‹‹ጀግንነት ሰራዊት ንኢትዮጵያ ዘኹረዐ ንፀላኢ ዘደንገፀ እዩ››‹‹ጀግንነት ሰራዊት ንኢትዮጵያ ዘኹረዐ ንፀላኢ ዘደንገፀ እዩ››

ኣዲስ ኣበባ፡- ጀግንነት ሰራዊት ንኢትዮጵያ ዘኹረዐ ንፀላኢ ዘደንገፀ ኢዩ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ግንባር ምስ ሰራዊት ምክልኻል በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣኽቢሮም።

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ውግእን ቐዳማይ ሚኒስትርን ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሓዱሽ ዓመት ኣብ እዚ ምዕራብ ግንባር ማይ ፀብሪ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝሕለፍዎ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣባላት ሰራዊት፣ ሓዱሽ ናይ ተስፋን ልዕልናን ዓመት ብዓወት ንክንሻገሮ ብምግባርኩም ነመስግን ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈ እዮም።ክፍለጥ ዘለዎ ኢትዮጵያ እትዳለወሉ ዘላ ንሰላምን ምዕባለን እዩ፣ ሰላምን ክነክእ ዝመፅአ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ግን ብጀግንነት እናደምሰስና ነፃ ሃገር ንደቅና ክነረክብ ኢና ኢሎም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ መላእ ሰራዊትና ኣብ ኣድላዪት ሰዓት ንሃገርኩም ደው ብምባልኩም ሃገርኩም’ውን ንኣኻትኩም ደው ክትብል ኢያ ክብሉ ገሊፆም።ብተመሳሳሊ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ፣ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሌትናል ጄኔራል ኣበባው ታደሰ፣ ሓላፊ ዋና መምርሒ ወፍሪ ሕብረት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጄር ጄኔራል ዘውዱ በላይ፣ ኣዛዘ ምዕራብ እዚ ማይፀብሪ ግንባርን ሜጄር ጄኔራል መሠለ መሠረት ሓዊሱ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ተረኺቦም እዮም።

ኣባላት ሰራዊት ተልእኾኦም ብዝለዓለ ብቕዓት ብምውፃእ ኣብ ሐዱሽ ዓመት ኣብ ሃገርና ኣተኣማማኒ ሰላም ክነንግስ ኢና ኢሎም። ህዝብና ዘርኣየና ልዑል ድጋፍ ናይ ሞራል ስንቂ ብምግባር ኣብ ሓዱሽ ዓመት ንህዝብና ዓበይቲ ብስራት ዓወት ንምስማዕ ንዳሉ ኢሎም እዮም።

ኣብቲ ግንባር ዓወት ኣብ ዘመዝገብናሉ ትሕቲ ጎቦ ውቅን ሓዱሽ ዓመት ምኽባርና ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ ዝበሉ ድማ ላዕለዋይ ኢታማዠር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ እዮም።እንዋጋእ ዘለና ኢትዮጵያ ንምድሓን ኢዩ፣ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ብምውቃዕ ዳግም ንከይለዓል ንምግባር ምድላው ይዛዘመ ኣሎ ኢሎም። እዚ ስዒቡ ድማ ሐዚ ተወቒዑ ዝተዳኸመ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 30 ሺሕ ሚሊሻታት

 ኣዋፅኡ እናበለ ህዝቢ ትግራይ የሳቒ ኣሎ ኢሎም።እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ሽንፋ፣ ኣልመሀል በዳር፣ ኣብ ማእኸል ድማ ፅንፈኛ ቅማንት ተጠቒሙ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ንምፍፃም ዝሞከረ ኣብ ዝደምሰስክሙሉ ፅባሕ ዝኽበር በዓል ሓዱሽ ዓመት ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ዓወት መዓልቲ’ውን ኢዩ ኢሎም። እዚ ዘኹርዕ ጀግንነት ንዝፈፀመ ምዕራብ እዚ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም እዮም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ባዕሉ ዝሃነፆ ሰራዊት ብድሕሪት ዝወግአ፣ ምስ ዓፋር ኣምሓራ ኢትዮጵያ ኤርትራ ዝተፃልአ ሓቢሩ ምንባር ዘይኽእል እኩይ ጉጅለ ብምዃኑ እዚ ፀላኢ ንምጥፋእን ህልውና ሃገር ንምርግጋፅን ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ምኽፋል ዘኹርዕ ኢዩ ኢሎም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብዚ ሐዚ እዋን ግብረ ራዕዲ  ህወሓት ንምድምሳስ ጥራሕ ዘይኮነስ እኾነ ይኹን ሃገራዊ ግቡኡ ንምፍፃም ኣብ ዘኽእል ቁመና ኢዩ ዘሎ ዝበሉ ድማ ሜጄር ጄኔራል ክንዱ ገዙ እዮም።

ኣብ ግንባር ወሎ በዓል ምስ ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ንምኽባር ኣብ ዝተዳለዎ መርሃ ግብሪ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸቢሩ እዩ። ኣብቲ ፕሮግራም ዝተረኸቡ ሜጀር ጀኔራል ክንዱ ገዙ፣ ብሰብ ሓይሊን ወታደራዊ ምድላውን ዝተማልአ ቁመና ዘለዎ ሰራዊትና ብሙሉእ ዓቕሙ ዝሰርሕ ደጀን ህዝቢ ሰብ ዋና ኮይኒና ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክብትነና እንትሓስበና ብቑፅሪን ፅርየትን ዝተማልአን ዝጠበቐ ሓድነት ዘለናን ንክንከውን ገይሩና ኢዩ ዝበሉ ሜጀር ጀኔራል ክንዱ ገዙ፣ ህዝብና ዝገብሮ ዘሎ ዝተማልአ ደጀንነት እቲ ሰራዊት ዝተማልአ ፍቕሪ ሃገርን ወነን ክህልዎ ኣኽኢሉ ኢዩ፣ ሓይሊ ህወሓት ኣብ ዝኣተዎ ብምቕባር ኣብ ቀረባ መዓልቲ ህዝብና ሓራ ክነውፅኦ ኢና’ውን ኢሎም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገነን ኣብ ግንባር ዓፋር ታሪክ ምስ ዝሰርሑን ጁንታ ፀራሪጎም ምስ ዘውፅኡን ጀጋኑ ብምዃን በዓል ምኽባረን ሕጉስቲ ከምዝኾና ገሊፀን።

ግዴታ ኮይኑና’ዩ እምበር ኣብ ሰራዊትና ዘሎ ሞራል፣ ቆራፅነትን መንፈስ ፍቕሪ ሃገርን ፅንሑ’ምበር ኪዱ ኣይብልን ብምባል ክብርን ምስጋናን ንጀግና ሰራዊት ምክልኻልን መላእ ሓይሊታት ፀጥታን ክብላ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ገሊፀን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

6 መስከረም ጋዜጣ  ወጋሕታ

Recommended For You