ውዲት ዘይሰዓሮ ፕሮጀክት

መኣርግ ገ/ሄር

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ ዘተ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ናይ ዝቕፅል ኩነታት ንምዝርራብ ሚኒስትራት ወፃኢ ጉዳይን ማይን ሰለስቲአን ሃገራት ካብ 25-28 መጋቢት 2013 ዓ.ም ኣብ ኪንሻሳ ኮንጎ ኣኼባ ተገይሩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ብምኽንያት ኮቪድ ንነዊሕ እዋን ብኣካል እንተይተራኸቡ ድሕሪ ምፅንሖም ንመጀመርታ ግዜ እዩ ተኻይዱ ነይሩ። ፕሬዝደንት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝዀኑ ፌሊክስ ሼኬሴዲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2013 ዓ.ም ናይ አቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካ ቦታ ምስ ተረከቡ ንድሓር ዘካየድዎ ናይ መጀመርታ መድረኽ እዩ።

መድረኽ ኪንሻሳ ሰለስቲኦም ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ምስ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ናይ ሃገሮም ቕዋም ዘቕረብሉ ነይሩ። ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳይን ኢትዮጵያ ኣይተ ደመቀ መኮነን ቕዋም ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ማይ ኣባይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝኽእል ፍትሓውን ምኽንያታዊን ብዝኾነ መገዲ ምዃኑ ኣብሪሆም እዮም። ከምኡ’ውን ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ተይኮነስ ብሓፈሻ ንጎረባብቲ ሃገራት ናይ ሓባር ልምዓት ዕድል ዝኸፍትን ናይ ምትሕብባር ማእኸል ዝገበረ ምዃኑ ተዛሪቦም እዮም። ምምላእ ማይ ብዝምልከት ኣድላዪ ሓበሬታን ዳታን ንምልውዋጥ ኢትዮጵያ ድሉውቲ ምዃና ኣፍሊጦም። እቲ ዘተ ኣብ ምትሕብባርን ኩሉ ተዓዋታይ ክኸውን ዘኽእል ሓሳብ መሰረት ብምግባር ክካየድ ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።

በብግዚኡ ዝቀያየር ሓሳባት ሒዘን ዝቐርባ ግብፅን ሱዳንን ከም ልማደን ሓድሽ ሓሳባት ሒዘን እየን ቐሪበን። ክልቲአን ሃገራት ካብ ሓደ ዝገብረን ንላዕሊ ዝፈላለያሉ እኳ እንተበዝሐ ንግዚኡ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ሓደ ክኾኑ ገይርዎም እዩ። ክልቲአን ሃገራት ንሓሳባት ሕድሕደን ብምድግጋፍን ኣብ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ንምፍጣር ዝተፈላለየ ፃዕሪ ገይረን እየን። ኢትዮጵያ ኣብ ቐፃሊ ካልኣይ ዙር እትገብሮ ምምላእ ማይ ‹‹ንሕና እንተዘይ ፈቒድና ሓንቲ ንጣብ ማይ ክትንክዩ ኣይትኽእሉን ኢኹም›› ብምባል እናተቓለሱና ይርከቡ።

መግለፂ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ከምዘማላኽቶ ኣብ መድረኽ ኪንሻሳ ብክልቲአን ሃገራት ካብ ዝቐረቡ ጉዳያት ዘተ እቲ ቕርፂ ክቕየርን ኣብ ርእሲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ ካልኦት ከም ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማዕረ ግደ ክህልዎም ዝሓትት እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ እታ 86 ሚእታዊ ማይ ኣባይ እተቕርብ ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃብቲ ዘገድድ ውዕል ከይፈረመት ማይ ከትመልእ ከም ዘይብላ ትርር ዝበለ ቕዋም ሒዞም ቐሪቦም እዮም ። ብምኽንያት ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ኽልቲአን ሃገራት ሕፅረት ማይ ከምዘጋጠመን ኣቕሪቦም እዮም።

ግብፅን ሱዳንን እቲ ዘተ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክወፅእን ብኻልኦት መማየጥቲ ንምጅማር ዝላዕለ ሃንቀውታ ኣለዎም። ግብፂ እቲ ዘተ ኻብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኽወፅእ እትገብር ቀንዲ ሃገር እኳ እንተኾነት መበገሲ እዚ ሓሳብ ብሱዳን ኣቢሉ ኸም ዝቐረበን ሓባራዊ ቕዋሞም ከም ዝኾነን ገሊፆም እዮም። ክልቲአን ሃገራት ‹‹ሕብረት ኣፍሪካ ነዚ ፀገም እዚ ኽፈትሖ ኣይኽእልን›› ብምባልን እቲ ሕብረት ብነፃነት ከይመርሕ ከምኡ’ውን ንሓላፍነቱ ብዘናሹ መልክዕ ምስ ካልኦት ተወሰኽቲ ብሓባር ዀይኖም ንኽመርሕዎ ፀቕጢ ክገብሩ ፀኒሖም እዮም።

እቲ ዘተ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽወፅእን ብኻልኦት ኣካላት ንኽረአን ከምኡ ‘ውን ድጋፍ ንምርካብ ሰበ-ስልጣን ግብፂ ኣብ ተፈላለያ ሃገራት ዘይሮም እዮም። ይኹን እምበር ከም እኒ ጀርመን፣ ሩስያ፣ ጣልያን፣ፈረንሳይ፣ ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ሕብረት ኣውሮፓ ዝኣመሰላ ሃገራት ነቲ ዘተ ብማዕረ ተጠቀምቲ ዝገብር ስርዓት ንኽቕፅል እንተዘይኮይኑ ካሊእ ንግብፂ ጥራሕ ዝጠቕም ዝተፈለየ ደገፍን ቕዋምን ኣየርአዩን። ግብፅን ሱዳንን ነቲ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ንኽወፅእ ዝደልይዎ ምኽንያት ኢትዮጵያ ቕድሚ ኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምትግባሩ ዘገድድ ስምምዕ ንኽትበፅሕን ፅዕንቶ ብምሕዳር ዝሓሸ ድጋፍ ንምርካብ እዩ።

ሚኒስትር ማይን መስኖን ፌዴሪኢ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ንመራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ግብፅን ሱዳንን ዝሓዝዎ ቕዋም ብፅሒት ማይ ዝግድብን ኣለና ዝብልዎ ክፍፍል ማይ ዘጠናኽርን ኣገዲድካ ንምፍራም ፀቕጢ ንምግባር ከምዝኾነ ተዛሪቦም እዮም። እዘን ክልተ ሃገራት ብምኽንያት ማይ ምምላእ እቲ ግድብ ህዝብና ንሓደጋ ተቓሊዑ እዩ ዝብል ሙግት ጌጋ ምዃኑ ኣስሚሮሙሉ እዮም። ነዚ መረጋገፂ ዝኸውን ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ናይ መጀመርያ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ መዓልቲ 90 ሚልዮን ኲቢክ ሜትር ማይ ካብ ታሕተዋይ ክፋል እቲ ግድብ መውፅኢ ማይ ይውሕዝ ከም ዝነበረ ኣብሪሆም እዮም። እቲ ግድብ ምስ መልአ ድማ ሱዳን ሕፅረት ማይ ዘይኰነስ ዝላዕለ ምዕልቕላቕ ማይ ኣጋጢምዋ ከምዝነበረ’ውን ኣዘኪሮም እዮም።

ምስ ጉዳይ ግድብ ተተሓሒዙ ናይ ነዊሕ ዓመታት ልምዲ ከምዘለዎም ዝዝረበሎም ነበር ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን ዶክተር ኡስማን ኣቱም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ስካይ ኒውስ ኣረቢያ ኣብ ዝገበርዎ ፃኒሕት ከም ዝገለፅዎ፣ ካልኣይ ይኹን ሳልሳይ ዙር ማይ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ንሱዳን ይኹን ንግብፂ ዋላ ሓንቲ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከሕድር ከምዘይኽእል ኣብሪሆም ነይሮም። እቲ ግድብ ነቲ ዝተተለመ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናፈልፈለ ማእኸላይ መጠን ፍሰት ማይ 48 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ዝኣክል ናብ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ምስዳድ ከምዝከኣል ወሲኾም ገሊፆም እዮም። ግድብ ህዳሰ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ፀገማት መብዛሕትኦም ግጉይ ምዃኖም ዶክተር ኡስማን ተዛሪቦም እዮም።

ግድብ ህዳሰ ኣብ ተፋሰስ ሃገራት ፅዕንቶ ከምዘየሕድር እቲ ሓቂ ብተፈላለዩ ናይቲ ዘፈር ሰብ ሞያ ዝተዘርበ ዋላ ይኹን ግብፅን ሱዳንን ግና ኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ‹‹ ንሕና እንተይፈቐድና›› ብዝብል ምፍርራሕ የስምዑ እዮም። ፕሬዝደንት ግብፂ ኣል-ሲሲ ኣብ ቐረባ ግዜ ብመራኸቢ ሓፋሽ ኣብዘመሓላላፍዎ መልእኽቲ ኣቓልቦ ብርክት ዝበሉ መራኸብቲ ሓፋሻት ዝሰሓበ ነይሩ።

እቶም ፕሬዝደንት ‹‹ንጣብ ማይ ትኣክል ማይ ግብፂ ክውሰደና ኣይክእልን፤ እዚ ቀይሕ መስመር እዩ፤እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብቲ ኸባቢ ካብ ዝሕሰብ ንላዕሊ ሓደገኛ ዘይምርግጋዕ ክፍጠር ይኽእል እዩ›› ክብሉ ኣጠንቒቆም እዮም። ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ሳሚ ሽኩሪ’ውን እንተዀነ ካልኣይ ዙር ማይ ምምላእ እቲ ግድብ ንረብሓ ግብፂ ዝጎድእ እንተኾይኑ ሓያል ስጕምቲ ከንወስድ ኢና ኢሎም። ገለ ኻብቶም ፖለቲከኛታቶም’ውን ማይ ንምምላእ ዝቐረዩ መዓልትታት ትሕቲ 80 መዓልቲ ስለ ዝዀነ ግብፂ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ንውግእ ክትዳሎ ኣለዋ ብምባል ምዝራብ ጀሚሮም እዮም።

ብወገን ሱዳን ውግእ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሰበስልጣናት እታ ሃገር እናገለፁ ዋላ እንተኾኑ ብወገን ግብፂ ግና ምድፍፋእን ፅዕንቶን እናሓደሮም ምዃኑ ፀብፃባት እናሓበሩ እዮም። ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ሱዳን መርየም ኣል ሳድቕ ድሕሪ መድረኽ ኪንሻሳ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ወታደራዊ ኣማራፂ ክህልዉ ይኽእሉ ዶ? ዝብል ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ንዝቐረበለን ሕቶ እንትምልሳ ፍፁም ወታደራዊ ኣማራፂ ቦታ የብሉን፤ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን ብምባል መልሲ ሂበን እየን።

እንተዀነ ግና ግብፂ ሽቶታታ ንኽወቅዕ ምስ ሱዳን እናሰርሐት እንትትኸውን በዚ መሰረት መራሕቲ ኽልቲአን ሃገራት ናብ ካይሮን ካርቱምን ብምምልላስ ብዙሕ ተዘራሪበን እየን። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እዘን ክልተ ሃገራት እዚአን ብሓባር ወታደራዊ ልምምድ ክሳዕ ምግባር ዝበፅሐ ትርኢት ገይረን እየን። ናይ ሓባር ስምምዕ ‘ውን ተፈራሪመን እየን።

ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ንሱዳን ከም ዘይጐድኣ የግዳስ ብዙሕ ቍጠባዊ ረብሓታት ከም ዝህቦም ናይ ባዕሎም ሙሁራት ዘረጋገፅዎ ሓቒ እዩ። ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን ዶክተር ያሲር ኣቡስ ቅድሚ ሓደ ዓመት ንመራኸብቲ ብዙሃን ኣብዝሃብዎ መብሪሂ እቲ ግድብ ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ንሱዳን ከም ዝጠቕም ተገሊፁ ነይሩ።

ኣሳራርሓ እቲ ግድብ ብዝምልከት ኻብ ዘመናዊ ግድባት ብዝበልፅ ዝላዓለ ክእለት ብዘለዎም መሃንድሳት ዝተሰርሐ ምዃኑ ብምጥቋም ቴክኒካዊ ፀገማት ከም ዘይብሉ ሓቢሮም ነይሮም። እቶም ሚኒስትር ሕዚ ቕዋሞም ቐይሮም ግብፂ እተስፋሕፍሖ ዘላ ሓሳብ ብምድጋፍን ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ሙዃኖም ከምኡ’ውን ኣብ ክልተ ቦታ እናረገፁ እዮም ብምባል ብዙሓት ሰባት ብትዕዝብቲ ይዛረቡ።

ግብፂ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ብኢትዮጵያውያን ገንዘብ ድጋፍ ምስርሑ ድቃስ ኣስኢንዋ እዩ። ኣይተሳኸዐላን’ምበር ኣብ እተፈላለየ እዋናት እቲ ግድብ ቅድሚ ማይ ምሓዙ ነቲ ግድብ ንምዕናው ትልሚ ከምዝነበራ ኣብተፈላለዩ እዋናት ዝገበረቶ ፈተነ የርድእ። ኣብ ሰነ 2013 ዓ.ም. ነበር ፕሬዝደንት ግብፂ መሓመድ ሙርሲ ምስ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ብምዃን ብዛዕባ ህንፅት እቲ ግድብ ዕፅው ኣኼባ ገይሮም ነይሮም። ቀንዲ ዕላማ እዚ ኣኼባ እዚ ግድብ ህዳሰ ብኸመይ ምትዕንቓፍ ከምዝካኣል እትዓግቶ ስትራተጂታት ምንዳፍ እዩ ነይሩ ።

ኣብቲ ዘተ ነቲ ግድብ ካብ ምፍራስ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ነንባዕሉ ጎንፂ ክፍጠር ከመይ ክግበር ከምዘለዎ ዝቐረበ እንትኸውን እንተይተፈለጠ ናይታ ሃገር ሚድያታት ንማሕበረሰብ ዓለም ቀጥታዊ ፈነወ ስለ ዘመሓላለፉ ስርሖም ንኽቃላዕ መገዲ ኸፊቱ እዩ። ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ‹‹ፖለቲከኛታት ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጥቕዓት ንኽፍፀም ዝገበርዎ ምስጢራዊ ዝርርብ ተቓሊዑ እዩ›› ብምባል እዩ ነይሩ ተቐባቢሎም ዝፀብፀቡ። ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ከይትረጋጋዕ ናይ ምኽራር ቕዋም ምስ ዘለዎም ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ፍሉይ ርክብ ብምፍጣርን ብምዝርራብን ህንፀት እቲ ግድብ ንምትዕንቓፍ ከም ዋና ስትራተጂ ዝተወሰደ ነይሩ።

ካልእ ስትራተጂ ኸዓ ግብፂ ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ናይ ነፋሪት መጥቃዕቲ ኽትፍፅም ድልውቲ ከም ዝኾነት ኣምሲልካ ግብረ-ሽበራ ዝተመልኦ ወረታት ብምዝርጋሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስግኣት ምፍጣር እዩ ነይሩ። እዚ ዅሉ ተገይሩ ውፅኢት እንተዘየፍርዩ እቲ ናይ መወዳእታ ኣማራፂ ነቲ ግድብ ምፍራስ እዩ ኢሎም እዮም። እቲ ግድብ ሕዚ ብቐጥታ ኽተፍርሶ ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ብምብፅሑ ዘይፍተን እኳ እንተኾነ እቲ ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ሃገርና ዝረአዘሎ ፕሮፓጋንዳታት ናይ ቐረባ እዋን ናይ ድሕንነት ፀገማትን ናይቲ ስትራተጂ ኣካል ምዃኑ ግን ክርሳዕ የብሉን።

ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ብፍላይ ድማ ግብፂ ኣብ ኣባይ ዝስራሕ ንዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣበርቲዓ ብምቅዋም ብዙሕ ዓመታት ኣቑፂራ እያ። ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ንኸይጅመር ብዙሕ ፃዕሪ ገይራ እያ፤ ምስ ተጀመረ ድማ ንምትዕንቓፍ ብዙሕ ፃዕሪ ገይራ እያ። ሕሉፍ ሓሊፉ ‘ውን ግብፂ ኣብቲ ግድብ ዝካየደሉ ቦታ ቤት ፅሕፈት ብምኽፋት ነቲ ግድብ ንምምሕዳርን ሓፈሻዊ ንጥፈታታ ንምቍፅፃርን ሕቶ እስካብ ምቕራብ በፂሓ ነይራ እያ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘተኰረ መልእኽቲ ዘማሓላልፉ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገፅ ብምኽፋት እናሰርሐት ምዃና ኣብ ቐረባ ግዜ ዝዓፀወቶም ፌስ ቡክ ሓደ መርኣያ እዩ። ከም ፀብፃብ ቢቢሲ እዞም ናይ ፌስ ቡክ ኣካውንት ንባዕሎም ንምፍላጥ ክባሃል 525 ሽሕ ዶላር ወይ ብር 21 ሚልዮን ወፃኢ ገይሮም።

ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ እተከናውኖ ካብ ካልእ ሃገር ዘይኰነስ ካብ ሃገራ እዩ። ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ማይን መስኖን እቲ ማይ ምምላእ ካብቲ ዝተተሓዘሉ መደብ ሓደ ዓመት ኣብ ዝደንጎየሉ እዋን ብምጉታቱ ምኽንያት ብቐጥታ ኻብ ዝረኽቦ ኣታዊ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር እዩ ዘስእን። ስለዚ ኢትዮጵያ ነቲ ብግብፅን ሱዳንን ኣቢሉ ንምትዕንቓፍ ዝግበር ውዲት ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ኢትዮጵያ ፅኑዕ ቅዋማ ኣቐሚጣ እያ።

ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዘተኣሳሰረ ኢሉ’ውን ኩሉ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ህብረ ዜማ ክዝምሩ ዝገበረ ልዑል ናይ መልእኽቲ ምልክት እዩ ነይሩ። ኢትዮጵያውያን ፍልልያት እኳ እንተሃለዎም ብዛዕባ እቲ ግድብ ኣይወላውሉን እዮም። እቲ ቐዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2012 ዓ.ም ብዓወት ምስ ተተግበረ ኩሉ ህዝቢ ሓጎሱ ከምዝገለፆ ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዓወት ተተግቢሩ ልዑል ሓጐሱ ንምግላፅ ይዳሎ ኣሎ። (ፍልፍል-ግዜኢ)

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You