‹‹ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ኢትዮጵያውያን ንኽምለሱ ድሌት’ኳ እንተሃለዎም ትኽክለኛ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣይተገብረን›› ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ

መኣግር ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ካብ መረበቶም ተማዛቢሎም ኣብ ሱዳን ዓቒቦም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ተጋሩ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ድሌት’ኳ እንተሃለዎም ትኽክለኛ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣይተገብረን ክብሉ ኣብ ሱዳን ባዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ይበልጣል ኣእምሮ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ይበልጣል ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ቓለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ እዞም ተፋናቐልቲ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ድሌት እኳ እንተሃለዎም ብምኽንያት ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ተመሊስኩም እንተኸይዱኩም ጉድኣት ክበፅሐኩም እዩ ስለ ዝባሃሉ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይከኣሉን፡፡

‹‹ሚኒስቴር ሰላም ኢትዮጵያ ብዘለዎ ተመዛበልቲ ናብ ዝርከብዎ ብምኻድ ብኣካል ረኺብና ብዛዕባ ሃገሮም ነባራዊ ኩነታት ንምርዳእ ፈቲና ኢና›› ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፣እዞም ዜጋታት ናይ ሓበሬታ ክፍተት ስለ ዘለዎም ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ፃዕሪ ዕውት ከምዘይኮነ ገሊፆም፡፡ ኣብዚ ኩነታት እዚ መንግስቲ ሱዳን ከምዘይተሓባበረን እንድሕር ዘይተስማዕሚዑን ዘይተሓባቢሩን ድማ ምትግባሩ ኣይከኣልን ኢሎም።

ኮይኑ ግና ቕድሚ ሒደት መዓልትታት ምስ ናይ ሱዳን ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ዋሃቢ ቓል ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከምተዘራረቡን ክፍታሕ እዩ ዝብል ቓል ከምዝኣተውሎም እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።

ከም ገለፃ ኣምባሳደር ይበልጣል፣ ብዙሓት ገበነኛታት ኣብቲ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ስለ ዘለዉ ንፁሃን ድማ ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ዝተበከልሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።

ናብ ሃገሮም ንምምላስ ድጋፍ ሓቲቶም ኣወንታዊ መልሲ ዘይረኸቡ ተመዛበልቲ ናይ ባዕሎም መማረፂ ተጠቒሞም ብእግሮም ብገዳሪፍ መተማ መስመር ገይሮም ናብ ሃገሮም እናኣተዉ ከምዝኾኑ ብምጥቋም፣ ነዚኦም መንግስቲ ክትትል እናገበረሎም ከምዝኾነ ወሲኾም ሓቢሮም።

ንቐፃሊ እዞም ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮምን ከባቢኦምን ዝተማለአ ሓበሬታ ረኺቦም ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታት ንምምችቻው ተወሳኺ ስራሕ ከምዝሓትት እውን ተዛሪቦም።

ገበነኛታት ብዝምልከት ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉን ነዚ ኣመልኪቱ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ሱዳን ሕቶ እናቐረበሉ ከምዝኾነን ክሳብ ሕዚ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ኣወንታዊ መልሲ ከምዘይተረኽበ ገሊፆም።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You