ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኮሚሽነር ምምሕዳር እዋን ቅልውላው ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡- ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኮሚሽነር ምምሕዳር እዋን ቅልውላው ሕብረት ኣውሮፓ ያኔዝ ናርሲክ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልል ትግራይ እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሓገዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ምልዓሎም ተገሊፁ።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ ክልል ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ብምሕባር ይኹን’ምበር ሕዚ እውን ማሕለኻታት ክምዘለዉ ተዛሪቦም።ኣብቲ ክልል ዝተፈለዩ ፀገማት ንምፍታሕ ድሉውነት መንግስቲ ‘ውን ኣረጋጊፆም።

ኮሚሽነር ያኔዝ ናርሲክ ብግደኦም፣ ኣብቲ ክልል እናተመሓየሸ ዝመፅአ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣበረታቲዖም።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምርመራ ንምግባር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም’ውን ንኢዶም።

“ሰራዊት ሃገረ ኤርትራ ካብቲ ክልል ንኽወፅኡ ዝተወሰደ ውሳነ ዝበረታታዕ ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You