ውድድር ኩዕሶ እግሪ ‹‹ፅዋዕ ሓድነት ኢትዮጵያ›› ከካይድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ‹‹ፅዋዕ ሓድነት ኢትዮጵያ›› ብዝብል ውድድር ኩዕሶ እግሪ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ። እቲ ኣክስዮን ማሕበር ትሕቲ ዒስራን ሰለስተን ዕድመ ኩዕሶ እግሪ ንምክያድ ከምዝተዳለወ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ስሩዕ ጠቕላሊ ጉባኤ ገሊፁ እዩ።

ናይቲ ኣክስዮን ማሕበር ቦርድ ኣካቢ ሓለቃ ሚኢቲ ፈቃደ ማሞ ‹‹ፅዋዕ ሓድነት ኢትዮጵያ›› ኣብ ወርሒ ጥሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ሃዋሳ ከምዝካየድ ንግዜኢ ገሊፁ እዩ።

ኣብቲ ውድድር ካብ ምብራቕ፣ ምዕራብ፣ ሰሜንን ደቡብን ከባቢታትን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወፃፅኡ ጋንታታት ክሳተፉ እዮም። ነቲ ውድድር ዝተመረፀ እዋን ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝሳተፈሉን ‘ውን ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።

ናይቲ ጋንታ፣ ኣሰልጠንትን ተሳተፍትን ዝርዝር ሓበሬታ ናይቲ ውድድር ግዜ እንትቐርብ ከምዝፍለጥን እቲ ውድድር ንክካይድ ውሳነ ዝተሓላላፈ ብሓፈሻ ኣባላት እቲ ጉባኤ ተቐባልነት ብምርካቡ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ።

ብካልእ ዜና እቲ ኣክስዮን ማሕበር ሓፈሻዊ ጉባኤ ብዝዎሰኖ መሰረት ትሕቲ ዒስራን ሰለስተን ዕድመ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ዝካየድ ከምዝኾነ ፈፃሚ ስራሕ ኣይተ ክፍሌ ሰይፈ ኣፍሊጦም እዮም። እቲ ውድድር ዕድሚኦም ልዕሊ ዓሰርተ ሸውዓተን ትሕቲ ዒሰራን ሰለስተን ዝኾኑ ተፃወቲ ከምዝሳተፉ እዩ ዝገለፁ።

ትሕቲ ዓሰርተ ሸውዓተ ንምግባር ዝተሓሰበ ግና ምስ ፌዴሬሽን እግሪ ኩዕሶ ኢትዮጵያ ዘተ ብምግባር ከምዝውሰን ተዛሪቦም እዮም።ኣክስዮን ማሕበር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ካልኣይ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ 2014 ዓ.ም ካብ ተመልካቲ ዝርከብ ገንዘብ ኩነታት ምክፍፋል ኣፍሊጡ እዩ። በዚ መሰረት ብተመልካቲ ዝርከብ ኣታዊ ንሜዳ ሓገዝ 10 ሚኢታዊ፣ ንባዓል ሜዳ ክለብ 80 ሚኢታዊ፣ ንኣክስዮን ማሕበሩ 10 ሚኢታዊ ከምዝከፋፋል ዕላዊ ኾይኑ እዩ።

መእተዊ ስታድየም ትኬት ዋጋ ክፍሊት ድማ 1ይ ብርኪ 300ብር፣ 2ይ ብርኪ 200ብር፣ 3ይ ብርኪ 100ብር፣ 4ይ ብርኪ 50 ብር ከምዝኾነ ኣፍሊጦም እዮም። ናብ ስታድየም ዝኣቱ ተመልከቲ እቲ ውድድር ዝካየደሉ ስታድየም ዘይሕዞ ቑፅሪ ሰብ ርብዒ ዝኣክል ከምዝኸውን ተወሲኑ እዩ።

ንባዓል ሜዳ ክለብ 70ሚኢታዊ ንጋሻ ክለብ 30ሚኢታዊ ደገፍቲ ከምዝኣትውዎ ተገሊፁ እዩ። ወድዓዊ ሃገራዊ ኩነታት ብዝምልከት 16 ክለባት ሕድሕዶም 500ሽሕ ብር ብሓፈሻ 8ሚልየን ብር ንመከላከያ ሰራዊት ሓገዝ ንምግባር ተስማዕሚዖም እዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You