ ድማ ትማሊ ጥራሕ እናራእና ኣይንነብርን። ሎሚ ዓብይ ሃፍትና እዩ። ዓመት ሓድሽ ምግባር ዝካኣል ሎሚ ብምጥቃም እዩ።
ናይ 2013 ዓ.ም ናይ መጨረሻ ገፅ ጳጉሜን 5 ተወዲኡ እዩ። ኣይምለስን። ገፅ 2014 ዓ.ም ሓድሽ ገፅ መስከረም 1 ክግለፅ እዩ። ማንም ምንም ኣይተፅሓፎን። ሓድሽ ዓመት ኽልተ ነገራት ንምቕባል ድልው እዩ። ኣብ ባዶ ገፁ ዝፅሓፍ ጀግናን ዝፀሓፈሉ ታሪኽን። ንሕና ሱቕ እንተበልና ካልኦት ናትና ነገር ብዝደለይዎ ነገር ክፅሕፍሉ እዮም። ንሕና እንተዘይፂሒፍና ናትና ዘይኾነ ነገር ክፃሓፈሉ እዩ። ኸዚ ቁልፊ ሕቶ ሓደ እዩ። በዚ ንኹሉ ባዶ ኾይኑ ንዝቐረበ ሓድሽ ዘመን ንምፅሓፍ ንሕና ኢትጵያውያን ናይ ባዕልና ዕድል ንፅሕፍ ዲና?ወይከ ካልኦት ንክፅሕፉልና ኣሕሊፍና እቲ መፅሓፍ ክንህብ ኢና? ኣቦታትና ናይ ባዕልና ዘመን ኣቖፃፅራ እንትፈጥሩ ናይ ባዕልና ዘመን መፅሓፍ ንኽነዳሉን ናይ
ባዕልና ዕድል ንሕና ባዕልና ንክንፅሕፍ ዝሓሰቡ ይመስለኒ።ንሕና ተሊምና፣ ንሕና ሰሪሕና፣ ንሕና ፀገማትና ፈቲሕና፣ ንሕና ተዘራሪብና፣ ንሕና ተዛቲና፣ ንሕና ወፍሪና፣ ንሕና ስዒርና፣ ንሕና ኣልሚዕና፣ ባዕልና ተጠቒምና፣ ባዕልና ኣምሪትና፣ ባዕልና ጥምየት ስዒርና ናይ ባዕልና ጉዳይ ባዕልና ወሲድና ይመስለኒ። ኣብ ሓድሽ መፅሓፍ ምፅሓፍ ጥራሕ እንተይኾነስ እቲ ሓድሽ መፅሓፍ ባዕልና ንኽነዳሉ ዝሓሰቡ ይመስለኒ። ብናይ ባዕልና ናውቲ፣ ብናይ ባዕልና ፈጠራ፣ ብናይ ባዕልና መገዲ ናይ ባዕልና ዘመን መፅሓፍ፣ ንባዕልና ብዝስማዕማዕ መገዲ ባዕልና ንክነዳሉ ዝሓሰቡ ይመስለኒ።
ናይ ዘመን መፅሓፍ ዝፈጠርና ሰባት ኣብ መፅሓፍ ዘመን ናይ ባዕልና መገዲ ናይ ባዕልና ዕድል ብኢድና ብምዕራፍ ዝዓግተና ነገር የለን። ዕንቅፋትና እናተወገዱ እዮም። ወታደራትና ኹሉ ዓወት እናኾኑ እዮም። እዚ ዘመን ናይ ኢትዮጵያ እዩ። ሓድሽ ዓመት ናይ ሓዳሽ ኢትዮጵያ እዩ። ኢትዮጵያ ብሓድሽ ዘመን መፅሓፋ ጉዕዞ ብልፅግና ትፅሕፈሉ እያ። ዓወታን ሰዓርነታን ትፅሕፈሉ እያ። ሃገርና ብልፅግናን ዓወታን ንምፅሓፍ እንትልዓል መፅሐፊ ቢሮ ንሕና ኢና። ቀለም’ውን ዝቕዳሕ ካብ ራሃፅናን ደምናን እዩ። ዜጋታት ተደጋጊፎም ብሓባር ንምዕባይ እንትላዓሉ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ መፅሓፊ ብግቡእ ምፅሓፍ ይጅምር እዩ። ዜጋታት ሕድሕዶም ምትሕስሳብ እንትጅምሩ እቲ ቢሮ ትርጉም ዘለዎ ገድሊ ይፅሕፍ እዩ። ደቂ ሃገር ምፍልላዮም ሓሊዮም ብሓባር ጉዳይ ሓቢሮም ጠጠው እንትብሉ ኣብቲ እዋን እቲ ብርዖም ዓወት ኣድሚቑ ይፅሕፍ እዩ።
ርሑስ ሓድሽ ዓመት፣ ዘመነ ሓደሽቲ ስኬታት እነመዝግበሉ ይኹን!!
ኢትዮጵያ ብደቃ ፃዕሪ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላኣለም ትንበር!
ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
መሰረት ገ/ዮሃንስ
6 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ