ዘመናት ዝሰገረ ከያኒ-ኣርቲስት ኣለማየሁ እሸቴ

‹‹እስኻትኩም ስራሕኹም ቐፅሉ!!ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ይኹን!!›› እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ስሙያት ካብ ዝኾነ ኣርቲስት ኣለማየሁ እሸቴ ንጋዜጠኛ ሃብታሙ ቦጋለ ዝተዘረባ እየን።

ምዕሩግን ዘናጭን ኣለማየሁ እሸቴ ብሕማም ልቢ ይፅገም ነይሩ። ናብ ጣልያን ንሕክምና ክኸይድ ትኬት ቖሪፁ ተዳልዩ ነይሩ፤ ቕድሚ ህይወቱ ምሕላፋ ዝተወሰነ ሰዓታት ሃፍታሙ ስልኪ ደዊሉ ነይሩ ምኽንያት መደወሊኡ ድማ ከምዝስዕብ የረድኣና።

‹‹ንኢትዮጵያ›› ብዝብል ርእሲ ሎሚመዓልቲ ንዝወፅእ ናይ ሙዚቃ ኣልበም ምስ በዓል ፀጋዬ እሸቱ፣ ግርማ ተፈራ፣ ዘቢባ ተፈራን ጠረፍ ካሳሁን (ኪያ) ዝተፃወቶ ሙዚቃ ቀረፃ ክሊፕ ዝነበረና ቖፀሮ ንምዝካር ቅድሚ ዕለተ ሞቱ ደዊለሉ ነይረ። ድኽም ብዝበለ ድምፂ ‹ሄሎ› ኢሉኒ። ናይ ድምፁ ምድኻም ኣተሓሳሲቡኒ ‹ደሓን ዲኻ ጋሼ?› ኢለዮ። ‹ልበይ የሕመኒ ኣሎ›። ናብ ጣልያን ክኸይድ ትኬት ቖሪፀ ኣለኹ ….. እስኻትኩም ግና ቐፅሉ!! ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ይኹን!!›› ኢሉ ተሳናቢቱኒ ይብል። እዚ ስንብት ግና ናብ ጣልያን ንምኻድ ጥራሕ ኣይነበረን፤ ናፍቲ ዘይተርፍ ዓለም ‘ምበር። ኣርቲስት ኣለማየሁ እሸቴ ሓሙስ(27/12/2013 ዓ.ም) ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ናብ ሕክምና ኸይዱ እናተሓከመ እናሃለወ ህይወቱ ሓሊፋ። ይኹን ‘ምበር ዝተፈለየና ከም ሓደ ኢትዮጵያዊ ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ምሳና ክኸውን መሪቑና እዩ።

ስራሕቲ ምጩውን ዘናጭን ኣለማየሁ እሸቴ ኣፍ ኣውፂኦም ዝዛረቡ ስሙይ ሙዚቀኛ እዩ። ተመራማሪ ሙዚቃን ሓላፊ ባህሊ ኪነጥበብን ቱሪዝምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣርቲስት ሰርፀ ፍሬስብሃት ብዛዕባ ኣለማየሁ ልዕልና ጥበብ ከምዚ ክብል የረድእ ‹‹ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ሪከርዲንግ ኢትዮጵያ ፅርየቶም ዝሓለው ልዕሊ 400 ምሩፃት ስራሕቲ ዘበርከተ ኣለማየሁ እሸቴ፣ ‹‹ጌሪ ኮፐር››፣‹‹ናይ ኢትዮጵያ

 ኢልቪስ››፣ ‹‹ኣለማየሁ ቴክሱ፣ ነጭ ነው ፈረሱ››እናተብሃለ ብኣድነቕቱ ናይ ኣድናቖት ስያመታት ዝተወደሰ ኣለማየሁ እሸቴ፣ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ተፈታውነት ንኽረክብ ዝገበረ ሕሩይ ድምፃዊ እዩ ነይሩ። ‹‹ወርቃዊ›› እናተብሃለ ንዝግለፅ ዘበን ሙዚቃ ኢትዮጵያ፣ ፈላማይ ተጠቃሲ ኣለማየሁ እሸቴ እዩ ነይሩ።

ኣብ 1934 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቤት ሕትመት ብርሃንና ሰላም ካብ ኣቡኡ እሸቴ ኣንዳርጌን ኣዲኡ ወ/ሮ በላይነሽ ዮሴፍ ዝተወለደ ኣለማየሁ ቖልዓ ኽልተ ወርሒ እናሃለወ ኣዲኡ ናብ ወሎ ሒዘንኦ ኸይደን። ኣብ ሰለስተ ዓመቱ ግና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ፤ ከም መሓዙቱ ናይ ኣብነት ትምህርቲ ድሕሪ ምምሃሩ ዕድምኡ ምስ ወሰኸ ኣድላይነት ትምህርቲ ፅኑዕ እምነት ዝነበሮም ወላዲኡ ናብ ኣብዮት ቅርስ ዝበሃል ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ። ኣፍቲ ቤት ትምህርቲ ብዝመሃሮ መንፈሳዊ ዝማሬታት ድምፁ ስሒሉ እዩ። ድሕሪ እዚ ወላዲኡ ተማሂሩ ሃገሩ ከገልግል ዝደልዩ እንተነበሩኳ እሱ ግና ብተፃራሪ ናብ ኦርኬስትራ ፖሊስ ኣብ 1955 ዓ/ም ተፀምቢሩ። ንዝሓለፉ 58 ዓመታት ኢትዮጵያ ብሙዚቃ እናሓጎሳ ፀኑሑ እዩ። ‹‹ኣዲስ ኣበባ ቤቴ››፣ ‹‹የወይን ሃረጊቱ››፤የሰው ቤት የሰው ነው››፣ ‹‹ደንየው ደነባ››፤ ‹‹ትማርኪያለሽ››፣ ‹‹ወልደሽ ተኪ እናቴ››፣ ‹‹እዬዬ››፣ ‹‹ማሪኝ ብየሻለው›› ውዴ ባለቤቴ፣ ‹‹ስቀሽ ኣታስቂኝ›፣ ‹‹ማን ይሆን ትልቅ ሰው››፣ ‹‹እንደ ኣሞራ ክንፍ ኣውጥቼ ልብረራ›› ዝኣመሰሉን ስራሕቱ ኣብ ኣፍ ህዝቢ ተሓቲሞም ዝተረፉ ሙዚቃታት እዮም።

ተማር ልጄን፤ተማር ልጄ

ወገን ዘመድ የለኝ ሀብት የለኝም በጄ

ስማኝ ልጄ ሌት ፀሐይ ነው

ላልተማረ ሰው ግን ቀኑም ጨለማ ነው

እዚ ዘበን ዘይስዕሮ ጥዑም ሙዚቃ ዝተፃወተ ተፈታዊ ሙዚቀኛ ኣለማየሁ እሸቴ እዩ። ምቹው ዝበሃል ህይወት ዘስተማቐረ ኣርቲስት ኣለማየሁ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዘቑፀረ ሓዳር ኣለዎ። ንበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣየሁ ከበደ ብሽም

 ኣዲኡ ‹‹ኣባዬ›› ኢሉ እዩ ዝፅውዓ። መተካእታ ኣደይ እያ እዩ ዝብል። ብትእዛዝ ጀነራል ፅጌ ዲቡ ካብ ደብረማርቆስ ቫዮሊን ክትምሃር ዝመፀት ወ/ሮ ኣየሁን ኣርቲስት ኣለማየሁ

 ኣብ 1957 ዓ/ም ሓዳር ዝመስረቱ እንትኸውን ሸውዓተ ደቆምን ኣርባዕተ ደቂ ደቆም ሪኦም እዮም፡፤

ኣርቲስት ኣለማየሁ እስካዕ ዕለተ ሞቱ ንሃገሩ ኣገልጊሉ እዩ። ሓጋዚ ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ከምዚ ክብል የረድእ። ‹‹ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ንስራሕ እናተራኸብና ነይርና። ኣዝዩ ዝፈትዋ ሃገሩ ኢትዮጵያ ዝምልከት ስራሕ ንኽንሰርሕ ቕንዕ ድንን እናበልና ነይርና። ካብ ፈለማ መኻሪና እዩ ነይሩ። ንሃገር ጠጠው ምባል እንታይ ማለት ከምዝኾነ ምስ ሙሉእ ግርምኡ፣ምስ ሙሉእ ንቕሓቱን ወንኡን ኣብ ኣኼባ ‹‹ንሃገረይ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣለኹ..››ይብል ነይሩ። ‹‹ኣጆኹም ብዘለና ልምዲ ኣብ ሓፂር እዋን ዓብዪ ስራሕ ምስራሕ ንኽእል ኢና››ይብለና ነይሩ። ንሃገር ዝስራሕ ሙዚቃ ግጥሙ ስጡምን ዕሙቕን ክኸውን ኣለዎ ብምባል ገጠምቲ በዚ ዕድምኡ ኣላልሹ እዩ። ›› ይብል። ኣብ ቐፃሊ ዝወፅእ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተዜመ ሙዚቃ ምስ ኻልኦት ኣርቲስታት ኾይኑ ኣዳልዩ ነይሩ።

እዚ ናይ ኣርቲስት ኣለማየሁ ስራሕ ብቐዳማይ ሚኒስትር ፊዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍልጦ ረኺቡ እዩ። እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ናይቲ ስሙይ ኣርቲስት ሞት ምስተሰምዐ ኣብ በይነ መረብ ገፅ ዘመሓላለፍዎ ዕላዊ መልእኽቲ ዝስዕብ ኢሎም እዮም። ‹‹ሃገሩ ኣጥዕዩ ዝፈትውን ንሃገሩ ካብ ልቢ ብምስራሕ ንብዙሓት ከያንያን ኣርኣያ ዝኾነ ኣለማየሁ እሸቴ ምዕራፉ ሰሚዐ ኣዝየ ሓዚነ እየ። ኣብዚ ሰሙን እዚ መናእሰይን ፍሉጣት ከያንያንን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘበን ዝጠልቦ ሙዚቃ ንኸውፅኡ እናተሓባበረ ከም ዝነበረ እፈልጥ እየ። ስራሕቱ ንኢትዮጵያ ልዕል ኣቢሎማ ክነብሩ እዮም። ንኢትዮጵያ ዝሰርሐ ይዓርፍ ‘ምበር ኣይመውትን። ››

ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣርቲስት ኣለማየሁ እሸቴ በዕለት 2/13/2013 ዓ.ም ኣብ ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ስድራኡ፣ፈተውቱን ኣድነቕቱን ከምኡ’ውን ሓለፍቲ መንግስትን ኣቦቶት ሃይማኖትን ኣብ ተረኸቡሉ ተፈፂሙ እዩ።

ትርሓስ ፍቃዱ

ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም

Recommended For You