ኣርቲስታት ኣብ ዓውደ ግምባርን ማእኸል ታዕሊምን

‹‹እሽክም››ብዝብል ደርፋ እያ ትፍለጥ፤ ኣርቲስት ማዲቱ ኣወዳይ። እዛ ኣርቲስት ኣብ ግምባር ወሎ ንመከላኸሊ ሰራዊት፣ ንፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ንሚሊሻን ንህዝብን ዘነቓቕሑ ስራሕቲ ጥበብ እናቕረበት እያ ረኺብናያ።

ኣዴኣ ብሞት ምስ ተፈለያኣ እሳን ሙሉእ ስድርኣን እትነብረሉ ካብ ዝነበረት ከተማ ወልድያ ካብ እትፈናቐል ቑሩብ መዓልቲ እንተገበረት ‘ውን ሃገር ንምድሓን እናተፋለሙ ዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኻልኦት ሓይልታት ፀጥታን ስራሕታ ንምቕራብ ናብ ዓውደ ግምባር ምኻዳ ገሊፃ እያ። ምኽንያቱ ድማ ካብ ሞት ኣደይ ዝበለፅ ህዝቢ ዝጎድእ ኽፉእ ፀላኢ ስለዝመፀ እዩ ኢላ።

ስራሕቲ ጥበብ ኹሉ ግዘ ንሰራዊት ስንቂ ሞራል እዩ እትብል ኣርቲስት ማዲቱ፤ ስራሕቲ ጥበብ ንሰራዊትን ንኻልኦት ኣካላት ፀጥታ ብምቕራባ ሕጉስቲ ከምዝኾነትን እቲ ሰራዊት ዝነበሮ ምንቕቓሕ ዝድነቕ ከምዝኾነ ነጊራትና።

ምስ ፀላኢ ዝግበር ፍልምያ መንእሰይ ናብ ዓውደ ግምባር ብምስላፍ፤ ሰብ ሃፍቲ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምግባር፤ ሰብ ሞያ ስነ-ጥበብ ብስራሕቶም ንሰራዊትን ኻልኦትን ሓይልታት ፀጥታን ክድግፉ ኣለዎም እትብል ኣርቲስት ማዲቱ፤ እሳን ሰብ ሞያ መሳርሕታን ኣብ ዓውደ ግምባር ተረኺቦም ሓድነትን ጅግንነት ሰራዊትን ዝውድሱ ስራሕቲ ጥበብ ምቕራቦም ዓብዪ ደስታ ከምዝፈጠረላ ገሊፃ። ኣርቲስት መብሬ መንግስቱ ‹‹መውዜር ኣማረኝ›› ዝብል ደርፉ ይፍለጥ። ንሱን ሰብ ሞያ ጥበብ መሓዙቱን ኣብ ወሎ ግምባር ዝርከቡ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተረኺቦም ንሰራዊት መከላኸሊ፣ ሚሊሻ፣ ንህዝብን ስራሕቲ ሙዚቃ ኣቕሪቦም እዮም።

ኪነጥበብ ሃገራዊ ሓድነት ንምምፃእን ኣብ ዓውደ ውግእ ሰራዊት ብምንቕቓሕን ብምልዕዓልን ዓብዪ ስፍራ ኣለዋ ዝብል ኣርቲስት መብሬ፤ ኣብ ወሎ ግምባር ተረኺቡ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፍሉይ ሓይሊ፣ ሚሊሻን ህዝብን ስራሕቲ ምዝንናይን ምልዕዓልን ብምስርሑ ሕጉስ እየ ኢለ።

መፍረስቲ ሃገር እሳቶም ይፈርሱ‘ምበር፤ኢትዮጵያ ኣይትፈርስን፤ ኢትዮጵያ ፈሪሳ‘ውን ኣይትፈልጥን፤ ምኽንያቱ በብእዋኑ ኽብርቲ ህይወቶም ዝህቡላን ዝሕልውዋን ደቃ ኣለውዋ ዝብል ኣርቲስት መብሬ፤ ሎሚ ‘ውን መንእሰይ ኢትዮጵያ ንምድሓን ሃገር ዝግበሮ ምንቅስቓስ ናብ መከላኸሊ ሰራዊትን ፍሉይ ሓይሊ ብምፅምባርን ሃገሩ ክሕልው ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ኣርቲስት ስርሑን ናብርኡን ምስ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝኸፍአ በደልን ጭካነን ዝፍፅም ጁንታ ንምፍላም ናብ ግምባር ብምኻድ ስራሕቲ ምንቕቓሕን ምዝንናይን ክሰርሕ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ገሊፁ።

እሱን መሳርሕቱን ን13 መዓልታት ኣብ ወሎ ግምባር ሰራዊቱን ኻልኦት ሓይልታት ፀጥታን ኣብ ዝርከብሎም ቦታታት ብምኻድ ንሳቶም ዝበልዕዎ እናበልዑን ኣብ ዝሓደርዎ ቦታ ብምሕዳር ንሰራዊት ዘነቓቕሑን ዝቕስቅሱን ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ብምስራሕ እቲ ሰራዊት ኣብ ቐረባ እዋን ዓወት ከምዝጎናፀፍ ዘለዎ እምነት ገሊፁልና።

ስራሕቲ ኪነ ጥበብ እስካዕ ግምባር ወሎ ኸይድና ምቕራብና ካፍቲ ሃገራዊ ግቡእና ሓደ ኣካል እዩ ዝብል ኣርቲስት ኣስራት ቦሰና፤ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ወሎ ብምቕራቦም ዕሙቕ ዝበለ ስምዒት ከምዘሕደረሉ ይገልፅ።

እቲ ሰራዊት ንዓና ፅቡቕ ኣቀባብላ ገይሩልና፤ ኣንሕና ‘ውን ኣብ መንጎ እቲ ሰራዊት ተረኺብና ስራሕቲ ጥበብ ምቕራብና ሕጉሳት ገይሩና እዩ ክብል ዝገለፀ እቲ ኣርቲስት፤ ስራሕቲ ጥበብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ነቲ ሰራዊት ከነቓቓሕን ከዝናነይን ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለዎም ክብል የብርህ፡ ምኽንያቱ ኣንሕና ብስራሕቲ ጥበብ እንውድሳ ሃገርን ነቲ ዘድንቐና ህዝብን ዝሕልው መከላኸሊ ሰራዊትን ኻልኦት ኣካላት ፀጥታን እዮም ኢሉ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ተመሳሰልቲ መድረኻት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ታዕሊማት ሓደሽቲ ምልምል ወተሃደራት ተመሳሳሊ ተግባር ፈፂሞም።

ልኡኽ ኪነጥበብ ብሄራዊ ትያትር ኣብ ማእኸል ታዕሊም ጦላይ ተረኺቡ ነቶም ምልምላት ኣነቓቒሑ እዩ። ኣብ ትሕቲ ባህልን ቱሪዝንምን ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣርባዕተ ቤት ትያትራት ‘ውን ኣብ ማእኸል ታዕሊም ኣዋሽ ተረኺቦም ተመሳሳሊ ተግባር ፈፂሞም ።

እዞም ብፍቕሪ ሃገር ተሃንጥዮም ከይውዓሉ ከይሓደሩ ናብ ማእኸል ታዕሊም ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ዝርኣዩ ጀጋኑ ሰብ ሞያ ኪነጥበብን ከዋኽብቲ ባህልን ከይወዓሉ ከይሓደሩ እኹል ምድላው ገይሮም ‹‹ኢትዮጵያ ንምድሓን ክዘምት እየ››እናበሉ ናብ ማእኸል ታዕሊም ጦላይ በፂሖም እዮም።

ምስ ምልምል ወተሃደራት ኾይኖም ዝተፈላለዩ ጣዕመ ዜማታት፣ ምርኢት ሰርከስ፣ ኮሜዲታትን ብምቕራብ ሓበን ሰራዊት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም እዮም። ከምቶም ዓበይቲ ስሙያት ከየንቲ እቲ ሰራዊት ንሃገሩ ጠጠው ብምባል ጀጋኑ ኣቦታቱ ዘረከብዎ ሃገር ብኽብሪ ንኸረክብ ሰፊሕ ተግባር ምንቕቓሕ ገይሩ እዩ። ኣፍቲ መድረኽ ምልምል ወተሃደራት ተረኺቦም ንፈታውን ንፀላእን መንነቶም ኣረጋጊፆም እዮም። እቶም ኣርቲስታት ኣብ መድረኻት ብዘቕረብዎም ምርኢታት ጥበብ ምልምል ሰልጠንቲ ኣዝዮም ተመሲጦም ነቶም ዜማታት ብሓድነት ኣዚሞም፤ ሳዕሲዖምን ብኣድናቖት ተመልኪቶሞ እዮም። ባንዴራ ኢትዮጵያ ልዕል ኣቢሎም ብምውልብላብ ንሃገሮም ጠጠው ከምዝበሉ ‘ውን ኣረጋጊፆም።

እዚ ምድላው ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ይእመን። ብሰብ ሞያ ኪነጥበብ ዝርኣይ ምንቕቓሕ ‘ውን ነዚ ዘመላኽት እዩ ። ሃገር እንትትህልው እዩ፤ ስራሕቲ ጥበብ ይኹን ወሊድኻ ምዕባይ ዝከኣል፤ ሃገር እንተዘይሃሊያ ዋላ ሓንቲ ኣይስራሕን፤ ስለዝኾነ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ሃገሩ ካብ መፍረስቲ ሓይልታት ምድሓን ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ተገንዚቡ ኣብ ዘለዎ ዘፈር ኾይኑ ክሰርሕ ይግባእ።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You