ዘተ ወድዓዊ ኩነታት ሃገር ብተወለድቲ ትግራይ

ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ኣድሂቦም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘተ ኣካይዶም’ዮም። ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ሉኣላውነት ሃገርና ንከይድፈር ኣብ ጎኒ መከላከያ ሰራዊትና ጠጠው ክንብለ ኢና ኢሎም። ኣብ ትግራይ እናገበረ ዘሎ ነገር ሉኣላውነትና ብዝዳፈር መልክዑ ካልኦት ሓይልታት ወፃኢ ኢድና ንምጥምዛዝ ዝሙክሩ ካብ ባዕሎም ድልየት ተላዒሎም እዮም ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዘተ ተላዒሉ እዩ።

ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን ኾይኑ ፀላኢ ዝመከተን ሉኣላውነቱ ዘኽበረን እዩ ብምባል ዝገለፁ እቲ መድረኽ እናመርሑ ዝነበሩ ሚኒስትር ዲሞክራታይዜሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ፣ ኸዚ’ውን ብሉኣላውነትና ዝመፅእ ጌጋ ተራ ጌጋ ኣይኮነን ኢሎም እዮም። መን የሸንፍ መን ሃገር ይምራሕ እንተይኾነስ ሉኣላውነትና ንክሕሎ ብርሑቕ ምምዕዳው እንተይኾነስ ኣቲና ናይ ባዕልና ግደ እናዋፀአሉ ኣጋጣሚ ክፍጠር ኣሎ ኢሎም። ኸዚ ናይ ተግባር እዋን እዩ፣ እዚ ሓደገኛ ዝኾነ ጉጅለ ንምጥፋእ ክንውደብ ኣለና ክብሉ ኣብቲ መድረኽ ኣብሪሆም እዮም።

ኣቦ ወንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ፣ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ድኽመት ብምፍታሽ እዚ ንከይድገም ብዝሓሸ መገዲ ክንቕጽል ኣለና ኢሎ እዮም። ብሓፈሻ እቲ ግብረ ራዕዳዊ እናሰርሖ ዘሎ ስራሕ ዘሕፍርን ዘሸማቕቕን እዩ፣ እዚ ብቑልጡፍ ፍታሕ ክዋሃቦ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም እዮም።

ንውሑዳት ስልጣን ፈተዉቲ ክባሃል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ክበላሾ የብሉን ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ድኽመት ንክማሓየሽ ኣብ ቐፃሊ ንከይድገም ክስራሕ ኣለዎ። እቲ ሓደ ብቅዓት ከምዝናኣሶን ተሞክሮ ከምዘይብሉ ካብዚ ዝዘለለ ድማ ናይቲ ህዝቢ ፀገም ኣስፍሕ ኣቢልካ ብምምልካት ንምፍታሕ እንይኾነስ ስለውለልቓዊ ፓርቲ ድሌት ጥራሕ ዝሓስብ ስለ ዝነበረ እዩ ኢሎም።

ካልእ ፀገም ዝነበረ ድማ ተመሳሳሊ ዝኾኑ ፀገማት ንዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ካብ ምንታይ ዝተልዓለ ከምዝኾነ ብዘይፍለጥ ምኽንያት ግቡእ መልሲ ኣይተውቦምን ነይሩ ኢሎም እዮም። ብተኸታታሊ ብፅሑፍ እንቐረበ’ውን መልሲ ኣይተውሃቦምን።ንቕድሚት ክንራመድ እንተኾይና እዚ ክእረም ኣለዎ። ኣብዚ ዝተኣከብና ኹላትና ለውጢ ደለይቲ ኢና። ለውጢ ንክመፅእ ዲሞክራሲ ነክዕንብብ

 ሓድነት ንክምፅእ፣ ፍትሕን ዕብየትን ንክመፅእ እንደሊ ስለዝኾና ክንውደብ ኣለና ክብሉ’ውን ኣመልኪቶም።

ነዚ ለውጢ ዕንቅፋት ዝኾኑ ሓይልታት ጠጠው ክብሉ ኣለዎም። እዚ ብምትሕብባር ዝግበር ስራሕ’ምበር ብሓደ ፓርቲ ዝካየድ ስራሕ ኣይኮነን። ናይ ኹሉ ፓርቲ ጉዳይ እዩ። ናይ ኹሉ ደላይ ለውጢ ኢትዮጵያዊ እዩ። ስለዚ እዚኦም ግብረ ራዕዳውያ ፤ ቐተልቲ ህፃናት ከመይ ኣቢልና ጠጠው ክነብሎም ኣለና፡ ኣብዚ ሰፊሕ ዘተ ኣድላይ ይመስለኒ ክብሉ ገሊፆም እዮም።

ተኸራኻሪ ሰብኣዊ መሰልን ኣምባሳደር ሰላም ኣይተ ሙዑዝ ገብረሂወት ብወገኖም፣ ኣብዚ ሰዓት እቲ ግብረ ራዕዲ እናሰርሐ ዘሎ ስራሕ ንህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ዘሕፍርን ዘሸማቕቕን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ዘይደልዮ ተግባር እዞም ግብረ ራዕዳዊ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀምዎ ተግባር ነውግዝ ኢና። ኣብ ቐፃሊ ድማ እንታይ ክሰርሕ ኣለና ብምባል ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ተወላዲ ትግራይ ኸዚ ምዝታይ የደሊ እዩ ኢሎም። ተወላዲ ትግራይ ዝኾነ ኹሉ ቅዋሙ ከስተኻኽል ኣለዎ። ተሰብሲብኻ ምውፃእ ጥራሕ ኣይኮነን ኢሎም።

ህፃናት ትግራይ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ እናትግበኦም ናብ ኹናት ንክኣትዉ እናተገደዱ እዮም። እዚ ናትና መግለፂ ኣይኮነን፣ ካብዚኦም ግብረ ራዕዳዊ ተነፂልና ኢና ኢልና ክነፍልጥ ኣለና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ተጋሩ ገበነኛ እንተኾኖም ክሕተቱ ኣለዎም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለና ተጋሩ ምስ መንግስትናን መከላከያ ሰራዊትናን ጠጠው ክብል ኣለና ክብሉ’ውን ፀዊዖም።

ህዝቢ ንመንግስቲ ሕቶ እዩ ዘቕርብ ኹላትና መንግስቲ ትፅቢት ንገብር’ምበር ናይ ውልቀና ሓላፍነት ወሰድቲ ብዘይምዃና ፣ፀገማት ክፍጠሩ ኸለዉ እንተይኾኑስ ትኹረት እንገብረሎም ፣እቶም ፀገማት እናተወሳሰቡ እንትኸይድ ሓድሽ ፀገም እናፈጠረ እዩ ዝኸይድ። ነገራት ካብ ዘተ ዝዘለለ ኣብ ተግባር ዝራኣዩ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።

ኣክቲቪስት ሰለሞን ወልደገሪማ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ድማ፣ብባዕሎም ተላዓዕልነት ኣክቲቪስት ኾይኖም ነቲ ጉጅለ ዝነቕፉ ዉሑዳት እዮም። እዚ ድማ መንግስቲ ኣብ ኣብዚ ስራሕ ስለ ዘይሰርሐ እዩ ክብል መንግስቲ ንኣክቲቪስት ትኹረት ከምዘይሃበ ገሊፁ እዩ።

ኣብዚ ሰዓት ካብቲ ኹናት ብዘይንኣኣስ ሶሻል ሚድያ ኣብ ሕብረተሰብ ክንደይ ዝኣክል ፅዕንቶ እናሕደረ ከምዘሎ እናራናዮ ኢና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቀሚጦም እናሃወኹ ዘለዉ ከይተድሓዙ ኣብ ምንም ዘየለውሉ ተጋሩ ግና ኣብ ተኣሲሮም ይርከቡ። ድሕሪ ኸዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕድሉ እንትረክብ ብዙሕ መንእሰይ ኣሎ ለውጢ ደላይን ደፋርን ኣብ ዝተመደበሉ ስራሕ ብብቅዓት ክሰርሕ ዝኽእል ከምዘሎ ብምፍላጥ ትኹረት ገይሩ እዚም ከስርሖም ይግባእ ክብል ኣብ መንእሰይን ኣክቲቪስታት መንግስቲ ትኹረት ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ።

ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ክፍለ ክኽእል ኣለዎ፤ ኣብ ሓደ ሓደ ዘይምፋለይ ኹነታት ይረአ ኣሎ፤ ብባዓል ስልጣን ከይተረፈ፣ እዚ ክእረም ኣለዎ ዝበሉ ድማ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ዝነበሩ ሌተናል ኮሎኔል ፍስሃ በርሀ እዮም። ህዝቢ ከም ህዝቢ ከም ፀላኢ ገይርካ ምፍራጅ ዋጋ እናኽፈለና እዩ ዘሎ። እዚ ወራሪ ቢቢሞያና ኩላትና ተራባሪብና ክንቕልብሶ ኣለና ኢሎም እዮም። ኣብ መራኸቢ ሓፋሽን ፣ዝተፈላለዩ መድረኻትን ህዝብን ህወሓትን ሓደ ከምዘይኾኑ ብጥንቃቀ ክግለፅ ከምዘለዎ ኣፍሊጦም እዮም።

ፖለቲካኛ ወይዘሮ መሰሉ ረዳ ኣብ 1995 ዓ.ም ህወሓት ብምቕዋም ኣብ መቐለ ናይ ባዕለን ቢሮ ዝኸፈታን ፊት ንፊት እናተቓለሳ ዝነበራ እየን፣ ኣብዚ መድረኽ ተረኺበን ኣብ ዝሃበኦ ሪኢቶ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትግራይ ንክትቃለስ ዘይትድለይን መሰል ዘይብላ እያ ኢለን። ካብ ትግራይ ብምውላደይ ደስ ይብለኒ ዓዲ ጀጋኑ እዩ፣ ኢትጵያውነት ዝዝመረሉ እዩ፣ ታሪኻዊ ሃገር ፍቅሪ ዝኾነ ሃገር እዩ። ዝቃለስኒ ድማ ዘኽብር እየ፣ ኣነ ብሰላማዊ መገዲ ዝቃለስ ብሓሳብ ዘእምን’ምበር ብጥይት ዘይኣምን ኣብ ትግራይ ናይ መጀመርያ ተቓላሲት ብምዃነይ ደስ ይብለኒ ኢለን እየን።

ሰራዊት ምክልኻል ዓወት እንትገብር ኣብ ጎኑ ኾይና ኣብ ምብርትታዕ ኣለና። ትግራይ ኹሉ ጊዜ ናይ መስዋእቲ ቦታ ብምዃና ኸዚ ድማ እዚ ብምድጋሙ የሕዝን እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይፀረየ ብምዃኑ፣ ካልኣይ ድማ ኣብ ቀበሌን ዞባን ዘሎ መሓውር ናይ ህወሓት ብምዃኑ ዋጋ ከኽፍል ክኢሉ እዩ ኢለን እየን።

ኣብዚ ሃገር ለውጢ እንትመፅእ ኣብ መጀመር ዝተቓላቐልኩ ሰብ እየ፣ ናተይ ለውጢ ካብ ኢትዮ- ኤርትራ እዩ ዝጅምር ዝበለት ድማ ኣርቲስት ሰናይት ሃይለማርያም እያ። በዚ ለውጢ ድማ ሕጉስቲ እየ። ንትግራይ ድማ ኸዚ ደጀን ምዃን ይኽእል እየ።ምስ መከላከያ ጎኒ ብምዃን እዚ ንትግራይ ዘፅርፍ ዘሎ ጉጅለ ጠፊኡ ትግራይ ከም ሓድሽ እትላዓለሉ እዋን ዝናፍቕ እየ ኢለን።

ኣባል ትዴፓ ኣይተ ጊደና መድህን ብወገኖም ድማ ንህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ሰብዓ ሚኢታዊ ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ዘቕረበ መንግስቲ ፌደራል ብምዃኑ ነዚ ድማ ኽብሪ ይግበኦ ኢሎም እዮም።

መምህር ተስፋይ ኣለማየሁ ብወገኖም ወያነ ኣብ በረኻ እናሃለዎ እንታይ ይብል ‹‹ ማዕፆኻ ኣይትዕፆ ኣፍኻ ዕፆ›› ይብል ነይሩ። ኢትዮጰያ እትባሃል ሃገር እትቕፅል እንገብሮ ኣፍና ዓፂና ኣይኮነን ብምዝራብ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ብተግባር ኢና ክነረጋግፅ ዘለና ክብሉ ናብ ተግባር ክእቶ ከምዘለዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ደቂ መን ኾይና ኢና ኢትዮጵያ እነፍርስ? ኣፍና እንዓፁን ብትኽክለኛ መገዲ ሓሳብና ክንገልፅ ኢና። እዚ ለውጢ ዝመፀ ንምስኻዕ እዩ። ሓሳብና ንምግላፅ እዩ። ኸዚ ብልፅግና ክረድአና ስለዝመፀ ክነመስግን ንፎቱ ኢሎም።

እቲ መድረኽ እናመርሑ ዝነበሩ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ኣብ ዝሃብዎ መጠቃለሊ ሓሳብ ኢትዮጵያ እትባሃል ሃገር ክትፈርስ ዝደሊ ኣካል ማለት ካብ ማንም ንላዕሊ ናይ ባዕሉ መቓብር ቆፊሩ ማለት እዩ ኢሎም እዮም። እዚ ባዕሉ ናይ ምንእኣስ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም። ንሓደ ጉጅለ ክባሃል ዓብይ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ክፅልም ክግበር የብሉን ኢሎም እዮም።

ፓርቲታት ድማ ናብ ውልቃዊ ዝግበር ኣተሓሳስባ ንጎኒ ብምግዳፍ ንሃገር ብሓባር ብምዃን መስዋእትነት ብምኽፋል ሕድሕደ ሓላፍነት ንክወስድ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ኸዚ ዘለናዮ እዋን ናይ ሓሳብ እንተይኾነስ ናብ ተግባር እናኣትዎሉ እዋን እዩ ክብሉ ገሊፆም እዮም ።

ምውዳብ ኣድላይ እዩ። ካብ ህወሓት ጨካን ውድብ ዘድሕነና ብሕታዊ መገዲ እዩ። ህወሓት ፀረ ህዝቢ እዩ ኢልኹም እንተሓሲብኹም ቅድሚ ኹሉ ምውዳብ እዩ ክብሉ ምስ ገለፆ፤ ኣብ መድረኽ ዝተልዓለ ሓሳብ ኹሉ ንቅድሚት ንምሱጓም ዓቕሚ ከምዘለና ምስክር እዩ ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ዝተፈፀሙ ጌጋታት ብምእራም ለውጢ ከምዝመፅእ ኣፍሊጦም እዮም።

ሃገርና ኸዚ ዝገጠማ ፀገም ብሓባር ተሓባቢርና ምሕላፍ ዘኽእል ካብ ኹሉ ንላዕሊ ፖሊቲካ ኣባለት ይኸዱ ይመፁ እዮም፤ ወለዶ ይኸይድ ይመፅእ እዩ፣ ሃገራዊ ጉዳይ ናይ ሓባር ብምዃኑ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ብዙሕ ዓመታት ብዙሕ ተፈጥሯውን ሰብ ሰራሕን ፀገማት እንተጋጠሙና’ውን ተሓጋጊዝና ብምሕላፍ ኣብዚ ብርኪ በፂሕ ና ኢና ኢሎ ም።

ኣብቲ መድረኽ ኣርቲስታት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ተፈለጥቲ ውልቀ ሰባት፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ሙሁራትን ካብ ዝተፈላላዩ ፖለቲካ ፓርቲ ዝተውፃፅኡ ዕድሟት ዝተረኸቡ እንትኾን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕን ከም ሃገር ኸዚ ዘለናዮ ኩነታት ከምዝሕግዝ ስለዝተኣመነሉ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተዳለወ መድረኽ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ እዩ። ኣብቲ መድረኽ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ጠንካራን ድኽመትን ብምግምጋም ስፍሕ ዝበለ መብሪሂ ተዋሂቡ እዩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You