‹‹ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ብግልፂ ፀረ ትግራይ እዮም››ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈጠረ ወድዓዊ ኩነታት ኣብ መናእሰይ ዝተፈጠረ ስእነት ስራሕን ተመዛበልቲ መናእሰይ ትግራይ መፃኢ ዕድል ንምስትኽኻል ምስ መንግስትን ዘይመንግስታውን ትካላት ብምዝርራብ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ዝገለፀ እንትኸውን፣ ኣብዚ ጉዳይን ካልኦት ሓሳባትን ጋዜጣ ወጋሕታ ምስ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ ዝተገበረ ቃለ መሕተት ስፍሕ ዝበለ መብሪሂ ሒዛ ቐሪባ ኣላ፣ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡-ምስ ስራሕ ፈጠራ ተዳሓሒዙ መንእሰይ ትግራይ ናብ ስራሕ ምውፋር ስራሕቲ እንታይ ዓይነት ምንቕስቃስ ይግበር ኣሎ?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ምስ ፈጠራ ስራሕ ዝተደሓሓዘ ጉዳይ መናእሰይ ምስ ሽድሽተ ቢሮታት እናሰርሐ እዩ።ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ከምኒ ኮንስትራክሽን፣ ቢሮ ሕርሻን ኻልኦትን ኽንደይ ፈጠራ ስራሕ ክህሊ ከምዘለዎ ልሃብናዮም ቑፅርታት ኣሎ።ስለዚ ምስቲ ኩነታት ተዳሓሒዙ ሓደ ሓደ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፀገማት እንተሃለወ’ውን ብዝተወሰነ መልክዑ ስራሕ ዕድል ንክፈጥሩልና ብምባል ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኣለና።ኣብ ካብኔ’ውን ተላዒሉ እቲ መንእሰይ ኣብ ዘይተደለየ ቦታ ምውዓል ጥራሕ እንተይኾነስ ናብ በረኻ እውን ክወፅእ’ውን ስለዝኽእል እንተነኣሰ ብስራሕ ክዳሓዝ ኣለዎ ዝብል ከም ኣንፈት ተቐሚጡ እዩ።ፕሮፖዛል ብምድላው ዝቐረበ እንትኸውን እቲ መንእሰይ ብስራሕ ዝፅመደሉ መገዲ ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ።ብኻልእ ድማ ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝገብሮ ምንቕስቓሳት ንምስታፍ በብክፍለ ከተምኡ ፀጥታ እታ ከተማ ዝከታተሉ ዩኒፎርም ብምድላዉ መሃያ ብምድላውን ክሰርሑ ገይርና ኢና ፅቡቕ ለውጢ እናተርአየ ስለዝኾነ ኣጠናኺርና ክንቕፅል ኢና ።

ምስ ፀጥታ ብዝምልከት ድማ ምስ ፀጥታን ምምሕዳርን ብምዝርራብ መናእሰይ ብምምልማል ብሚድያ ሽፋን ንክዋሃቦ ብምግባር ናብ ፖሊስነትን ኦፊሰራትን ዝተፈላላዩ ዘፈራት ስልጠና ተዋሂብዎም ምስ ፀጥታ ኣብ ዝተድሓሓዘ ስራሕ ንክዋፈሩ ኣብ ምምዝጋብ ንርከብ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰለስተ ክላስተር እዩ ዘለና፤ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክላስተር ኢኮኖሚ፣ማሕበራዊን ፀጥታ ምምሕዳርን ኣለዉ።መናእሰይ ኣብዚኦም ተደሪኽና ንክሳተፉ ምንቕስቃስ ኣብ ምጅማር ንርከብ፤ ብመራኸቢ ሓፋሽ ንክፍኖው ብምግባር ንኹሉ ንክበፅሖ ተገይሩ እዩ፣ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ኢና ንርከብ።

ፌደራል መንግስቲ ብዝፈጥሮም ስራሕቲ ንኣብነት ካብ መላእ ትግራይ (ዞባታት ደቡብ ፣ማእኸላይ ሰሜን ምዕራብን መቐለ ኸባቢ ዙርያ) ኽልተ ሽሕ መናእሰይ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ንኣርባዓን ሓሙሽተን መዓልቲ ዝፀንሕ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝርከብን፣ ኣብ ቐፃሊ ድማ ካልኦት ኽልተ ሽሕ ንምእታው ኣብ ምድላው ንርከብ። እዮም ሕዚ ዝኣተዉ ስልጠና ጀሚሮም ኣለዉ። ድሕሪ እቲ ስልጠና ናብ መላእ ትግራይ ተበቲኖም ክሕግዙ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ ዓብይ ጉዳይ ተገይሩ ክዳሓዝ ዘለዎ ጉዳይ መንእሰይ እዩ፣መንእሰይ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝርከብ።ስምዒታዊ እዩ ዘሎ፤ መከላከያ ሓንቲ ጌጋ እንተፈፂሙ ናብ ምርባሽን ዘይተደለየ ነገራት ዝኣቱ መንእሰይ ስለዝኾነ ብፌደራል መንግስቲ ብጣዕሚ ትኹረት ክዋሃቦ ኣለዎ።

መንእሰይ እንትትሓስብ ከለኻ ብዙሕ ወፃኢ እዩ ዘድሊ፤መድረኽ ንምፍጣር ንባዕሉ ብዙሕ ነገር እዩ ዝሓትት፤ስለዚ ኣብቲ መንእሰይ ፍሉይ ጠመተ ክዋሃቦ ኣለዎ። ሚኒስትር ሰላም ድማ ትኹረት ብምሃብ ናይ ባዕሉ ግደ እናበርከተ ይርከብ።ነቲ መንእሰይ እቲ ፖለቲካ ፈጢርዎ ዘለዎ ውጥረት ‘ውን ሓደጋ ኾይንዎ እዩ፣ሓይሊ ኤርትራ ኣብቲ መንእሰይ ፅዕንቶ ክፈጥር ኽኢሉ እዩ።ኣብዚ ሕዚ እዋን መንእሰይ ናብ ስደት ዝመርፀሉ ግዘ እዩ። ፣መዓልታዊ ዝኾኑ ስደት ኣሎ። ናብ ዓፋር፣ሱዳን፤ ዓዲ ዓረብ እናተሰደዱ እዮም ዝርከቡ፤እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኹነታት ስደት ንክመርፁ ገይርዎም እዩ።

ወጋሕታ፡-ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝመፁ ተመዛበልቲ መናእሰይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከቡ?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ተመዛበልቲ ብዝምልከት ብዙሕ ቑፅሪ ዝሕዙ ህፃናት እዮም፣ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ተመዛበልቲ ህፃናት ቐፂሉ ድማ ቁፅሪ መናእሰይ እዩ።ከም ቢሮ ዝሓሰብናዮ ነገር እንተሃለወ እዚኦም መናእሰይ እዚኦም ደረጃ ትምህርቶም ፣ዕድመን ካበይ ከባቢ ከምዝመፁ ብምምዝጋብ ብድሕሪኡ ትካላት ክሕግዙና ናይ ምግባር ስራሕቲ እዩ።ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝሕግዘና ነገር እንተሃልዩ ኣብ ትምህርቲ ይኹን ብኻልኦት መዳያት እናተዛራረብና ንርከብ።

ቐፂሉ ድማ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንኽካተቱ ምግባር እዩ፣ምኽንያቱም ንሳቶም ‘ውን ተጋሩ እዮም፤ስለዝኾነ ዝመፅእ ስራሕ ዕድል ተሳተፍቲ ንክኾኑ ኣብ ሓገዝ ምክፍፋል ድዩ ኣብ ካልእ ንክኣትዉ ምግባር ዝተወሰነ ስልጠና ብምሃብ ስራሕ ዝጅምርሉ መገዲ ምፍጣር እዩ።ብርግፅ ሓደ ሓደ ስልጠና ነቲ መንእሰይ እናተውሃቦ እዩ ዝርከብ።ኣብ ከቢድ ቕልውላው ስለ ዘሎ፤ንዑደት ናብቲ ቦታ ኣብ እንኸደሉ እዋን ብዝተፈጠረ ኩነታት ብጣዕሚ ስምዒታዊ እዮም፣እዚ ንምጥፋእ ድማ ምንቕስቃሳት ጀሚርና ኣለና።

ብኣብዝሓ ተመዛበልቲ ኣብ መቐለ ዝርከቡ እንትኾኑ ካብ መቐለ ቐፂሉ ድማ ኣብ ሽረ እዩ ዝርከብ፤ሽረ ካብቲ ነባራይ ስደተኛ ተሸኪማ እያ እትርከብ ።ካብኡ ድማ ዓድዋ፣ኣኽሱም እናበለ እዩ ዝቕፅል ፣ስለዚ እዞም ተመዛበልቲ ከምቲ ነባራይ መንእሰይ ናብ ዘይተደለየ መገዲ ከይኣትዉ ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ ብምባል ኣብ ምምዝጋብ ንርከብ።

ወጋሕታ፡-መናእሰይ ብፍላይ ዝተመዛበሉ መናእሰይ ናብ ስራሕ ንክኣትዉ ካብ ትካላት እንታይ ዓይነት ሓገዝ እናገበሩ ይርከቡ? ወይ ድማ ብትልሚ ዝተድሓዘ ?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ቢሮ ሕርሻ ፤ቢሮ ኮንስትራክሽን ቢሮ ደቀቕትን ኣንእሽተን ፤ደደቢት ማይክሮ ፋይናስ እንድሕር ናብ ስራሕ ኣትዩ ብዙሕ ነገር ከቃልል እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር።ኣብዚ ሕዚ እዋን ፋብሪካ ሲሚኒቶ መሰቦ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ። እዚ ፋብሪካ ናብ ስራሕ ኣትዩ ማለት እቲ ስራሕቲ ሲሚንቶ እንተጀሚሩ ካብ መዓልታዊ ሰራሕተኛ ክሳብ ኮንትራክተር እዩ ስራሕ ዝጅምር።

ስለዚ ፋብሪካ ሲሚኒቶ መሰቦ ስራሕ ምጅማሩ ዓብይ ተስፋ እዩ። እቲ ማይክሮፋይናንስ እንተጀሚሩ እውን ልቃሕ በቢደረጅኡ ነቲ መንእሰይ ንክህብ ኢና ሓሳብ ዘለና፣ካልኦት’ውን ምምሕዳር መሬት ፣ኢንዱስትርን ንግድን እዞም ቢሮታት እዚኦም ኣብ ካብኔ ብምልዓል ኣብ መወዳእታ ርብዒ ዓመት እዚ ሓገዛት ብምግባር ስራሕ ፈጠራ ዝርከበሉ ዕድል ክህሉ እዩ።ኣብ ከይዲ እንትኾን ከሎ ዘጋጥሙና ዕንቅፋት ክህልዉ እዮም ፤ ንቶም ዕንቅፋታት ሓሊፍካ ናብ ተግባር ንምእታው ኣብ ምስራሕ ንርከብ።

ዝለዓለ ስራሕ ዕድል ዝነበረ ስራሕ ኮንስትራክሽን እዩ።ኮንስትራክሽን ስራሕ ክስራሕ ከሎ መዓልታዊ ስራሕቲ ኣሎ።ቀወምቲ ኮንትራክተራት ኣለዉ ፣ማሽናት ኣካርዮም ዝጥቀሙ ሰባት ኣለዉ፣ኮንስትራክሽን ብዙሕ ስራሕ ዝስራሕ ዘፈር እዩ።ኮንስትራክሽን ስራሕ ጠጠው ኢሉ ማለት 70 ሚኢታዊ ሰራሕተኛ መንእሰይ ስራሕ ጠጠው ኢሉ ማለት እዩ። እዚ መንእሰይ ተሎ ናብ ዝነበሮ ኩነታት እንተዘይተመሊሱ ናብ ዘይድለ ነገር ንምኻድ መገዲ ምኽፋት እዩ። ካልእ ናይ ትእምት ጉዳይ እዩ፣ብዙሕ መንእሰይ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ ትእምት እዩ ። ትእምት ድማ ገና ናብ ስራሕ ኣይኣተወን ።

ወጋሕታ፡-ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እንታይ ዓይነት ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ ?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሕዚ ምስ ብዙሓት ፈተናታት እንድዩ እናተጋፈጠ ዝርከብ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ዝተገበረ ገምጋም ንቐፃሊ ደማ ሓድሽ ትልሚ ብምውፃእ ስራሕ ዝጀመረ እንትኸውን ኢኮኖሚ፣ማሕበራዊን ፀጥታ ምምሕዳር ትኹረት ዝገብረሎም እዮም።ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዙሓት ፀገማት ነይሮም እዮም፣ኣብ ዝቐረበ ሪፖርት እቲ ሓደ ፀገም ፋይናንስ እዩ፣ከም ክልል ናይ በጀት ሕፅረት ኣሎ እዩ።እቲ ተመዲቡ ዝነበረ በጀት ጉጅለ ህወሓት ሒዞምዎ እዮም ኸይዶም።

በዚ ምኽንያት ፌደራል መንግስቲ ካብ ስሩዕ በጀት እቲ ህወሓት ዝሽፍኖ ሓዊሱ እዩ ዝሽፍን ዘሎ።ፌደራል መንግስቲ ብጣዕሚ እዩ ድጎማ ዝገብር ዘሎ።ኣብ ትሕቲ ትእምት ዝነበራ ትካላት ብኸቢድ ገበን እዩ ተዓፅዩ ዝነበረ፣ኣብዚ ጥራሕ ብዙሕ ወፃኢ እዩ ተገይሩ፣ኣብ ትምህርቲ ፣ጥዕና ዝኣመሰሉ ትካላት በቢዘፈሩ ብጣዕሚ ሰፊሕ ድጎማ ተገይሩ።እዚ ሓደ ኣብቲ ግምገማ ቐሪቡ ዝነበረ እዩ፣

ቐፂሉ ድማ እቲ ዓብይ ጉዳይ ዝነበረ ፀጥታ ብዝምልከት እዩ።እዚ ብምግምጋም ናይ ኣመራራሓ ለውጢ ክግበር ኪኢሉ እዩ። እቲ ኩነታት ፀጥታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጀነራል ዮሃንስ እዩ ንኽመርሖ ተገይሩ።ስለዚ ኣብ ፀጥታ ብዝምልከት ብፍላይ ድማ ሓገዛት ንምብፃሕ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምንቅስቓስ ኣፀጋሚ ስለዝነበረ ሰራዊት ምትእጉጋል ነይሩ እዩ።እቲ መሓውር ዝተፈላለየ ስግኣታት ነይርዎ እዩ ።

ሕዚ ግና እዚ ምሉእ ብሙሉእ ስለዝተቐየረ ብሰለሰተ ወርሒ ገምጋም ኣብ ቐፃሊ ፅቡቕ ለውጢ ክመፅእ እዩ ኢልና ንሓስብ።ኣብ ፀጥታ ፅቡቕ ለውጢ እንተመፂኡ እቲ ስራሕ እውን ብኡኡ ልክዕ እዩ ዝሳኻዕ ። ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት በምዝውዋር ንመናእሰይ ንምሕጋዝን መድረኻት ንምፍጣር እውን ኩነታት ፀጥታ ወሳኒ እዩ፣ምሉእ በጀት እንተሃለወ እውን ሰላም እንተዘይሃልዩ ዋጋ የብሉን።

እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ካልኦት ፓርትታት ሓዊሱ እዩ ዘሳትፍ።ካብዚኦም ፓርቲ ዝላዓለ ተሳትፎ ዘለዎም ፓርቲ ራያ ራዩማ እዮም። ትዴፓ ፣ዓረና ፣ብልፅግና ትግራይን ኢዜማን ይርከቡ፤እዞም ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ ሓሳብ ዘለዎም ፓርትታት ብሓባር ብምስታፍ ፖለቲካ ኣተሓሳስበኦም ብምግዳፍ ትግራይ ነድሕን ብምባል እዮም ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ።እቲ መሪሕ ቃልና እውን እዚ እዩ።ህዝቢ ትግራይ ሰላሙን ድሕንነቱን ተረጋጊፁ ናብ ስሩዕ መነባበርኡ ንክምለስ ፣ትካላት ናብ ስረሖም ንክምለሱ ምግባር እቲ ቀንዲ ትልሚ ስለዝኾነ እቲ ዘሎ ኹነታት ኣፀጋሚ እንተኾነ እውን ዝቕድም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ እዩ።

ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ይፅናሕ ብምባል ዝሳተፉ እዞም ሓሙሽተ ፖለቲካ ፓርቲ ብሓቂ ምስጋና ይግበኦም እዩ።ኣብ ትግራይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባ ክረጋጋዕ ኣለዎ። ሓደ ሓደ ምስ ህወሓት ዝተፀገዑ ኣካላት ኣብ ክንዲ ምርግጋዕ ናብ ህልኽን ፅልእን እናኽረርዎ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ።እዚ ድማ መጀመርያ ተጎዳኢ ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ እዩ።ንሕና ምስ ክልላት ርክብና ክጠናኸር ኢና እንደሊ፣ ንህዝቢ ትግራይ ‹‹ፌደራል ኣይጠቕመካይ ኢትዮጵያ ፀላኢኻ እዩ›› እናተብሃለ ህዝቢ ናብ ሸንፈለል ንክኣቱ ንክርበሽን እቲ ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ተኣማንነት ንክስእን ዝገብሩ ኣለዉ።እዚ ግና መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን። ነገራት ብዘተ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ።ብጎንፅን ብህልኽን ዝጉዳእ ህዝቢ እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ህዝቢ ትግራይ ካልእ ይትረፍ እተን ቢሮታትን ሰርቪስን ግልጋሎት ንክህባ ገይርና ነቲ ህዝቢ ከገልግል ኣለዎ እዩ ዝበለ፤ ካልእ ፖለቲካ ስራሕቲ ክሰርሕ እየ ኣይበለን ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣጀንዳ ዘልዐለ የለን።ኣብዚ ግዘ ሓገዝ ዝህብ ዘሎ እዩ እናተወቅዐ ዘሎ፤ እዚ ድማ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ስርሑ ንከይሰርሕን ዕንቅፋት እናኾኖ ይርከብ፣

ወጋሕታ፡-ካብ ሃገር ወፃኢ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ሰልፊ ተቓውሞ እናኻየዱ ይርከቡ፤ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ተጋሩ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ዘበርከትዎ ነገር የለን፤ኣብ ናይ ባዕሎም ትልሚ ውሽጢ እዮም ዘለዉ።ብመሰረቱ ንሳቶም ካብ ተመሳሳሊ ቤተሰብ ዝተኣኻኸቡ፤ካብ ሓደ ስርዓት ዝመፁ ፣በቲ ውድብ ናብ ወፃኢ ዝወፁ ፣ናታቶም ተጠቀምቲ እዮም ። ንህዝቢ ትግራይ ሓልዮት ሃልይዎም ኣይፈልጡን።ኣብዚ ሕዚ እዋን’ውን ዝሓልዩ ኣይኮኑን ዘድልዮ ፣ናይ ህዝቢ ትግራይ ምጉስቋል ናዓኣቶም ሓጎስ እዩ።ምኽንያቱም ብጣዕሚ ብዙሕ ወፃኢ ኣውፅኦም መኪና እናተኻረዩ እዮም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዘለዉ።

ኾይኑ ግና ዓሰርተ ቕርሺ ካብኣቶም ናብ ህዝቢ ትግራይ ኣይመፀትን ፣ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተጋሩ ዘውፅኡዎ ወፃኢ ብጣዕሚ ይሓይሽ ።ካብ ማሃየኦም እናውፅኡ ሓገዝ እናገበሩ እዮም።ክልላት ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ ክሳብ ኻልኣይ ዙር ዝበፅሑ ኣለዎ ።ገንዘብ፣ መድሓኒትን ኣምቡላንስን ንኻልኣይ ግዘ እናሓገዙ ይርከቡ።ስለዚ እቶም ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ብግልፂ ፀረ ትግራይ እዮም። እቲ ሓደ ውጥረት ክውሰኽ እንበር ክቕንስ ኣይገብሩን፣እቲ ሓገዝ ተሪፉ ካብዚ ነገር ተዝቑጠቡ እውን ሓደ ነገር እዩ።

ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ህዝቢ ትግራይ ምስ ብሄር ብሄረሰባት ንምፅላእ ፣ምስ ጎረቤቱ ንክጓነፅ እዮም ስራሕቲ ዝሰርሑ ዘለዉ።ህዝቢ ትግራይን መንእሰይን ንክፈርሕን ንክርበሽን ንዓኣቶም ጥራሕ ንክኣምን እዮም ዝሰርሑ ዘለው።እዚ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተሰማዕነት ኣይህልዎምን።

መንእሰይ ትግራይ ክምለሰሉ ዝደሊ ሕቶታት ኣለዉ።ንሳቶም እንድሕር ተመሊስሎም ናብ ስሩዕ ህይወቱ ንክምለስ እዩ ዝደሊ፣ሕጊ ምኽባር እኮ ኣብ ትግራይ ብቕልጡፍ ንክውዳእ ዝገበሮ ምስ ህዝቢ ትግራይ ብምትሕብባር እዩ።እዚ ዘርእየና ህዝቢ ትግራይ ካብ መጀመሪኡ እውን ፅልኢት ከምዘይነበሮ ዘርእየና እዩ።ህዝቢ ትግራይ ትኽክለኛ ሕቶታቱ ክምለሰሉ እዩ ዝደሊ።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ህወሓት ቐደም እዩ ዝተቖራረፀ ፣ህዝቢ ትግራይ ክመርሐካ’ምበር ክትመርሖ ኣይትኽእልን ።ኣብ ወፃኢ ዘለው ተጋሩ ኣሽምባይዶ ምስ ጎረባብቲ ተጋሩ ነንባዕልና ሓድነት ንከይህልየና እናገበሩ እዮም።ድልየቶም ንሳቶም ብሰላም ክነበሩ ህዝቢ ትግራይ ነንባዕሉ እናተጠራጠረ ክነብር እዩ ፤ሓቂ ዘይኮነ ምስልታት ‘ውን እናለቐቑ ህዝቢ ትግራይ ንከይረጋጋዕ ስራሕቲ ዝሰርሑ ዘለው ።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ብፍቕሪ ንከይነብርን ቂም ንክሕዝን ዓብይ ፅዕንቶ ገይሮም እዮም። ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝባሃሎ ቐስ ብቐስ እቲ ሓቂ እናተረዶ ክኸይድ እዩ ፤ስለዚ እቲ ዝገበርዎ ዘለዉ ሰልፊ ንምምሳል እዩ።

እንሀናልካ እናበሉ ሕዚ ሰልፊ ዝወፁ ዘለዉ ንናይ ባዕሎም ኽብርን ጥቕምን ክብሉ እዮም።ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕዚ ሰዓት ዝሓስብ ዘሎ ዓለም ምሉእ እዩ። እዚኦም ግና ስለኽብሮምን ስልጣኖምን ብዙሕ ወፃኢ እናውፅኡ እናተሰለፉን እናተፃረፉን እዮም ዝውዕሉ ዘለዉ።ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጥምየት ኣብ ዝርከበሉ እዋን ንሳቶም ንሚድያ ሽፋን ብር እናኸፈሉ ይርከቡ፤ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ዘይኾኑ ሰባት ተጋሩ ኢልካ ንምፅዋዕ እውን ከቢድ እዩ።

ወጋሕታ፡-ቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣብ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ትግራይ ዝሃብዎ ሓሳብ ብኸመይ ይርኢዎ?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ዝተፈጠሩ ፀገማት ናይ ሕዚ ኣይኮኑን ፤እናተንከባለሉ ዝመፁ ፀገማት እዮም ።እቶም ቐዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝመፁ ጀሚሩ ብዙሕ ዘድሐንዎ ጉዳያት ኣለዉ።ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ዘቕረብዎም ሓሳባት ምስ ኣምሓራን ኤርትራን ብዝምልከትን ካልኦት ጉዳያትን ዝተደሓሓዘ ዝቐረበ ጉዳይ ቕቡል እዩ፣እዚ ዝመፀ ለውጢ ንክቕፅል ኣብ ጎኒ ቐዳማይ ሚኒስተር ጠጠው ክንብል ኣለና ።

ሕዚ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ፅንፈኛታት ኣለዉ እዮም ፣‹‹ኣነ እንድሕር ዘይተኸቢረ እዛ ሃገር ክትህሉ የብላን›› ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም እዮም።እዚኦም ካብ ህወሓት ትምህርቲ ክውሰዱ ኣለዎም። ህወሓት ንባዕሉ ስለዘቐደመ እዩ ጠፊኡ ዘሎ፣ እተቐድም ዘለካ ንሃገር እዩ።ህዝቢ ትግራይ እቶም ቐዳማይ ሚኒስተር ዝሃቦ ሓሳብ ብፅሞና እዩ ዝከታታሎ ነይሩ፤እዚ ዘሪእየካ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዶክተር ኣብይ ዓብይ ትፅቢትን ተስፋ እናገበረ እዩ ።

ብርግፅ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ንፌደራል መንግስቲ ክጠራጠሮዎ ዝገበሩ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ከይዲ እቲ ሓቂ እናወፀ ክኸይድ እዩ።ካልእ ይፅናሕ እሞ ንህወሓት እንታይ ዓይነት ዕድል ከምዝሃቦም ቀስ ብቐስ ምውፅኡ ኣይተርፍን። እቶም ቐዳማይ ሚኒስተር ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም። ኣብ ምክልኻል ሃገር ፣ኣብ ፖሊስ ፣ኣብ ትካል ድሕንነት ካልእ ድማ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ጥዕና ዝተገበሩ ምምሕያሻት ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ህወሓት ብድምፂ ወያነ ዝሕልፍዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምፍልላይ እዩ፤ህዝቢ ግና ጠንካራ እዩ።ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ክባሃል ክፀርዩ ዘለዎም ጉዳያት ክፀርዩ ኣለዎም።ስለዚ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣህመድ ዝሃብዎም ሓሳባት ወድዓውን ተስፋ ዝህቡን ሓሳባት ተላዒሎም እዮም።

ወጋሕታ ፡-ጉዳይ ስፖርት ክልል ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፀገም ካብ ዝወደቑ ጉዳያት እቲ ሓደ ስፖርት እዩ። ስፖርት ትግራይ ጠጠው ካብ ዝብል ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ። መጀመርያ ብኮሮና ምኽንያት ተቋሪፁ ፀኒሑ፤ቀፂሉ ድማ ብዝነበረ ዘይምርግጋዕ ኣይተሰርሐን። ስፖርት ብባህሪኡ ምንቅስቓስ ኣካልን ኣእምሮን ዝደሊ ስራሕ ስለዝኾነ ኣብቲ ስፖርተኛ ዓብይ ፅልዋ እዩ ኣሕደሩ።ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ምስቶም መካየድቲ ስራሕ ይኹን ምስ ኣሰልጠንቲ ኣብ ምዝርራብ ኢና ንርከብ።

ክዑሶ እግሪ ንበይኑ ከምኡ’ውን ብስክሌትን ጉያን ናብ ስራሕ ዝኣትውሉ መገዲ እናተስተኻኸለ ይርከብ።ትግራይ ብፍላይ ድማ ጉያን ብስክሌታን ብዓለምለኸ ብርኪ ተነሓናሕቲ ስለዘለዉ ቐዳምነት ብምሃብ ናብ ልምምድ ንክኣትዉ ክግበር እዩ።ናይ ኦሎምፒክ ዝግበር ውድድር ኣሎ፤ ኣብኡ ዝሳተፉ ኣትሌታት ናብ መቐለ ብምምፃእ ኣብ ልምምድ እዮም ዘለዉ። ካብዚ በምቕፃል ብምፅራይ ብቁዓት ዝኾኑ ተናሓናሕቲ ናብ ኣዲስ ኣባባ ብምኻድ ክሳተፉ እዮም።እዚ ድማ ድጎማ ብምግባር ነቶም ስፖርተኛታት ሞራሎም ንክምለስ ተስፋ ንምሃብ ብዝብል እዩ።

እቶም ዓበይቲ ዝባሃሉ ክለባት ትግራይ ንምጅማር ግዘ ዝወስድ እዩ ዝኸውን፣ብርግፅ እቶም ተፃወቲ ናብ ዝተፈላለያ ክለባት ተበቲኖም ንክፃወቱ ተገይሩ እዩ፣ ዘይኣተዉ’ውን ኣለዉ። ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ ምስራሕ እንተሃለና’ውን እቶም ክለባት ዘይኸፈልዎ ዕዳ ስለዘለዎም እዚ ንባዕሉ ሓደ መፅናዕቲ ዘድልዮ ነገር ኾይኑ ኣሎ። ንሕና ግና ዘለዉ ፀገማት ብምፍታሕ ናብ ቕድሚት ዝኸደሉ መገዲ ንምጅማር እዩ ድልየትና፣ካብዚ ንዳሓር ተስፋ ንገብር እቶም ፌደሬሽን እውን ድጎማ ብምግባር ስፖርት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎም፣

ወጋሕታ ፡-ኣብ መወዳእታ ዝብልዎ ሓሳብ እንተሃልዩ?

ኣይተ ባርያጋብር፡-ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ናይ ባዓልና ተጋሩ ፀገም እዩ ዝመስለኒ ፣ትግራዋይ ይመርሕ ነይሩ፣ትግራዋይ ይሰርሕ መረኣያ እዩ ፣ ህወሓት ብዝፈጠሮ ድኽመት ንወለዶ ትግራይ ጎዲኡ ነዛ ሃገር እውን ጎዲኡ እዩ። ሕዚ ‘ውን ኹላትና ትኹረት ክንገበር ዘለና ህዝብና ኣብ ምድሓን ስራሕቲ እዩ። እቲ ካልእ ድማ ኣብ ሲቪል ማሕበረሰብ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ኣለዎ፣ኣብ ዘለናዮ ኹነታት ክንሓብኦ ኣይንኽእልን፣ ህዝብና ምግቢ እዩ ስኢኑ ዘሎ፣ስለዚ ኣይኾነይዶ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባት ካብ መላእ ዓለም ኢና ሓገዝ እንቕበል ዘለና፤ስለዚ ኣብ ድኽነት ከምዘለናን ሓገዝ ከምዘድልየናን ክንኣምን ኣለና።

ትምክሕቲ ምንም ኣይገብርን።‹‹ተጋሩ ከምዚ ኢና›› ብምባል እሞድማ ኣብቲ ሓገዝ ምንም ተሳትፎ ዘይብሎም ብዙሓት እዮም፤የግዳስ ሓገዝ ንዝገበረ ስም እናውፅኡ ናይ እከለ ክይትቕበል እናበሉ እዮም ዝውዕሉ ዘለዉ ። ከይትቕበሉ እናበልካ ህዝቢ እናጎዳእኻ ንባዕልካ ፖለቲካ ትርፊ ንምርካብ እዩ እናተሰርሐ ዘሎ።እዚ ድማ ጠጠው ኢልካ ክሕሰበሉን ምኽክር ዘድልዮን እዩ።እቲ ዘሎ ኹነታት ንምፍታሕ እናተረዳእኻስ’ምበር ብህልኽ ዘግበሩ ነገራት ክተርፉ ኣለዎም ። ኩላትና ተጋሩ ሓደ ኾይና ናብቲ ቐዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ቐዳምነት ክንህብ ኣለና።

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ።

ኣይተ ባርያጋብር፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You