ኣርቲስት ከም ክብሪት

ኢትዮጵያውያን ተዛረብቲ ብዙሓት ቋንቋታት፣ መኽበርቲ ኣሽሓት ባህልታት እዮም። ይኹን ‘ምበር ፀላእቲ ነዚ ብዝፃረር መልክዑ ንኽሰርሑ እናገበሩ ፀኒሖም እዮም። ፀላእቶም ብሓደ ልቢ ንኸይመኻኸሩ በብዘበናቱ እንተተፈታተንዎም ‘ውን ንኹሎም ብምሕፋር ኣብ ሓድነቶም ፀኒዖም ሉኣላውነት ሃገሮም እናሓለዉ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናመሓላለፉ ፀኒሖም እዮም።

ሎሚ ‘ውን ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓትን ዕብየቱ ዘይደልዩ ምዕራባውያንን መንግስታት እናተፈታተንዋ ይርከቡ።እዚ ጉጅለ ራዕዲ ተለኣኣኺ ምዕራባውያን ብምዃን ናይ ውክልና ኲናት ንክኸፍቱ ገይሩ እዩ። እዚ ካሕዳም ጉጅለ ፅምኢ ስልጣኑ ንምርካብ እናተለኣኣኸ ኢትዮጵያውያን ብግፍዒ እናጨፍጨፈ ይርከብ፤ፀግዒ ጭካንኡ እናስካሕከሖም፤ እቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ውክልና ኲናትነወ ምድፋር ሉኣላውነትን ዝሰልከዮም ኢትዮጵያውያን ግና ናይዚ ጉጅለን ተግባር ናይቶም ኣጆኻ በሃልቲ ንምፍላም ሎሚ ‘ውን ከምቶም ጀጋኑ ኣቦታትን ኣዴታትን ብቑጥዐ ተላዒሎም እዮም።

ብምብራቕ ብሰሜንን ብምዕራብን ዝወለደቶም ደቃ ኣለኹልኪ በሃልቲ ውቁባት ፍረታታ ዓብዮምላ’ዮም። ንዘበናት ኹለ መዳይ ባህሉ ኣኽቢሩ ካብ ዝነበረሉ መረበቱ ናብ ኣደባባይ ወፂኡ ብሓድነት ኾይኑ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ንኽዘምትን ዓወቱ ንኽዝክርን ካብ ዘለዎ እናሃመመ ንምፍላም ሆ ኢሉ ናብ ወታደራዊ ስልጠና ኣትዩ እዩ።

ነዞም ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ዝተሰመዖም ኢትዮጵያን ዝርኣዩ ጀጋኑ ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ከዋኽብቲ ባህሊ ‹‹ኢትዮጵያ ንምድሓን ክወፍር እየ፣ ኣብ ዝኾነ እዋንን ግዘ፣ኹነታትን›› እናበሉ ኣብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ጦላይ በፂሖም እዮም። ካብ መንጎ እዚኦም ድማ ፍሉይ ታሪኽ

 ዘለዋ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከብ። እቲ ዛንታ ከምዚ እዩ፤ እዋኑ 1981 ዓ/ም እንትኸውን፤ኣርቲስታት ብሄራዊ ትያትር ኣብ ኤርትራ ንዝርከብ ሰራዊት/እዚ ምብራቕ/ ስንቂ ሞራን ንምሃብ ናብ ኣስመራ ንምኻድ እናተዳለዉ እዮም፤ኹሉ ነገር ተዓራርዩ ድሕሪ ምውድኡ ኣባል ናይቲ ጉጅለ ዝነበረት ኣርቲስት መሰሉ ተሰማ ብዘጋጠማ ውልቃዊ ጉዳይ ምስቲ ጉጅለ ከይኸደት ትተርፍ።

17 ዝኾኑ ጉጅለ ኣንጊሆም ጉዕዞ ቐፀሉ። ኤርትራ በፂሖም ድማ እቲ ምድላው ናብ ዘርእይሉ ስፍራ እናተጉዓዙ ኸለዉ ዘሕዝን ኽስተት ኣጋጠመ፤ ነቲ ጅግና ሰራዊት ዝሓሰብዎ ናይ ሞራል ድጋፍ ከይገበሩ፤ ኣፍቲ እዋን ሻዕብያ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ሓደ ከይተረፈ ኹሎም ሰብሞያ ኣባላት ኪነጥበብ ተቐተሉ።

ትረፊ ዝበላ ነብሲ ኣርቲስት መሰሉ ተሰማ ብህይወት ፀኒሓ ነጋሪት ታሪኽ ኾይና ኣላ። ኣፍቲ ሽዑ እዋን ምትራፋ ታሪኽ ንምንጋር ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኽ ንምስራሕ ‘ውን ከምዝኾነ ብምእማን ሎሚ ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ሃገር ተረኺባ ብሞይኣ ንምብርትታዕ ዕድል ረኺባ እያ።

ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ናብ ግምባር ንዝወፍሩ ኣባላት ሰራዊት ብምንቕቓሕ ድጋፍ ትህብ ዝነበረት፤ ተፃዋቲት ባህላዊ ሙዚቃ ኣርቲስት መሰሉ ተሰማ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ዕድል ረኺባ ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ተረኺባ ሰልጠንቲ ኣነቓቒሓ እያ።

ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ሃገር ጠጠው ንኽትብል ዘለዓዓላ ጉዳይ ሉኣላውነት ሃገር ከምዝኾነን ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ብዝፈጠሮ ፀገም ኢትዮጵያውያን ብዝያዳ ናብ ሓድነት ተፀምቢሮም እዮም ክትብል ተዛሪባ።

እታ ኣርቲስት ‹‹ካብ ቑልዕነታ ጀሚራ ኢትዮጵያ ብሓድነታ ተኸቢራ ከምእትነብር ኣቦታተይ ኣምሂሮምኒ እዮም››። ስርዓት ህወሓት ድሕሪ ምምፅኡ ግና ኢትዮጵያውነት ዝጠፍአሉን ዝሓሰሰሉን ኹነታት ከምዝተርኣየ ጠቒሳ። በዚ ድማ ኣዝየ ሓዚነ እየ ዝበለት እዛ ኣርቲስት፤ ባዕሎም ብዝፈጠርዎ ፀገም ሓደ ክንኸውን ኽኢልና ኢና፤ኹሉ ኢትዮጵያዊ ሓላዊ ዓዱ ኾይኑ ጠጠው ኢሉ እዩ ትብል።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኪነጥበብ ሰራዊት ብምቕስቃስ፣ መንእሰይ ብምንቕቓሕን ብምልዕዓልን ናብ ግምባር ብምኻድ ንሓድነት ኢትዮጵያ ብኸመይ ከምዝዕወቱ ሞራል ብምሃብ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ። እዚ ብምዃኑ ድማ ብርክት ዝበሉ ከየንቲ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ብምኻድ መናእሰይ ንሃገሮም ጠጠው ንኽብሉ ንምግባር ግደኦም እናተዋፅኡ እዮም።

ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ንመከላኸሊ ሃገር ዘየቋርፅ ድጋፍ ንኽገብሩን ናብ ግምባር ብምኻድ ሰራዊት ብምቕስቃስ ናይ ሞራል ስንቂ ንኽህቡ እታ ኣርቲስት ፃዊዒታ ተቕርብ።

ንምልምል ወተሃደራት ኣብ መሰልጠኒ ማእኸል ጦላይ መነቓቕሒ ፕሮግራም ዘቕረቡ ኮሜዲያን ምትኩ ፈንቴ ምስ ሰብ ሞያ መሓዙቱ ኣፍቲ መድረኽ ዘቕረቦም ስራሕቲ እቶም መናእሰይ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም።

‹‹ ኣርቲስት ከም ክብሪት ወይ ድማ ሽግ›› እዩ ዝበለ ድማ ኬሮግራፊ ባህላውን ዘበናውን ስዕስዒት ብሄራዊ ትያትር ደጀን ሃይሉ (ዲጄ) ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ንሰራዊት ዘቕርብዎ መነቓቕሒ ምድላው ፍቕሪ ሃገር ዝፈጥር ከም ዝኾነ ጠቒሱ። ኣርቲስት ዘለዎ ዓብዪ ዓቕሚ ተጠቒሙ እናሰርሐ ከምዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ሓውነታዊ ፍቕሩ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ኣፍቲ እዋን እቶም ኣርቲስትታት ኣብ ዘቕረብዎ ጥበባዊ ምርኢት ኣብ መሰልጠኒ ማእኸል ጦላይ ንዘለዉ ምልምል ወተሃደራት ፍሉይ ስምዒት እዩ ፈጢርሎም። መዝሙራት፣ ብዘውፅእዎ ድምፂ ፈኸራ፣ ባንዴርኦም ልዕል ኣቢሎም ኣብ ዝገብርዎ ወተሃደራ ምንቅስቓስ ልቢ ዝትንክፍ ምርኢት ገይሮም እዮም። ኣፍቲ ስፍራ ዝነበሩ ኣርቲስታት በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ እዛ ሃገር መተካእታ ትውልዲ ከምዘለዋ ሓሲቡ ኣብ መናእሰይ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 20 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You