ህያብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ካብ ጋንታ ዋልያ

ንጋንታ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ናይ ዓወት ዕድል ሒዙ ዝመፀ ስታድየም ባህርዳር ተመልካቲ ንክኣቱ ተዘይተፈቐደ እውን ጋንታ ዋልያ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ንተጋጣሚኦም ሓደ ንዜሮ ብምስዓር ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ንህዝቦም ህያብ ከበርክቱ ክኢሎም እዮም። ጋንታ ዙምባቡዌ ካብ ሜደኦም ወፃኢ ነጥቢ ሒዞም ንምውፃእ ኣብ ምክልኻል መሰረት ዝገበረን መሊስኻ ናይ ምጥቃዕ ጉልበት ዝተሓዎሶ ብምምራፆም ዋልያታት ግልፂ ዝኾነ ዕድል ሽቶ ንምርካብ ተፀጊሞም እዮም። እቲ ፀወታ ክዛዘም ደቓይቕ ብዝኸዱ ቑፅሪ ኣብ ጭንቀት ውሽጢ ዝኣተዩ ዋልያታት ኣብ 78 ደቒቓ ኣሰልጣኒ ውበቱ ብዝገበርዎ ስኬታማ ምቕያር ተፃወቲ ዝሓሸ ዕድል ሽቶ ንምፍጣር ክፅዕሩ ተራእዮም እዮም። እቲ ፀወታ ክዛዘም ውሑዳት ደቓይቕ ኣብ ዝተርፍዎ ካብ ኣጥቃዒ ኣቡበከር ናስር ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ፍፁም ቅላዕ ረኺቦም እዮም። እዚ ዝተረኸበ ዕድል ድማ ኣስቻለዉ ታመነ ብኣግባቡ ብምጥቃም ዋልያታት ኣብ መወዳታ ሰዓት ዓወት ክረኽቡ ኽኢሎም እዮም።

ኳታር 2022 ኣብ እተዳልዎ ዓለም ዋንጫ ንምስታፍ ምድብ ሸውዓተ ኣፍሪካ ሃገራት መፃረዪ ፀወታ ምስ ጋና ፣ ደቡብ ኣፍሪካ ዚምባቡዌ ብሄራዊ ጉጅለ ዝተመደበ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርያ ፀወትኡ ኣካይዱ እዩ። ኣብ ኬት ኮስት ስታድየም ኣብ ሜድኦምን ደገፍቶም ፀለምቲ ኸዋኽብቲ ጋንታ ጋና ዝገጠሙ ዋልያታት ሓደ ንዜሮ ብዝኾነ ውፅኢት ተሸኒፎም እዮም።

ብጣዕሚ ፈታኒ ብዝኾነ ሙቐት ካብ ሜደኦም ወፃኢ ግጥም ዝገበሩ ዋልያታት ሽቶ ተቖፂርዎም እንተመፁ እውን ብጣዕሚ ንፉዓት ምስ ዝኾኑ ጋንታ ጋና ምግጣሞም ንባዕሉ ኣብቲ ፀወታ ዝገበርዎ ምንቅስቃስ ከም ዓወት ዝቑፀር እዩ። ኣብ ኣውሮፓ ዝፃወቱ ብዓበይቲ ተፃወቲ ኸዋኽብቲ ዝተመልአ ኣብቲ ፀወታ ዋልያታት ካብ ዘለዉዎ ብርኪ ኣንፃር ብቀሊሉ ከምዘሽንፍ ግምት ተዋሂብዎ ናብ ሜዳ እንተኣተወ እውን ኣብቲ ፀወታ ዝተርኣየ ግና ብተቓራኒኡ እዩ።

ዋልያታት ካብ ጨዋታ ታክቲክ ጀሚሩ ካብ ቑፅፅር ኳስ ካብ ማረኺ ፀወታ ጀሚሩ ነቶም ፀለምቲ ከዋኽብቲ ኣፍ ዘትሕዝ ምቅስቃስ ገይሮም እዮም። ዋልያታት

 ቅድሚ ሕዚ ዝሕመይሉ ናይ ኣፀዋውታ ታክቲክ ብትኽክል ብምትግባር ካብ ደቀቕቲ ስሕተት ብብዙሕ መልክዑ ምምሕያሽ ዘርኣይሉ ፀወታ ንምሽናፍ ዝገበርዎ ፃዕሪ ፅቡቕ ነይሩ። ብኣንፃሩ ጋንታ ጋና ኣብ ሜደኦምን ደገፍቶምን ብዘለዎም ስምን ዝናን ከምኡ ‘ውን ብጉጅለ ትሑታት ነይሮም ምባል ይካኣል እዩ። ኾይኑ ግና ካብ ዋልያታት ዝረኸብዎ ስሕተት ተጠቒሞም ዝደልይዎ ሰለስተ ነጥቢ ሒዞም ንምውፃእ ኽኢሎም እዮም።

ኣብ መጀመረያ ክፍለ ግዜ ፀወታ ጋንታ ዋልያታት ምክልኻል ኳስ መሰረት ዝገበረ ትኹረት ብምባግባር ኣብ ናይ ጋንታ ጋና በሪ ነምቕራብ ኣይደፈሩን ነይሮም።እዚ ድማ ካብ ሜደኦም ወፃኢ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ፀወታ እንተናኣሰ ነጥቢ ሒዞም ንምውፃእ ሓሲቦም ኣሰልጣኒ ውበቱ ዝተኸተሎ ናይ ፀወታ ስልቲ ከምዝኾነ ተፈሊጡ እዩ። እዚ ኾይኑ ‘ውን ክሳብ ሰላሳን ሓሙሽተን ደቒቃ ዋልያታት ኣብ ፀወታ ትፅቢት ዝግበረሎም ኹሉ እናገበሩን ዝሓሸ ምንቅስቃስ እናገበሩ ኣብ ዝነበርሉ ሰዓት ሓላዊ ማዕፆ ብዝሰርሖ ስሕተት ዋጋ ኣኽፊልዎም እዩ። እቲ ሓላዊ ማዕፆ ብጣዕሚ ተራ ስሕተት ብምስሕሓቱ ካብ ርሑቕ ዝተወቅዐት ኩዕሶ ኣብ መረብ ምዕራፍ ንዋልያታት ዘደንገፀን ንሓላዊ ማዕፆ ድማ ናይ ቴክኒክ ስሕተት ክፍተት ከምዘለዎ ዘርኣየ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ዋልያታት ከም ዝነበርዎ ብጥንቃቐን ስሕተትን ፅቡቕ ተፃዊቶም ሽቶ እንትቑፀሮን ተስፋ ናይ ምቑራፅ ካልእ ሽቶ ንኸይቕፀረሎም ኣብ ስግኣት ክኣትዩ እዮም ተባሂሉ ብብዙሓት እንተተገመተ ‘ውን ናይ ኣስልጣኒ ውበቱ ብልሓት ዝተርኣየሉ ተፀዋቲ ቕያሪ ብምግባር ካልኣይ ዙር ፀወታ ጀሚሮም እዮም።

ጋንታ ዋልያ ካብዚ ፀወታ ዝደልይዎ ፀወታ ነጥቢ ሒዞም ምውፀኦም ስዒቡ እቲ ምድብ ብማዕረ ሰለስተ ነጥቢ ምስ ጋና ብኻልኣይ ብርኪ ክመርሑ ኽኢሎም እዮም።

ጋንታ ዋልያ ንዓለም ፀወታ መፃረዪ ዘርኣይዎ ቅዋም ብቡዙሓት ኣድናቖት ዝረኸበ እንትኾን ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ድማ ነባራትን ሓደሽትን ተፃወቲ ኣዋሂዶም ዝሓሸ ጉጅለ ኣብ ምህናፅ ከምዝርከቡ ብግልፂ ተራእዩ እዩ። ምትእኽኻብ ጋንታ ዋልያ ኣብ ቀፃሊ እናሓየለ እንትኸይድ ኣብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝካየድ ካሜሮን ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ተሳትፎ ብዝዘለለ ፅቡቕ ፃንሒት ክህልዎ ከምዝኽእል ተስፋ ዝሃበ እዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም

Recommended For You