
ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ደቒ ሰባት መዓርነት፣ ሓድነትን ቅንዕናን ከስፍን ዘይከኣለ ሓይሊ’ዩ። እዚ ሓይሊ ንዝሓለፉ ኣስታት ሓምሳ ዓመታት ሽሙ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣመሳሲሉ ዋላ ይጠቐም ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ኣጀንዳ ሒዙ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ምግባር ኣይከኣለን። ንኢትዮጵያ ንጠቅም ሃሳብን ተግባርን ‘ውን ኣይነበሮን። የብሉን’ውን።
ህወሓት ንበረኻ እንትወፅእ እንተሎ ንፍትሒ፣ መዓርነትን ሓድነትን ህዝቢታት ዝወፀ’ኳ እንተነበረ ኣብ ከይዲ ግና ፀረ ህዝቢ ዕላማን ኣተሓሳስባን በምሓዝ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ኣብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ጉድኣት ኣብፂሑ’ዩ። ህዝቢ ኸፋፋላይ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ብምስፋን ሓድነት ህዝብታት ክልሕልሕ ዝገበረ’ዩ።
እዚ ገጅለ እዚ ናፃነት ዘይፈልጥ ናፃ መውፅኢ ውድብ እዩ። ህወሓት ናፃነት ዝፈልጥን ዝርደኦን ሓይሊ ኣይኮነን። ናፃነት ዝፈልጥ ተዝኾን ነይሩ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኩሉ መንግስታዊ መሓውር በይኑ ኣይምተቖፃፀሮን ነይሩ። መሰል ህዝቢ ኣይምገሃሰን።
እዚ ጉጅለ እዚ ናይ ብሓቒ ንናፃነትን ፍትሕን ዝቓለስ እንተዝኾን ነይሩ ወይ ድማ ቕንዕና ዘለዎ እንተዝኾን ነይሩ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣኑ ኣይምተባረረን። ብተግባሩን ስርሑን እዩ ተባሪሩ። ኣብ ትግራይ ኮይኑ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንከይህልው ይሰርሕ ነይሩ።ሐዚ’ውን ይሰርሕ ኣሎ።ምኽንያቱም ፀረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ’ዩ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ንራዕዳዊ ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ እዩ ተሸኪምዎ ነይሩ። ህወሓት ሃገር ከፋፊልካ፣ ብሓሶት፣ ብኽሕደት ናይ ምግዛእ መገዲ እዩ ዝኽተል ነይሩ። ሐዚ ‘ውን ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ እዩ ዝኽተል ዘሎ። በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ህዝብታት ከም ደስ ዝበሎም ተንቐሳቒሱ ከይሰርሑ ገይሩ’ዩ። ሐዚ’ውን እዚ ሓሳቡን ተግባሩን እናቐፀሉሉ’ዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ብተንኮልን ዓፈናን ንህዝቢ ከመሓድር ፀኒሑ፤ ሕዚ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት መማረፂ ከይረክብ እናገበረ’ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ ተንኮል ራዕዳዊ ህወሓት ብግልፂ ክርዳእ ይግባእ።
ጁንታ ህወሓት ስርሑ ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ ፍትሒ ምስኣን ጥራሕ እንተይኮነስ መናእሰይ ምእሳር፣ ምቕታል እዩ።ሕዚ ‘ውን ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ። ሕዚ ድማ ተጋሩ ህፃናት ብሓሸሽ ክዕውኑ እናገበረ ናብ ኵናት የእትዎም ኣሎ። እቲ ካሊእ ወተሃደር እንትውዳእ ካልኦት ትሕቲ ዕድመ እናሰልጠነ ብምትካእ ናብ ሓዊ ንክኣትው ይገብር ኣሎ። ስለዚ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ መማረፂ ኣስኢኑ ብኵናት እዩ ንክሃልቁ እናገበረ’ዩ።
ኣብ ትግራይ ቀደም ኮነ ሐዚ ሚድያ ብናፃናት ኣትዩ ክፅብፅብ ኣይኽእልን። ትግራይ ናይ መከራ ማእኸል እያ ኮይና ዘላ። ኩሉ ቤት ትምህርትታት ታዕሊም’ዩ ኮይኑ ዘሎ፤ ንማእኸላይ መንግስቲ ትድግፉ ነይርኹም ብምባል ብዙሓት ዜጋታት ይቐትል ኣሎ። እዚ ፀረ ህዝቢ ሓይሊ ምዃኑ ሓደ መርኣያ’ዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ህፃውንቲ ናብ ኩናት ምእታው ዘይኣኽሎ ንረድኤት ዝመፀ ምግቢ ንሰራዊቱ ብምጥቃም፣ ውሃብቲ ረድኤት ናብ ትግራይ ረድኤት ሒዞም ከይኣትዉ ብምትዕንቃፍን ረድኤት ፅኢነን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መኻይን ከይምለሳ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ፀገም ንክኣቱ እናገበረ እዩ። ብካልእ ገፅ ድማ ረድኤት ብዝግባእ እናኣተወ ኣይኮነን እናበለ ንፌደራል መንግስቲ ይኸስስ፣ እቲ ሓቂ ግን ፈጣሪ እቲ ፀገም ባዕሉ’ዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ንታ ዝዓበየላ ትግራይ ‘ውን ባህላን መንነታን ኣይፈልጣን፤ እምነት ዘይብሉ ፓርቲ እዩ። ህዝቢ ትግራይ እምነት ዘለዎ ህዝቢ እዩ፤ ፈታውን መኽበሪን ሰብ እዩ፤ ሃገሩ ዝፈቱ ክቡር ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ እዩ፤ ሃገር ዝሃነፀ ህዝቢ እዩ፤ ህወሓት ግና ካብዚ ህዝቢ እዚ ዝወፀ ኣይመስልን። ፀላኢ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝኾነ ሓይሊ’ዩ።
ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም