‹‹ድሽታ ግና›› – ዜማ ፍቕርን ሓድነትን

ትርሓስ ፍቃዱ

ሰላም መንበብቲ ዓምዲ ኪነጥበባት፤ከምቲ ኣብ ርእሲ ፅሑፍና ዝገለፅናዮ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ብፍላይ ድማ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ሰባት መረዳድኢ ቋንቋን ስምዒቶም ብቐሊሉ ንምግላፅ ዝጥቀሙሉ ዓብዪ ህያብ እዩ፡፡

ሙዚቃ ቋንቋ ዓለም ኾይኑ እናሃለወ፤ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስልትታት ሳዕስዒትን ህርመት ሙዚቃን ከምኡ’ውን ባህላዊ ኣልባሳት ብሓቂ ዘኹርዑን ዘደንቑን እዮም፡፡እሞ ድኣ እዚ ኹሉ መኹርዒ ባህልን ሃፍቲ ተፈጥሮን እናሃለወና ኣብ ክንዲ ፍቕሪ፣ ታሕጓስ፣ብጥበብ ምንባር፤ኽፉእ ዜናን መስካሕክሒ ትርኢት ምርኣይና ንምንታይ ይኸውን?ኹሉ ግዘ እዩ ዝገርመኒ፡፡

ጥበብ ሙዚቃ ሓያልን መፋቐሪትን ከምኡ ድማ ናፅነት እተጎናፅፍ እያ፣ሰብ እተፍትው ፣ተፈጥሮ እተፍትው፣ንእንስሳት ከይተረፈ ርህራሀን ፍቕርን እትዕድል ኮታስ ብሓፂሩ ምስጢር ምንባር ብሩፍታ ወይድማ ብልዋም እተላብስ ፍልይቲ ዕድሎት እያ፡፡

ነዚ ድማ እዩ ሓንቲ ነፀላ ውፅኢት ጥበብ ሙዚቃ ልዕሊ ሙሉእ ዶክትሬት ሓይልን ስምዒትን ዝህልዋ፡፡ ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ዶክተር እናተብሃሉ ዝፅውዑ ኢሞራላዊ ዘረባን ገረወይና ዝኾነ ገበነኦም ብዘይ ሓንቲ ሰኸፈት ኣብ ቕድሚ ኽንደይ ዝዓብዩ ህፃናትን ሃገር ተረከብቲ መናእሰይን ቐሊዖም ኣርእዮምና እዮም፤ምቕላዕ ጥራሕ ዘይኮነ ዘርኣውነት ሰቢኾምን ፣ክብሪ ሰብ ካብ እንስሳ ክንእስ ገይሮሞን እዮም፡፡

ብኣንፃሩ ድማ ውሑዳት መፍቀርቲ ጥበብን ሰብኣውነት ዝተላበሱ ፈተውቲ ሰብን ሃገርን ድማ ብነፀላ ደርፊ ሰብ ከስተውዕል፣ ክሓስብ፣ንሕልንኡ ክነብርን፤ፈጣሪ ንኣዳም ፈጢሩ ንሄዋን ካብ ጎኒ ዓፅሙ ሰሪሑ መናብርቱን መፋቕርቱን ከምኡ’ውን መባዝሕቱን ከምዝገበራ፤ዘይዝንጋዕ መሰረት ከምዝኾነ ብጥበብ ሙዚቃ ስምዒት ሰብኣውነት ኣስሪፆምልና እዮም፡፡

ካብ ኣቶም ሓደ ድምፃዊ ታሪኩ ጋንካሲ እዩ፡፡እዚ ድምፃዊ ተወላዲ ብሄረሰብ ኣሪ እንትኸውን ኣብ ቐረባ እዋን ብናሆም ሪከርድስ ዝተሓተመት ‹‹ድሽታ ግና›› ዝተብሃለት ነፀላ ዜምኡ ኣዝያ ተፈትያትሉን ኣድናቖት ዝረኸበላ እንትኸውን ናይዛ ሙዚቃ ስልቲ ቶን (ድምፂ) መሳጣይን፤ እቲ ባህላዊ ሳዕስዒት ድማ ንዓይንኻ ዝማርኽ እዩ፡፡

‹‹ድሽታ ግና›› ብብሄረሰብ ኣሪ ኣብ እዋን መለወጢ ሓዱሽ ዓመት ዝዝየም ዜማ ከምዝኾነ ዝዛረብ እቲ ደራፋይ፣ ኣብ ውሽጢ እዛ ደርፊ ዘለው ግጥምታት ቋንቋ ኣሪን ኣምሓርኛን ዓብዪ መልእኽቲ ዘመሓላልፉ እዮም፤ብፍላይ ምስቲ ሐዚ ዘለናሉ ፅንፊ ዝረገፀ ብሄርተኝነትን ኣፈላላይ ጥራሕ ዝነገሰሉ እዋን ፈውሲ ዝኸውን ዜማ እዩ፡፡

ድምፃዊ ታሪኩ ኣብዚ ሐዚ ዘለዎ ብርኪ ቅድሚ ምብፅሑ ዘሕለፎ ናይ ህይወት ውፃእ ውረድ እንትዛረብ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዓልታዊ ስራሕ ንመዓልቲ ሸውዓተ ቕርሺ እናተኸፈሎ ንሽዱሽተ ዓመታት ይሰርሕ ከምዝነበረን እቲ ዝረኽቦ ገንዘብ ምስ ናብርኡ ዘይመጣጠን ብምዃኑ ኣዝዩ ይፅገም ከምዝነበረን እስካ ናብ ጎዳና ምውፃእ በፂሐ ነይረ ይብል፡፡

ድምፃዊ ታሪኩ ብ 1994 ዓ/ም ናብ ሓይሊ መከላኸሊ ሃገር ብምፅምባር ድምበር ሃገሩ ንምሕላው ኣብ ባድመ ዘሚቱን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ወታደራዊ ታዕሊም ይህብ ከምዝነበረን ይዛረብ፡፡እዛ ደርፊ ቕድሚ ኽልተ ዓመት ዝደረፋ እንትኸውን ከም ብሓዱሽ ከምዝወፀት ይሕብር፡፡

ድምፃዊ ታሪኩ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ቖልዑን እንትኸውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ጂንካ ኣስታት 20 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ እትርከብ መርጋ እትበሃል ጣብያ ምስ ስድርኡ ኣብ ስራሕቲ ግብርና ተዋፊሩ ከምዝርከብ ይዛረብ፡፡

እምበኣርኸስ ደቂ ሓደ ኣቦ ከምዝኾነና ብኸምዚ ዝስዕብ ግጥሙ ገይሩ የዘኻኽረናን የረዳኣናን፤ኣበይ ኣለኹም ብዓል ኽስቶ ናተይ ዘርኢ ይበልፅ ኽስቶባ ኽርዳድ ትብሉ ሰብ ኣስኳላ በሉ ተኣንገዱ ፈውስኹም እዚኣ እያ፡፡

እኔና አዳም አንድ አባቴ፣ (ሓደ ኣቦና ኣነን ኣዳምን)

አንቺና ሄዋን አንድ አጥንቴ፣ ( ዓፅመይ ኢኺ ንስኺ ሄዋን)

ታድያ ይዤ የመጣሁት ይዤ ምመለሰዉ አንድም ነገር የለም፣(እንታይ …ድኣ….ሒዘ መፂአ ሒዘ ዝምለሶ ሓደ ነገር የለን)

ታድያ ምርጡ ዘር ፣ እንክርዳድ ማነው ያለው (እንታይ ድኣ ምሩፅ ዘርኢ መን’ዩ ኽርዳድ ዝበሎ)

ምነው ( እንታይ ጉዱ)

የምድር ስራ እንጂ የሚያስጠይቅ (ናይ ምድሪ ስራሕ’ምበር ዘሕትት)

በርሱ ፊት ስንቆም ዘር አያፀድቅ። (ኣብ ቕድሙኡ ጠጠው እንትንብል ዘርኢ ኣየፅድቕ)/2 ግዘ/

የሚያጥባት የለ የሚጠርጋት የለ (ዝሓፅባ የለ ዝፀርጋ የለ)

ሰማይን እያት አቤት ማማሯ፣(ከምይ ከም እትምዕርግ ሰማይ እንትሪአ)

ወይኔ ምድር (ወይኣነ ምድሪ)/2 ግዘ/

እኔ ካንቺ አንቺ ከኔ፣ ፍቅር ጠፋ (ኣነ ንዓኺ ንስኺ ንዓይ፣ፍቕሪ ጠፊኡ) /2 ግዘ/

ዘምበል ብለህ እያ፣ አንዱ አባቴ አዳም ወንድሜ(ደንን ኢልካ ርኣያ፣ሓደ ኣቦይ፣ኣዳም ሓወይ)/2 ግዘ/

እኔና ኣዳም አንድ አባቴ(ኣነን ኣዳምን ሓደ ኣቦና)

እኔና ሄዋን ኣንድ ኣጥንቴ (ኣነን ሂዋንን ሓደ ዓፅምና)

እኔ ከዛ መጣሁ (ኣነ ካብኡ መፂአ)

ኣንቺም ከዛ መጣሽ(ንስኺ ካብኡ መፂኢኺ)

ኣንተ ከዛ መጣህ (ንስኻ ካብኡ መፂኢኻ)

መሃል ምን ገባ?(ኣብ ማእኸልና እንታይ ኣተወ?)

ያ ባቢሎን እኛን በታተነን (እቲ ባቢሎን ንዓና በታቲኑ)

ይሀው እስከ ዛሬ የእውነት ፍቅር ኣጣን(እንሄና ስጋብ ሎሚ፤ፍቅሪ ሓቂ ስኢና )

የሚዘፍን የለ የሚዘምር የለ(ዋላ ዝደርፍ የለ፤ዝዝምር የለ)

እንደው ምን ይሻላል(ብስሩኸ እንታይ ይሕሽና)

የምድር ስራ እንጂ የሚያስጠይቅ (ናይ ምድሪ ስራሕ’ምበር ዘሕትት)

በርሱ ፊት ስንቆም ዘር አያፀድቅ። (ኣብ ቕድኡሚኡ ጠጠው እንትንብል ዘርኢ ኣየፅድቕ)/3 ግዘ/

በሉ ጠጥዑሙ የሕስበና ዝሓለፈ ኽፍኣት ይኣኽለና መፃኢ ልዋም የሕስበና እናበልኹ እዛ ሰለስተ ዘለላ ግጥሚ ክብለልኩም፡፡

ጎይታ ሓደ እዩ ሕሰቡ ደጊምኹም

ሰብ ኣይተቃትሉ ንባዕልኹም ሞይትኹም

ኣቱም ብደውኹም ልሞትኹም፡፡

(ናየይ እያ ናባዕለይ )

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You