
ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያዊት ኣትሌት የኣለምዘርፍ የኋላው ኣብ ኣየርላንድ ኣንትሪምኮስት ኣብ ዝተኻየደ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ማራቶን ጉያ ክብረወሰን ሰይራ እያ። እታ ኣትሌት ክብረወሰን ክትሰብር ዝኻኣለት 1፡03፡43 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው እንትኸውን እዚ ድማ ብኬንያዊት ኣትሌት ሩት ቼፕንጌቲች ተዳሒዙ ዝነበረ ሪከርድ ብ 19 ሰከንድ ብምምሕያሽ እዩ። ናይቲ ሪከርድ ሰዓት ብ 57 ሰከንድ እዩ ኣመሓይሻ ።
ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ዝተሳተፈ ኣትሌት ጀማል ይመር 1፡29 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው እንተስዕር ካልእ ኢትዮጵያዊ ድማ ኣትሌት ተስፋሁን ኣካልነው ውድድሩ ኻልኣይ ብምውፃእ ዛዚሙ እዩ።
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ኢትዮጵያውያን ቀዳማይን ካልኣይን ዓወት እንተመዝግቡ ኣትሌታት ኬንያ ሳልሳይ ብርኪ ሒዞም ከምዝዛዘሙ ፀብፃብ ቢቢሲ የመልክት።
ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም