
ትርሓስ ፍቃዱ
ኣብ ምስረታ ሃገረ መንግስቲ ዓለም (state formation) ካብ 18 ክፍለ ዘበን ጀሚሩ እስካብ 19 ክፍለ ዘበን ዝነበሩ መፈለምታ ዓመታት ኣናእሽተይ ዝነበራ መንግስታትን ኢምፓየራትን ናብ ዓበይቲ መንግስታት ወይ ድማ ሃገር ዝመስረቱ እንትኸውን፤ሎሚ ኣብ ዓለም 206 ሉኣላውያን ሃገራት ወይ ድማ መንግስታት ይርከባ።ካብ መንጎአን ኢትዮጵያ እታ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር እያ።
ፈለማ፤ ምስረታ ሃገረ መንግስቲ ክንብል ከለና ሓንቲ ሃገር ብመዳይ ፖለቲካ ጠፊኡ ዝነበረ ህልውንኣ መሊሳ ክትረክብ ምግባር ወይ ድማ ቅድሚ ሐዚ ዘይነበረ ሃገር ምምስራት፤ ከምዘመላኽት ሃብታሙ ኣለባቸው (2009) ኣልቤርቶ ኤልሲና (2015) ጠቒሱ የቕምጥ።ካብዚ ተበጊስና ሓደ ሃገረ መንግስቲ ከመይ ይምስረት ንዝብሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ምርኣይ ይከኣል።
እቲ ሓደ ናይ ፈቓደኝነት ሓሳብ (Voluntary theory) እዩ።እዚ ሓሳብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብፈቓደኝነት ንሓደ ብሄራዊ ድልየት ናይ ባዕሎም መንግስቲ ከምዝምስርቱ ይገልፅ።ብኣንፃሩ ድማ ናይ ጎንፂ ሓሳብ (conflict theory)ሓደ ህዝቢ ብሓይሊ ወይ ብፅዕንቶ ሃገረ መንግስቲ ከምዝምስርቱ የቐምጥ።ብተወሳኺ ድማ ዘበናዊ ኣፈጣጥራ መንግስቲ ዝምልከቱ ሓሳባት ዘለዉ እንትኸውን ብሓፈሻ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ውፅኢት ስራሕ ሰባት ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ።ስለዝኾነ ድማ ብስራሕ ወዲ ሰብ ፍፁማውነት ምፅባይ ለዋህነት እዩ።ካብዚ ተበጊስና ኹነታት ኢትዮጵያ ክንርእይ ኸለና ሓደ ሓዲኦም ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ገለገሊኦም ድማ ብሓይሊ፤ ኣካላት ማእኸላዊ መንግስቲ ኾይኖም እዮም።
ካብ መፈለምታ 18 ክፍለ ዘበን ጀሚሩ ኣብ ዓለም ካብ ሃገራት ኣፍሪካን ኤስያን ወፃኢ፤ዓርሰን ካብ ናይ ወፃኢ ፀላኢ ንምክልኻልን ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምምፃእን ናይ ሊቃውንቲ ኣስተዋፅኦ (intellectual elites) ንምስረታ ሃገረ መንግስቲ ዓብዪ ትኹረት ዝተውሃበሉ እዋን እዩ ነይሩ።በዚ መሰረት ተመኩሮ ሃገረ መንግስቲ ኣሌክሳንደር ሃሚልተን (1755-1804) ክንርኢ ከለና ንምጥጣዕ ፌደራሊዝም ኣድላይነት ጥንኩር መንግስቲ ዝተኣመነሉን ብሄራዊ ኢኮኖሚ ኣድላዪ ዝኾነሉ እዋን ብምዃኑ ኣብ ኸይዲ ምስፍሕፋሕ ፖሊሲ(expanition) ወይ ድማ (manifest destiny) ውን ብ1803 ጥንክርትን ሓያልን ኣሜሪካ ንምፍጣር ብምሕሳብ ንኣብነት ሉዚኒያን (Lousiniana) ብምሽጥራዊ ዲፕሎማሲያውን ኢ-ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መገዲ ብምግዛእ፤ብ1810 ምዕራብ ፍሎሪዳ ብዲፕሎማሲያውን ብወተሃደራውን ሓይሊ፤ብ1815 ነባር ህዝብታት ሜክሲኮ (Native Americans)ብጅምላ መቕተልቲ (Mass killing) ወዘተ እዮም ኣሜሪካውያን ክምስረቱ ዝኸኣሉ።
ከምኡ ‘ውን ጁሴፒ ማዜኒ (1805-1872) ጣልያን ካብ 1861 እስካብ 1870 ብልዑል ፖለቲካዊ ፀቕጥን ወተሃደራዊ ስጉምቲን እያ ዩናይትድ ኪንግደም ዝተመስረተት።ብኣንፃሩ ድማ ኦቶ ቮን ቢስማርክ (1815- 1898)ኣብ ኦስትሪያን ፈረንሳይን ብዝረኸቦ ወተሃደራዊ ዓወትን ኣፍልጦን ብዝፈጠረሉ ኣጋጣሚ ብሰላማውን ብምትሕብባርን ፌደሬሽን ጀርመን መስሪቱ እዩ።ብኣንፃሩ ድማ ፈረንሳይ፤ ብሓይሊ ፈረንሳይኛ ንዘይዛረቡ ኹሎም ብምክታት ሃገረ ፈረንሳይ መስሪቶም፤ንኣብነት ብ1789 ኣብ ፈረንሳይ ካብ ዝነብሩ ዝነበሩ ልዕሊ ፍርቂ ተዛረብቲ ፈረንሳይኛ ኣይነበሩን።
ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ካብ ጫፍ ሰሜን እስካብ ጫፍ ደቡብን፤ ካብ ጫፍ ምዕራብ እስካብ ጫፍ ምብራቕ፤ ብርክት ዝበሉ ቋንቋታት ዝዛረቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዘተኣኻኸበ ሓደ ሃገረ መንግስቲ መስሪትና ኢና።ብምዃኑ ድማ መሰረተ መንግስቲ ጣልያን እንትልዓል ጁሴፔ ማዚኒ ናይ ጀርመን ቢስማርክ ከምዝልዓሉ፤ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንትልዓል ድማ ሃፀይ ሚኒሊክ ክልዓሉ ግድን እዩ።ስለዚ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ጀርመን፣እንግሊዝ፣ፈረንሳይ፣ህንድን ወዘተ ሎሚ ከም ሃገር ንዘለወን ዘየወላውል ቑመና ዝርከባ ሃገራት ብዝተመስረታሉ ስርዓት (Nation building) እየን ተመስሪተን።
ህንፀት ብሄር ድሕሪ ምዝዛም ምስረታ ሃገር ስዒቡ ዝመፅእን ንነዊሕ እዋን ዝቕፅል ተግባር ከም ዝኾነ ሃብታሙ (2009) ይገልፅ።ህንፀት ብሄር ማለት ሓደ ህዝቢ ኣብ መንጎ ብዙሕ ኣፈላላይ ሓደ ጥቕሉል ብሄራዊ ዝኾነን ዘተኣሳስርን ድሌት ሓድነትን ወይድማ ኣፈላላይን ናይ ምፍጣር ኸይዲ ከምዝውክል ሃብታሙ(2009) የቐምጥ።ካብ መንጎ እቶም ህንፀት ብሄር ዘሳልጡ መሳርሕታት ሃይማኖት፣ትምህርቲ፣ቋንቋ፣ርክብ ንግድን ምስረታ ማእኸላዊ መንግስት ምምሕዳራዊ ትካላት ምጥንኻርን ወዘተ ንህንፀት ብሄር ከም መሳርሒ ኾይኖም የገልግሉ።ንኣብነት ፌደሬሽን ሩስያ ንምምስራት ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ልዑል ተራ ነይርዋ።(if Russian isn’t your mother, God can‘t your father) ዝብል ቅዋም ነይርዋ፤ከም ፈረንሳይ ዝበላ ሃገራት ፈረንሳይኛ ከም ቋንቋ ላዕለወት መደብ ተገይሩ ስለ ዝቑፀር፤ እቶም ዘይዛረቡ’ውን ብሓይሊ ፈረንሳይኛ ንኽዛረቡ ብምግባር እዮም ህንፀት ብሄረ ፈረንሳይ ዝጀመሩ።
ጀርመንን ኣሜሪካን ካብ ቋንቋ ብተወሳኺ ትምህርቲ፣ብሄራዊ ኹርዓትን ባህልን ንህንፀት ብሄር ኣብ ጥቕሚ ኣውዒሎሞ እዮም።ብመንፅር ቋንቋ መብዛሕቲአን ሃገራት ዓለም ኣመሰራርታ መንግስተን ኣብ 1880ታት ጆን ጆሴፍ (2008)ዝነበሩ ቋንቋታት ኣብ ኣርባዕተ ይመቕሎም።ንሳቶም ድማ ምዕቡል ወይ ድማ ‹‹ስታንዳርድ›› ዝኾኑ ቋንቋታት ንኣብነት ቻይና፣ጃፓን እንትኾኑ ኣሜሪካን እንግሊዝን ብኻልኣይ ብርኪ ዝማዕበለ እንትኸውን፤ ይኹን ‘ምበር ኻሊእ መማረፂ ዝነበሮም ከም ዩናይትድ ኪንግደም፣ሩስያ፣ኦስትሪያ-ሃንጋሪ፣እቲ ሳልሳይ ምዕቡል ኮይኑ ግና ብስፍሓት ዘይዝረብ፤ንኣብነት ጣልያን ኣብ መወዳእታ ናይ ነገስታት ቋንቋ ኾይኖም ንህንፀት ብሄር ዝወዓሉ መብዛሕቲኦም ኣብ ኤስያን ኣብ ኣፍሪካን ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
ናብ ኢትዮጵያ ክንመፅእ ከለና ሃይማኖት ብፍላይ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ህዝብታት ብሓድነት ንምትእስሳር ንሓድነት ኢትዮጵያ ልዑል ተራ ተፃዊታ እያ።ነዚ እዩ ድማ ሎሚ ኣብ ስኒ ፅንፈኛታትን ብሄርተኛታትን፤ከምኡውን ኣኽረርቲ ሃይማኖተኛታት ክትኣትው ዝኸኣለት።እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ይኹን ቋንቋ ኣምሓርኛ ኢትዮጵያ ከም ሃገር (As a nation) ጠጠው ንኽትብል ልዑል ተራ ተፃዊታ እያ።ልክዕ ከምቲ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ቐዳማይ ብርኪ ስርዓተ ትምህርቲ፤ብዓይነታት ትምህርቲ ታሪኽን ሲቪክን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ዘይከኣልና ብሰንኪ እቲ ካብ 1983 ዓ/ም ጀሚሩ እስካብ ሐዚ፤ፖለቲካን፣ስርዓት ህንፀት ብሄርን ምስ ናይ ሓበራዊ መንነትን እሴትን ኢትዮጵያ ብዘፍረስ መገዲ ስለ ዝመፃእና ኣብዚ ሎሚ እዋን ብኣነነት ተሓላሊኽና ሓድነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ይርከብ።ኣነነት (ውልቃውነት) ንማሕበራዊ ለውጢ፣ንምርግጋዕ፣ንዲሞክራስን ንልምዓትን ዓብዪ ስፍራ ከምዘለዎ ኣረጋዊ (2000)ይገልፅ።ኣብዚ መፅሓፍ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ዓለም ብተግባር ከምዝተርኣየ ኣብ ኣፍሪካ ፖለቲካዊ መረፃ እናወሰኑ ካብ ዝርከቡ እቲ ሓደ ኣነነት (ውልቃውነት) ከምዝኾነ ኣረጋዊ ማርካኪስን ብምጥቃስ የቐምጥ።
ብምዃኑ ብሄርተኝነት ብተግባር፤ ጥራሕ ዝባኑ ዝወፀ ውልቃውነት ፖለቲካ ከምዝኾነ ይጠቅስ።ብሄርተኝነት ከም ርእዮተ ዓለም ንሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ ሓገዝ ዝህብ ነዚ ጉጅለ ድማ መስዋእትነት እስካዕ ምኽፋል ዝግባእ ቖራፅነት ዝሰብኽ እዩ (ኣረጋዊ፣2000) ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ መድብለ ውልቃውነት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኣነነት እንተበርቲዑ፤ ምስ ጎንፅን ናይ ምፍንጭጫል ሓደጋን ዝራኸብ ሃንደበታዊ ውፅኢት ናይ ምስዓብ ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘመላኽት እዩ።ብምዃኑ ድማ ኣነነት (ውልቃውነት) ብኣግባቡ እንተተታሒዙ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ልምዓትን ምጥቃም ከምዝከኣልን፤ብኣግባቡ እንተዘይተመሪሑ ድማ ሓደጋ ሓድነት ሃገር ከምዝኾነ ኣረጋዊ የቐምጥ።
ብሄርተኝነት ክጥጥዕ ዝጀመረ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ 1980ታት ኣብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ብሃይማኖታት ብቋንቋ ለውጢ ዝተርኣየሉ ዘበን ከምዝነበረ (the shift from national disintegration was well underway by the mid 1980‘s) ምንቅስቓስ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ሊባኖስ፣ናይጀርያ፣ፓኪስታንን ኹነታት ኢትዮጵያን ከም መረዳእታ እናቕረበ ይትንትን።ብኣንፃሩ ድማ እስካብ 1960ታት ምንቅስቓስ ውህደት ሉኣላውያን ሃገራት ዝነበረሉ ዘበን እዩ ነይሩ።ንኣብነት በዓል እኒ Dank wart Rustow-A world of nation ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ከም ሓደ መርኣያ የቐምጡ።እሞ ድኣ ሎሚ ልኣላውነት ንዓለም ናብ ሓንቲ ቑሸት እናተኣኻኸበ ኣብ ዘለሉ መበል 21 ክፍለ ዘበን ኢትዮጵያ ናብ ኣናእሽተይ ቑሸታት ምምቕቓል፤ወይስ እታ ዝተረከብናያ ኢትዮጵያ ዘበን ብዝጠልቦ ኣተሓሳስባ ህንፀት ብሄር ዘበናዊ ብዝኾነ መልክዑ ክነካይድ ይግበአና?ስለዚ ንመረፃ እንነሓናሕ ፓርትታት ፖለቲካ ብዛዕባ ህንፀት ብሄር ናይ ትኹረት ኣጀንዳና ክኸውን ይግባእ።
ምሕዳራ መሬት ኢ ትዮጵያን ግብርናን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምሕደራ መሬት ዓብዪ ቦታ ዘለዎ እንትኸውን ኣብ 1960ታት ንዝተጓሃሃረ ምንቅስቓስ ሕቶ መሰል በዓል ቤትነት መሬት ነቲ ናዕቢ ንምጉሁሃር ከም ነዳዲ ኾይኑ ኣገልጊሉ እዩ።ነዚ እዩ ድማ ኣፍቲ እዋን መሬት ንሓራሲኡ ዝብል ጭርሖ ሒዞም እናስምዑ፤ንሱር ቦቀስ ለውጢ ስርዓት ደርጊ ክኸውን ዝኽኣለሉ ምኽንያት ካብ መንጎ ሕቶታት ህዝቢ እቲ ሓደ ክኸውን ዝኽኣለ።ምሕደራ መሬት ክንብል ከለና ብሕጊ ወይ ድማ ብልማድ መሰል ብዓልቤትነት መሬት ምውሳን እንትኸውን እቲ ዝህልው መሰል ድማ ብተናፀል ወይ ድማ ብሕብረት (Abundle of rights) ናይ ምትሕልላፍ፣ናይ ምሻጥ ወይ ድማ ዝእዝዝሉ (possession)ኣግባብ ምውሳን እንትኸውን ኣብ ኣፍሪካ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክ ንመሰል ባዓልቤትነት መንግስቲ እንትወሃብ ከም ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ውልቀ መሰል ባዓልቤትነት ይፈቅድ።ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሬት ናይ ህዝብን ናይ መንግስትን ከምዝኾነ ይድንግግ።
ምሕደራ መሬት ኣብ ኹነታት ኢትዮጵያ ሕገ መንግስታዊ ምግባር ዓርሱ ኽኢሉ ዘዛትይ እንተኾነ’ውን፤ ኣብ ምሕደራ መሬት ሕገ መንግስታዊ ምግባር ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝትሓዛን መሬት ብባዕዳዊ ገዛእቲ እንትትሓዝን እቲ ነባር ህዝቢ ባዓል ቤት ንምግባር ኣብ ሕገ መንግስቲ ንኽካተት ይግበር።ስለዝኾነ ምሕደራ መሬት ብባዓልቤትነት ምሓዝ መንፈስ ባዓልቤትነት ዘሐይልን እዚ ብኣንፃሩ ኣብ መሬት ኢንቨስት ንምግባር ዘበረታትዕን ንዕብየት ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ ይገብር ዝብሉ እንትህልዉ ብኣንፃሩ ድማ ምርግጋፅ ባዓልቤትነት መሬት ኢንቨስት ንምግባርን ንዕብየት ኢኮኖሚ ሓደ ክኸውን ይኽእል ‘ምበር እኹል ኣይኮነን ክብሉ ይከራኸሩ።ብምዃኑ ድማ 6ይ ሃገራዊን ክልላውን መረፃ ከም መረፃ 97 ኣጀንዳ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ምስ ምሕደራ መሬት ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ትኹረት ካብ ዝግበኦም ዘፈራት እቲ ሓደን ቀንድን፤ዘፈር ግብርና ክኸውን ይግባእ።ምኽንያቱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፓርቲ ፖለቲካ መሰረት ሓረስታይ ተዘይሃልይዎ ስልጣን ዝሕሰብ ኣይኮነን።ብኣንፃሩ ህይወት ሓረስታይ 83 ሚኢታዊ ህዝቢ ምቕያር ተዘይተኻኢሉ ልምዓትን ዕብየትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕሰብ ጉዳይ ኣይኮነን።ስለዝኾነ ግብርና ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት፤ዘፈር ግብርና ንውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንዕብየት ኢኮኖሚ ዘለዎ ግደ ልዑል እዩ።ንኣብነት ከም ፀብፃብ ኮምሽን ፕላን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት (2003-2012) ካብ ኣጠቓላሊ ሸርፊ ወፃኢ 73.8 ሚኢታዊ ካብ ዘፈር ግብርና ዝተረኸበ እዩ።ብኣንፃሩ ኣብ ተመሳሳሊ ዘበን ማእኸላይ ዕብየቱ 8 ሚኢታዊ እዩ ነይሩ ።ምህርቲ ዘፈር ግብርና ትሑት ምዃን ዝሐሸ ኣቕርቦት ምሩፅ ዘርእን ብሉፅ ቴክኖሎጅን ትሑት ብምዃኑ እቲ ቀንዲ ቐረብ ምግቢ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ንዕብየት ሸርፊ ወፃኢ ከበርክት ክንዲ ዝግበኦ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ኣይኮነን።
እቲ ዋና ፀገም ናብ ስልጣን ዝመፁ መንግስታት ብትኽክልኛ ፖሊሲን ስትራተጂን ክመርሑ ስለዘይከኣሉ እዩ።ንኣብነት መንግስቲ ሃይለስላሰ ሸርፊ ወፃኢ ንዝርከቦም ምህርትታት ትኹረት ብምሃብ ኣብ ኣናእሽተይ ናይ ሕርሻ ቦታታት ዝሓዙ ሓረስቶት ዝተውሃቦም ትኹረት ውሑድ እዩ ነይሩ።ብዘበነ ደርጊ’ውን ካብ ሰዓብቲ ርዮተ ዓለም ሶሻሊስት ንዓበይቲ ሕርሻታት መንግስቲ ዝሃቦ ትኹረት ኣብ ኣናእሽተይ ናይ ሕርሻ ቦታ ንዝሓዙ ሓረስቶት ትኹረት ዝኸልእ ስትራተጂ እዩ ነይርዎ።ብኣንፃሩ ካብ 1983 ዓ.ም ናብዚ ኣብ ኣናእሽተይ ናይ ሕርሻ ቦታታት ነቲ ሓረስታይ ብምግቢ ዓርሱ ንክኽእል ብዝብል መርህን ብግብርና ዝምራሕ ኢንዱስትሪ ፖሊሲ ብምውፃእ ንዘፈር ግብርና ትኹረት እንተሃበ’ውን ብኣመዳድባ በጀት ትሕቲ ሰሃራ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ዝሐሸ በጀት እንተተመደበ’ኳ ንዓበይቲ ሕርሻ ቦታታት (mechanization)ሰብ ሞያ ግብርናን ንሰራሕተኛታት ግብርና ኤክስቴንሽንን ኣብ ክንዲ ምውፋር ኣብ ስራሕቲ ካድረ ትኹረት ክገብሩ ይግበር ነይሩ።ልዕሊ ኹሉ ኣፍልጦ ዝነበሮም ኮለጃት ግብርና ኣለማያ፣ሃዋሳ፣ኣምቦ፣ጅማ ወዘተ ኣሰሮም ክጠፍኡ ተገይሮም እዮም።ስለዝኾነ ንግብርና ሃገርና እኹል ትኹረት ዝህብ ፖለቲከኛ ምርካብ እዋናውን ግቡእን እዩ።(እንዳለ ሃይሌ(ዶክተር) ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝፃሓፍዎን ዝተተርጎመን)
ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም