
ኣብ ዝሓለፈ ጳጉሜ 2012 ዓ.ም ኣብ ድሮ 2013 ዓ.ም ሓዱሽ ዓመት ከም ሃገርን ከም ሰብን ሰናይ ዘበን ንክኾን፣ ናይ ራህዋና ቅሳነትን ከምኡ’ውን ናይ ብልፅግና ዘመን ንክኾን ተመኒና ሓዱሽ ዓመት ተቐቢልና። ከም ሃገርን ውልቀ ሰብን ትልሚ ተልሚና በታሕጓስን ተስፋን ንቲ ሓዱሽ ዓመት ጀሚርናዩ።
ኣብ ድሮ ሓዱሽ ኮይንና ኣብ ወርሓ ጳጉሜን ዝነበራ ሓሙሽተ መዓልትታት ቐፃሊ ዓመት ሰናይ ንክኾን፣ ሰላምን ራሕዋን ንክዓስሎ፣ብልፅግና ሃገር ንክመፅእ ትምኒት ዘመልክቱ ስያሜታት ብምሃብ ፅምብል ሓዱሽ ዓመት ኣኺቢርና ኢና። ሓዱሽ ዓመት’ውን ተቐቢልና።
እቲ ብተስፋ ዝተቐበልናዮ 2013 ዓ.ም ከም ሃገር ዓበይቲ ጉዳያት ተልሚና ንምስኻዕ ሰሪሒናሉ ኢና። መንግስቲ ዓብይ ዋኒኑ ዝነበረ መረፃ 2013ን ካልኣይ ዙር ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ከምኡ’ውን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ምህናፅንና ንምምራቕ ሰሪሑ’ዩ። ብኻሊእ ወገን ድማ ድህንነትን ፀጥታ ሃገር በምሕላው ሰብ ብሰላም ኣትዩ ክወፅእ ምግባርን ዝተረጋገዐ ሰላም ንክህልው ፃዕሪ ገይሩ’ዩ።
ከም ሃገርን ከም መንግስትን ዓበይቲ ዓወታት ዝሓፈስናሉ ዓመት’ዩ። ብፍላይ ዕውት መረፃ ብምክያድን ካልኣይ ዙር ማይ ምምላእ ግድብ ህዳሰ፣ 6 ቢልየን ተኽሊ ንምትክልን ሓደ ቢልየን ተኽሊ ንጎረቤት ሃገራት ንምሃብ ትልሚ ተዳሒዙ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ዘለዎም ፣ 6ነጥቢ8 ቢልየን ተኽሊ ምትኻል ዝጥቀሱ’ዮም።
ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ምክልኻልን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ እዚ ሰሜን በሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ዝተፈነወ መጥቓዕቲ መንግስቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንምክያድ ተገዱዱ ናብ ኩናት ኣትዩ ኣብ ምፍሻልን’ውን ውፂኢታዊ ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ብዝወልዖ ኩናት ሰብኣዊን ኢኮኖሚያውን ጉድኣት ከም ሃገር ኣጋጢሙ ‘ዩ። ዝዓነዎ መሰረተ ልምዓት ትግራይ ዳግም ንምህናፅ መንግስቲ ልዕሊ 100 ቢሊዮን ብር ኣውፂኡ ስራሕቲ ሰሪሑ ኣሎ። እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም በውሕሉል ኣመራርሓ መንግስቲ ስጉምቲ ተዘይውድ ነይሩ ሃገርና ናብ ምፍራስን ናብ ዝኸፍአ ቕልውላውን ምኣተወት። ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት 2013 ዓ.ም ተስፋ ዝገበርዮም ሙሉ ብሙሉእ ኣይሃለውን ነይሮም። ስዘሊ መንግስቲ
ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ካብ ዝረኸቦ ዓወት ዝያዳ ሃገር ካብ ምፍራስ ምድሓኑን ክትቕፅል ምግባሩ ዓብይ ዓወት እዩ።
ድሕሪ ፅባሕ እንቕበሎ ሓዱሽ ዓመት’ውን ከምዝሓለፉ ዓመታት በተስፋ ኢና ንቕበሉ። ሃገርና ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ዝገጠማ ቕልቅላው ወፂኣ ሰላምን ብልፅግናን ዝዓሰላ ሃገር ንክትህልወና ኩላትና ካብ ተስፋን ትምኒትን ዝሓለፈ በቢዝተዋፈርናሉ ዘፈር ዓበይቲ ስራሕቲ ክንሰርሕ ይግባእ። ሰላም ሃገርና ናብ ንቡር ንክምለስ፣ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱን ሰላማዊ ናብራኦም ንክቕፅሉን ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ይግባእ። እዚ ሓዱሽ ዓመት ናይ ዓወትን ውፅኢትን ንክኾን ክንፅዕር ግድን ይኸውን።
ልክዕ ከም ዓሚ 2014 ዓ.ም’ውን ናይ ተስፋን ራህዋን፣ ናይ ቅሳነትን ዕቤትን ከምኡ’ውን ብልፅግና ንክኾን ተስፋ ገይርና ንቕበሎ ኢና። ንዚ’ውን ወርሓ ጳጉሜን ዘለዋ ሓሙሽተ መዓልትታት መዓልቲ ኢትዮጵያዊነት፣ ኣገልጋላይነት፣ ሰናይ ተግባር፣ ጅግንነትን ናይ ዓወት ብስራት ቃል ኪዳን ብዝብል ብምስያም ድሮ ሓዱሽ ዓመት ፅቡቕ ንክኾንን እቲ ሓዱሽ ዓመት ድማ ናይ ተስፋ ንክኾን እናተሰርሐ’ዩ። ስለዚ እዚ ተስፋዚ ንክይኹለፍ ክንሰርሕ ይግባእ። መንግስቲ ኣብ ዝጀመሮ ወፍሪ ህልውና ብዝተፈላለየ መገዲ ብምስታፍ፣ ዕድመ ራዕዳዊ ህወሓት ንምሕፃር ክንረባረብ ይግባእ። በዚ’ውን ሃገር ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ኣጋጢምዎ ካብዘሎ ፀበባ ንክወፅእን ናብ ዝተረጋገዐ ናብራኡ ንክምለስን ምስራሕ የድሊ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ተረጋጊዑ ንክሓርስን እዋን ኣዝመራ ንክይሓልፎን ብምሕሳብ በይናዊ ተኩሲ ጠጠው ምባል ወሲኑ እንተሰርሐ’ውን ራዕዳዊ ህወሓት እቲ ኩናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምስፋሕ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ጉድኣት እናብፀሐ፣ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ድማ እናጋደደ ይርከብ። እዚ ተግባር ተስፋ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለዝኾነ መላእ ህዝቢ ክቃለሶ ይግባእ።
ኣብ 2013 ዓ.ም ዘጋጠመ ፀገም ኣብ 2014 ዓ.ም ክድገም የብሉን። ተስፋ ህዝብን ሃገርን ዘፀልምትን ብዝኾነ ሓይሊ ዝፍፀም ተግባር ኩሉ ወዲ ሰብ ክኹንኖ ይግባእ። በዚ’ውን ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሓዱሽ ተስፋ ሒዝና ስራሕና ንጀምር። ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰናይ ፅምብል ሓዱሽ ዓመት ንክኾን ንምነ። ጋዝጣ
ወጋሕታ 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም