
ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ኣብ መንጎ ወሳኒ ሃገራዊ ፈተናን ተስፋን ኾይና ኢና ተቀቢልናዮ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈተናን ተስፋን ኾይና ሓድሽ ዓመት እንትትቕበል እዚ ናይ መጀመሪኣ ኣይኮነን፡፡ ምናልባት’ውን ናይ መጨረሸኣ’ውን ኣይኾንን፡፡
ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ መንግስቲ ክምስረት’ዩ፡፡ ግድብ ህዳሰ ብክልተ ተርባይናት ሓይሊ ምፍልፋል ክጅምር’ዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠሙና ፀገማትን ፈተናታትን ክንፈትሖም ኢና፡፡ በዚ’ውን እቲ ዓመት ዓመተ ዓወትን ውፅኢትን ክኸውን’ዩ፡፡
ኢትጵያውያን ፈተና ኣየበርግገናን፡፡ ዓወት’ውን ኣየስኽረናን፡፡ እዚ ዓለም ኹሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ፈተና ናብ ዕድል ናብ ምቕያር ታሪኽን ዓቕምን’ውን ኣለና፡፡ ኢትዮጵያ ንሽሕ ዓመታት ብነፃነት ዝነበረት እንትባሃል ፀላኢ ስለዘይነበረን ፈተና ስለዘየጋጠማ ኣይኮነን፡፡ ኹሉ ከም ኣመፃፅእኡ ስለዝሰዓረት ጥራሕ እዩ፡፡ እዚ ሐዚ ንዘገጠማ ፈተናን ፀገም’ውን ብዓወት ክትወፅኦ’ያ፡፡
ኣብ ዓመተ 2014 ዓ.ም ባዕልና ተሊምና ክንሰርሕ ግድን’ዩ፡፡ ፀገማትና ፈቲሕና ብዓወት መሰስ ክንብል ኣለና፡፡ ብናይ ባዕልና ናውቲ፣ ብናይ ባዕልና ፈጠራ፣ ብናይ ባዕልና መገዲ ናይ ባዕልና ዘመን ውፅኢታዊ ክንገብሮ ይግባእ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ብዝነበረ ኲናት፣ ምስ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ፣ ኣሰራርሓን ምምላእን ዝተድሓሓዙ ጉዳት ሉኣላውነት ሃገር ዝተፈታተኑ ምንባሮም ይፍለጥ፡፡ ኮይኑ ግና ሉኣላውነትና ንምሕላው ዘለና ሓድነትን ቑርፀኝነት ብዘንፀባርቕ መልክዑ ሰሪሕና ኢና፡፡ ውፅኢት’ውን ረኺብናሉ ኣለና፡፡
መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ኣብ እንሃንፀሉ እዋን ናይ ገንዘብ ኾነ ቴክኒካዊ ሓገዝ ኣብ ምግባር ግቡኦም ንምውፃእ ሰሪሖም’ዮም፡፡ ኢትዮጵያውያን ዝገበርዎ ርብርብ ብጣዕሚ ዘሐጉስ እዩ፡፡ ካብዚ ብዝበለፀ ዘደንቕ ውፅኢት ንከነመዝግብ እዚ ዓብይ ሃገራዊ ፕሮጀክት ምትሕግጋዝና ኣጠናኺርና ንክንቕፅል ግድን’ዩ፡፡ ኣብ 2014 ዓ.ም እዞም ውፅኢታትን ዓወታትን ኣጠናኺርካ ምቕፃል ዘኽእል ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም፡፡
ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ናይ ሰዓራይነት ነጥብታት ንክነመዝግብ ዝዓበየ ግደ ዝተፃወቱ ዲፕሎማታት ኣለው፡፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈር ዝተውፃፅኡ ባዓል ሞያታት ክነድንቖምን ንከመስግኖም ይግባእ፡፡ እዚ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት’ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ፡፡
ኻልኣይ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሴ ኢኮኖሚ ዕብየት ንምንቅቃሕ ብርክት ዝበሉ ኢትጵያውያን ካብ ድኽነት ውሽጢ ንምውፃእ ዝሓዝናዮ ብልፅግና ተልእኾ ኣብ ዕላማ ንምብፃሕ ሓደ ዓብይ ምዕራፍ ዝተሸገርናሉ እዩ፡፡ ኾይኑ ግና ኸዚ ዘመዝገባናዮ ውፂኢት እናረኣይና ዋናን ናይ መወዳእታን ሽቶና ምርሳዕ የብልናን፡፡ ገና ብዙሕ ስራሕ ከምዝፅበየና ኣስተውዒልና ብክልተ ተርባይን ሓይሊ ከፈልፍል ብምግባርን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ናይ ብልፅግና ሕልምና ተግባራዊ ክገብሮ ኣለና፡፡ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ዓወትን ውፅኢት ንምምዝጋብ ፃዕሪ ምግባር የድሊ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኮነ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ፀገምን ፈተናን መንቀሊኡ ራዕዳዊ ህወሓት’ዩ፡፡ እዚ ሓይሊ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ ኣብ ዜጋታትናን ኣብ ሉኣላዊነት ሃገርናን ዓብይ ፈተና ኣጋጢሙ እዩ፡፡ እዚ ፈተና ብዓወት ንምውፃእ ኣብ መሬት ካብ ዝግበር ውግእ ጀሚሩ ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ኢኮኖሚን ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ዓወድ ግንባታት’ውን ሓያል ግጥም እናተኻየደ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡
ሐዚ ኣብ መሬት ዘሉ ኩነታት ብስጉምቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ሒዝዎም ካብ ዝነበሩ ቦታታት እናለለቐቐ’ዩ፡፡ ኣብ ዓውደ ዲፕሎማሲ’ውን ብፍላይ ምዕራባዊያን ሃገራት በዝተጋጋየ መገዲ ዝሓዝዎ ቅዋም ዋላኳ ሙሉእ ንሙሉእ እንተይገደፍዎ ካብቲ ዝነበሮ ዝነከየ’ዩ፡፡ ሐዚ’ውን ኣብዚ ዓውደ ግምባር ዓብይ ቓልሲ የድሊ፡፡ ኣብ ኢኮኖሚ’ውን ብሽርሕ ናብራ ንክኸብር ዝገብሩ ነጋዶ ኣለው፡፡ ንዚኦም ስርዓት ናብ ምትሓዝ ስራሕቲ እናተሰርሐ እንትኾን ውፅኢት’ውን እናተረኸበሉ እዩ፡፡ ኣብ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን’ውን ዓብይ ቓልሲ እናተኻየደ እዩ፡፡ እዞም ኩሉም በዓወት ኢትዮጵያዊያን ንክዛዘሙ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ሰሚሮም እናሰርሑ እዮም፡፡ በዚ’ውን እዚ ሓዱሽ ዓመት ዓመተ ዓወትን ውፅኢትን ክኸውን’ዩ፡፡
6 መስከረም ጋዜጣ ወጋሕታ